ሕማም መንሽሮ ጡብ ተሓኪማ ዝጸረየት ጓል 51 ዓመት

እቲ ጓል 51 ዓመት ናይ ስነ ኣባይቲ ክኢላ እንግሊዛዊት ሳራ ቤን
መግለጺ ስእሊ, እቲ ጓል 51 ዓመት ናይ ስነ ኣባይቲ ክኢላ እንግሊዛዊት ሳራ ቤን

እቲ ጓል 51 ዓመት ክኢላ ስነ ኣባይቲ እንግሊዛዊት ሳራ ቤን፡ ገዛይ ይወድቕ ኣሎ’ሞ በጃኹም ሓግዙኒ ብዝብል ናይ ሓገዝ ፕሮግራማ እያ ትፍለጥ። ብእተቕርቦ መደባትን ብእትገብሮ ኣበርክቶን ከኣ ዓቢ ተፈላጥነት ኣለዋ።

ሳራ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እያ ሕማም መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ተነጊሩዋ። ትማሊ ዓርቢ ግን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኣይቲቪ ንኣቕራቢት መደብ ሎረይን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትታት ዘተስፉ ሓዲሽ ዜና ከም ዝረኸበት ሓቢራ።

ቤኒ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ "ዓቕልኻ ኣብ ዘጽብብ ሻቕሎት" ከም ዝነበረት ገሊጻ ።

ብተወሳኺ፡ "ኣብ መርመራ፡ ሕማም መንሽሮ ከምዘለኒ ተነጊሩንስ ንዓመት 2023 ብተስፋ ነቢረያ። ሕጂ ከኣ ዘተስፉ ዜና ብምስመዐይ ዕድለኛ እየ" ዝበለት ቤኒ፡ "በቲ ዝሰማዕኩዎ ዘሐጉስ ዜና ኣዝየ እተባረኽኩ ኰይኑ እዩ ይስምዓኒ ኣሎ "ኢላ ።

'ጽቡቕ ግን ከኣ ዘሰክፍ'

እታ ኬሞተራፒ እተባህለ ፍወሳ ሕማም መንሽሮ ከምዝወሰደት ንአአንጋዲት ክሪስቲን ላምፓርድ ዝነገረታ ቤን፡ "እቲ ዜና ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ምጽራያ ምስ ተነግራ ቅሩብ ግር ከምዝበላ ኣይሓብአትን።

"እቲ ሕማም የለን ጸርዩ እዩ [ተባሂለ፡] ከምኡ እዩ። ተጸሪጕ እዩ - ከመይ ጌርካ ግን ትፈልጥ? [እቶም ሓካይም] ከምኡ እዮም ኢሎም። በቃ ከምኡ ኢሎም ኣለው" ትብል ።

መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤን.ኤች.ኤስ) ከምዝሕብሮ፡ ካብ ሸውዓተ ኣንስቲ ሓንቲ ኣብ ገለ እዋን ዕድመኣ መንሽሮ ጡብ ከም ዘጋጥማ ይገልጽ።

"[እቲ ሕማም] ኣብ መጀመርታ እንተ ተነጺሩ ልዑል ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ኣሎ” ይብሉ ።

ቤኒ ጓል 10 ዓመት እንከላ ወላዲታ ብናይ ጡብ መንሽሮ እያ ሞይታ። ብምቕጻል ቤኒ፡ ንዝቕጽል 10 ዓመት፡ ኣዝያ ንቕሕቲ ብምዃን ኣንጻር እቲ ሕማም መድሃኒት ክትወስድ ከም እተሓበረት ብምግላጽ ንኤን.ኤች.ኤስን ንሰራሕተኛታት ሆስፒታላት የቪልን ሮያል ማርስደን ኣመስጊና ።

እታ ኣቕራቢት መደብ ቲቪ፡ ኣብቲ ቅድሚ መርመራኣ ብቪድዮ እተቐርጸ መደባታ ብስድራ ቤታ ማእኪላ ክትረአ እያ።

ንጋዜጣ ቴሌግራፍ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣብ ነሓሰ፡ እቲ ሕማም ከምዘለዋ ኣብ ሆስፒታል ምስተነግራ ሞራላ ተተንኪፉ ከምዝነበረ ሓቢራ።

ጋዜጠኛ ቤኒ፡ ኣብ 2003 ንስነ ጥበባኛ ግራሃም ስዊፍት ተመርዕያ፡ ኣርባዕተ ቘልዑ ድማ ወሊዶም።

ቤኒ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቝ ህንጻታት ንምጽጋን ጎስጓስ እተካይድ ፍልጥቲ ጋዜጠኛ እያ። ብ2010 ድማ ነቲ ኣብ ራይዝ ሆል፡ ምብራቕ ዮርክሻየር ኣብ ካልኣይ ደርቢ ዝርከብ ህንጻታት ንምጽጋን ከም ኣካል ቻነል 4 ተኸታታሊ ህንጻን ጽገናን መደባት ኣቕሪባ።