ብጌጋ ካብ ኣመሪካ ዝተሰጎገ ወዲ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ብጌጋ ካብ ኣመሪካ ናብ ኤል ሳቫዶር ዝተሰጎ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Abrego Garcia Family/Handout via Reuters

ብጌጋ ካብ ግዝኣት ሜሪላንድ ናብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኤል ሳልቫዶር ዝተሰጎገ ሰብኣይ ብህይወትን ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንሓደ ዳኛ ሓቢሩ።

እዚ ብዛዕባ ሃለዋት ኪልማር ኣብረጎ ጋርስያ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ዝወፅእ ዘሎ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ወዲ ኣፍቲሑ ናብ ኣመሪካ ንኽምለስ ኩነታት ከጣጥሕ ከምዘለዎ ምስወሰነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ።

"ኣብሬጎ ጋርስያ ኤል ሳልቫዶር ኣብ ዝርከብ ማእከል መዳጎኒ ግብረሽበራ ተኣሲሩ ከምዘሎ ካብ ወግዓዊ ጸብጻብ ኤምባሲና ዝተመርኮሰ 'ዩ" ክብል በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክል ኮዛክ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽባሕ ሶኑይ ምስቲ ካብ ኤል ሳልቫዶር ዝመጸ መዘንኡ ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 200 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበሎም ሰባት ሰጕጉ'ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ሚስተር ጋርስያ ብሰንኪ "ምምሕዳራዊ ጌጋ" ከምዝተሰጎገ እኳ እንተኣመነ፡ ኣባል ናይቲ ኤምኤስ-13 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ምዃኑ ግን ከሲሱ። ጠበቓኡ ግን ይኽሕዶ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተገብረ ምርድዳእ ናብቲ ዕሉል ማእከል ግብረሽበራ ኤል ሳልቫዶር ዝሰጎጎም 238 ቬንዙዌላውያንን 23 ሳልቫዶራውያንን እዩ።

ሚስተር ኮዛክ ብሰንበት ወሲኹ፡ "ኣብቲ ቦታ ብህይወትን ኣብ ውሑስ ኩነታትን ኣሎ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዳኛ ንሚስተር ጋርስያ ዝተባህለ ሳልቫዶራዊ ኣብ 2019 ከይስጎግ ሕጋዊ ሓለዋ ሂብዎ ነይሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሚስተር ጋርስያ ናብ ኣመሪካ ንኸይምለስ ዝተቓለሰ ኮይኑ፡ ዳኛ ዞባ ሜሪላንድ ፓውላ ዚኒስ ነቲ ስጉምቲ ክትእዝዝ ከላ ካብ ስልጣና ንላዕሊ ከምዝኾነ ተማጒታ።

ይኹን እምበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብዚ ሰሙን ነቲ ጉዳይ መዚኑ ነቲ ትእዛዝ ብምድጋፍ ተፈቲሑ ንኽምለስ ክሕግዝ እዩ።

ብዓርቢ ዳኛ ዚኒስ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሚስተር ጋርስያ ናብ ኣመሪካ ንምምላስ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይውሰድ ከምዘሎ መዓልታዊ ሓድሽ ሓበሬታ ክህባ መምርሒ ሂባ።

ጠበቓታት ሚስተር ጋርስያ ኣብ ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ "ህይወትን ድሕነትን እዚ ሰብኣይ ኣብ ሓደጋ እናሃለወ፡ ትእዛዛት ቤት ፍርዲ ከደናጉዮ፡ ከደናግርን ክጥሕስን" ይፍትን ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።

ወዲ 29 ዓመት ሚስተር ጋርስያ፡ ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ካብ ኤል ሳልቫዶር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ።

ኣብ 2019 ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኣብ ሜሪላንድ ተታሒዙ ብፌደራላዊ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ተኣሲሩ።

ብድሕሪኡ ኣብ ሃገሩ ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ብዝብል ምኽንያት ካብ ኣመሪካ ከይስጎግ ሓለዋ ተዋሂብዎ።

ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ "ሰብ ምለሱ እንተይሉ፡ ኣነ ከምኡ ክገብር እየ" ድሕሪ ምባል፡ "ትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የኽብሮ እየ" ኢሉ።

ምስ ፕረዚደንት ኤል ሳልቫዶር ናይብ ቡከለ ዝገብርዎ ርክብ ጽባሕ ሶኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ነቲ ዘተ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ቡከለ "ገለ ካብቶም ኣዝዮም ዓመጸኛታት ጸላእቲ ዓለም" ስለዝተቐበለ ኣመስጊኑ።

ትራምፕ፡ "መጻኢ ዕድል ናይዞም ካብ ሃገሩ ዝሰጎጎም ስደተኛታት ኣብ ኢድ ፕረዚደንት ቡኩለን ምምሕዳሩን ዝተሞርከሰ'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ኣስዒቡ "ድሕሪ ደጊም ንዜጋታትና ከፈራርሑ ኣይክእሉን እዮም" ኢሉ።