ኣመሪካዊ ሕሙም መንሽሮ፡ 'ዘይቆጻጸሮ' ላህጃ ኣየርላንድ ኣማዕቢሉ

ምስሊ ናይ ሓደ ሰብኣይ ብሓኪም ክምርመር ከሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ናብ ኣየርላንድ በጺሑ ዘይፈልጥ ኣመሪካዊ ስብኣይ፡ መንሽሮ ፕሮስቴት ከም ዘለዎ ምስተረጋገጸ፡ "ዘይቆጻጸር ላህጃ ኣየርላንዳድ" ከም ዘማዕበለ ተመራመርቲ ይገልጹ።

እዚ ዕድሚኡ ኣብ 50ታት ኮይኑ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ዝነብር ዝነበረ ሰብኣይ፡ ብናይ ወጻኢ ላህጃ ሲንድሮም (FAS) ከም ዝተጠቕዐ ይግመት ክብል ብሪጣንያዊ ሜዲካል ጆርናል ጸብጺቡ።

እቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሲንድሮም ነቲ ካብ ኣየርላንድ ዝመጹ ናይ ቀረባ ስድራቤት ዘይነበሮ ሰብኣይ፡ ክሳብ ሞቱ ዝጸንሕ "ኣደማምጻ" እዩ ኣማዕቢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብደረጃ ዓለም ሓያሎ ተመሳሰልቲ ተርእዮታት ተመዝጊቦም እዮም።

እቲ ጉዳይ ዩኒቨርሲቲ ዱክን ማእከል ምርምር ዩሮሎጂ ካሮላይናን ብሓባር ዘጽንዕዎን ዝጸብጸብዎን እዩ።

"እዚ ኣብ ሓደ መንሽሮ ፕሮስቴት ዘለዎ ሕሙም ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ብናይ ወጻኢ ላህጃ ሲንድሮም (FAS) ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ከቢድ ሕማም ዘለዎ ሕሙም ከጋጥም ድማ ንሳልሳይ ግዜ'ዩ" ይብሉ ጸሓፍቲ እቲ ጸብጻብ።

መብዛሕትኡ መለለዪ ባህርያት ናይቲ ሰብኣይ፡ እንተላይ ስሙ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተኻተተን።

ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝነበረን ካብ ኣየርላንድ ዝመጹ ኣዕሩኽን ርሑቕ ኣባላት ስድራቤትን ከም ዝነበሮን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ቅድሚ ሕጂ ግን በቲ ናይ ወጻኢ ላህጃ ተዛሪቡ ከም ዘይፈልጥ እቶም ጸሓፍቲ ይውስኹ።

"ላህጃኡ ቁጽጽር ዘይብሉ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነበረን ቀስ እናበለ ጽኑዕ እናኾነ ዝመጸን እዩ" ዝብሉ እቶም ተመራመርቲ፡ ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ሕክምናኡ ንመጀመርያ ግዜ ከም ዝጀመሮ ይዛረቡ።

ኩነታቱ እናገደደ ምስ ከደ እውን እቲ ላህጃ ክሳብ ዝሞተሉ እዋን ኣይጠፍአን።

"ዘይንቡር ጸገም ስነ-ኣእምሮ ኣይነበሮን፡ ተኸታተሊ መርመራ ጸገም ስነ-ኣእምሮ ወይ ናይ ሓንጎል ኤምኣርኣይ ዘይንቡርነት ኣይነበሮን" ይብል እቲ ጸብጻብ።

"ዋላ'ኳ ኬሞቴራፒ እንተተገብረሉ፡ ኩነታት መንሽሮኡ እናገደደ ብምኻዱ፡ ብዙሕ መራኽቦኣዊ (መልቲፎካል) ዝርጋሐ ሓንጎልን ምናልባት ናብ ሞቱ ዝመርሐ ፓራኒዮፕላስቲክ ኣሰንዲንግ ፓራላይሲስን ኣስዒቡሉ'ዩ።"

እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ናይ ኣደማምጻ ለውጢ፡ ብፓራኒዮፕላስቲክ ኒውሮሎጂካል ዲስኦርደር (PND) ዝበሃል ኩነታት ከም ዝተፈጥረ ይጥርጥሩ።

እዚ ክስተት ዝፍጠር፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕሙማት መንሽሮ ንገለ ክፋል ሓንጎሎም፡ ከምኡ’ውን ጭዋዳታት፡ መትኒታትን ዓንዲ ሕቖን ምስ ዘጥቅዕ እዩ።

ካልኦት ብናይ ወጻኢ ላህጃ ሲንድሮም ዝተሳቐዩ ሰባት፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክዛረቡ ከለዉ "ኣብ ገዛ ዘይትፈልጦ ሰብ" ትሰምዕ ከም ዘለኻ ዝገብር ዘይርጉእ ስምዒት ከም ዝፈጥረሎም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ 2006 ዓባይ ብሪጣንያዊት ጓል ኣንስተይቲ ሊንዳ ዎከር ወቕዒ ኣጋጢምዋ፡ ድሕሪኡ እቲ ናታ ላህጃ ጆውዲ ብናይ ጃማይካ ኣደማምጻ ከም ዝተተክአ ፈሊጣ።

ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዝተገልጹ ሕሙማት፡ ኣብ 1941 ሓንቲ መንእሰይ ኖርወጃዊት ኮይና፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ብቦምባታት ድሕሪ ምውቃዓ፡ ጀርመናዊ ላህጃ ኣማዕቢላ።

ሰላዪት ናዚ እያ ኢሎም ዝሓሰቡ ደቂ ዓዳ ካብኣ ይርሕቑ ነይሮም።