ዩክረይን ንቭላድሚር ፑቲን ክትቅንጽሎ ፈቲና- ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብምስዳድ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንምቕታል ፈቲና ክትብል ሞስኮ ከሲሳ።
ሩስያ፡ ክልተ ንቤተመንግስቲ ክረምሊን ዒላማ ዝገበራ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ሃሪማ ከምዘውደቐት ሓቢራ'ላ።
ኣብ ሓደ ምንጩ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ነገር ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝኾነ ክረምሊን ክበርር ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብነትጒ ክዓኑ ተራእዩ።
ዩክረይን ግን ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዘየካየደት ገሊጻ'ላ።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ዩክረይን መሬታ ሓራ ኣብ ምውጻእ ተጸሚዳ ከምዘላ ተዛሪቡ።
ካልእ ዩክሬናዊ ብዓልስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ፍጻመ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን "መጠነ-ሰፊሕ ሽበራዊ ምትኲታዂ" ክትፍጽም መደብ ከምዘለዋ ዝእምት'ዩ ኢሉ።
ሩስያ ከምዝበለቶ፡ እተን ንፑቲን ዒላማ ዝገበራ ዝበለተን ክልተ ድሮናት፡ ብኤልክትሮካዊ ናይ ራዳር መሳርሒ ከምዝዓነዋ ገሊጻ። ኣፈኛ ፑቲን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብቲ እዋን ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከምዘይነበረ ተዛሪቡ።
ቤተመንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ትማሊ ለይቲ፡ ስርዓት ኪቭ [ዩክረይን] ክልተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ነቲ ኣብ ክረምሊን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከካይድ ፈቲኑ" ክብል ከሲሱ።
እቲ ስጉምቲ "ዝተወጠነ ሽበራዊ ተግባርን ንፕረዚደንት [ፑቲን] ንምቕንጻል ዝተኻየደ ፈተነን" ጌሩ ከምዝወስዶን "ኣገዳሲ ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ሕነ ናይ ምፍዳይ መሰል ከምዘለዎ" እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ልዑል ዝኾነ ሓለዋ ዝግበረሉ መራሒ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ እተን ድሮናት ኣብ ጥቓ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ክቐርባ ምኽኣለን ዘገርም ምዃኑ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ዝገበረ ኢዲተር ቢቢሲ ስቲቭ ሮዘንበርግ ተዛሪቡ።
ክረምሊን ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝበጽሐ ጉድኣት ስለዘየለ ንቡር መደባቱ ከካይድ'ዩ። ብረቡዕ ኣብቲ ካብ ርእሰከተማ ሞስኮ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ኖቮ ኦጋርዮቮ ከምዝነበረ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።
ሎሚ ንጉሆ ምስቲ ዝተባህለ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እታ ከተማ ትኪ ከምዝተራእየ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጹ ቪድዮታት የርእዩ።
ስብርባር ናይተን ድሮናት ኣብ ቀጽሪ ቤተመንግስቲ ክረምሊን'ኳ እንተወደቐ፡ ዝተጎድአ ከምዘየለ ተፈሊጡ።
እቲ ዝተባህለ ፍጻመ፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ 9 ግንቦት ሃገራዊ በዓል ዓወት ንምጽንባል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ብልዑል ወተሃደራዊ ምርኢት ዝስነ በዓል፡ ከምቲ ዝተመደበሉ ክካየድ ምዃኑ ክረምሊን ኣፍሊጡ'ሎ።
እንተኾነ ግን እቲ ዕዱማት መራሕቲ ሃገራት ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ወግዓዊ ጽንብል፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ህስስ ብዝበለ ኣገባብ ከምዝካየድ ትጽቢት ይግበረሉ።
ሓያለ ከተማታት ሩስያ ዘዳልውኦ መደባት ክድርታ ምዃነን ተፈሊጡ'ሎ
እቲ ስጉምቲ፡ ብሰንኪ ካብ ዩክረይን ክመጽእ ዝኽእል ስግኣት ብዝሒ ህዝቢ ከይህሉ ብምሕላን ምዃኑ ሰብመዚ ሩስያ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶብ ዩክረይን ነተጒታትን ባርዕ ሓውን ከጋጥም ምጽንሑ ይግለጽ።
መዓልቲ ዓወት ሩስያ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ8 ሕዳር 1945 ዝተዛዘመ ፍጹም ስዕረት ናዚ ጀርመን ንምዝካር ዝጽንበል ሃገራዊ በዓል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







