ቅልውላው ሱዳን፡ ኳዓትቲ መቓብር ዝእልሹ ዘለዉ ነበርቲ ኡምዱርማን

ኣብ መኪና ዝተሰቐሉ ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ብተወሳኺ ኣብቡምዱርማን ናይ ኣጋራት ውግእ ይካየድ ኣሎ

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህጽጽ ደገፍን ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲታት ተጋዲዱ ዝቐጸለ ኲናት፡ ነበርቲ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ሱዳን ዝዀነት ኡምዱርማን፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ውግእን ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርትን ቀንዮም።

ነበርቲ እታ ከተማ ብሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እትፈልጥዎም መቓብር ዝኹዕቱ ሰባት ሓብሩና ዝብል ጻውዒት ገይሮም።

ካብ ሰማይ ዝወርድ ቦምባ፡ ፍንጫላትን ካብ መሬት ዝትኮሱ ጠያይትን ሰላማውያን ሰባት ይጐድኡ ብምህላዎም ሬሳታት ስለዝተኣከበ እዩ ነቲ ጻውዒት ክገብሩ ተገዲዶም።

ናብ መቓብር ዝወስዱ መንገዲታት ብሰንኪ እቲ ሓሙሽተ ወርሒ ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ስለዝተዓጸዉ፡ ንነፍስወከፍ ሰብ ዝኸውን መቕበሪ ቦታ ኣይርከብን። ዝሞቱ ተኣኪቦም ብጃምላ እዮም ኣብ ጋህሲታት ዝቕበሩ ዘለዉ።

ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ኣገልግሎት ኣብ እትህብ እንኮ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶክተር ከምዝገለጾ፡ እቲ ግጭት ከምብሓድሽ ምስተወለዐ፡ ብሰኑይ ጥራሕ 33 ሰባት ተቐቲሎም።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ ካብ ዝጅመር፡ እቲ ዝሓየለ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ንዕጡቓት እቲ ብዳዕመ ሰሪዕ ዝፍለጥ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ካብ ከባቢታት ከተማ ኡምዱርማን ንምብራር ዝዋግኡ ዘለዉ ሰራዊት መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ደብዳብ ኣየርን ከቢድ ብረትን የካይዱ ኣለዉ።

ብፍላይ ዕጡቓት 'ዳዕም-ሰሪዕ' ዝጥቀሙሉ ሰሜናዊ ሱዳንን ኦምዱርማንን ዘራኽብ ድልድል ንምቍጽጻር ፈተነ ይገብሩ።

ነበርቲ፡ ምስ ድምጺ ጠያይት ተላሚዶም ይነብሩ እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ዘንቀጥቅጥ ደምጺ ተፈንጀርቲ ግን ንብዙሓት ኣሰንቢድዎም ኣሎ።

ኣብ ምዕራባዊ ኡምዱርማን ብሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ቈሲሎም፤ ብዙሓት ሰባት ድማ ውሑስ ናብ ዝበልዎ ከባቢታት እታ ከተማ ክፈናቐሉ ተራእዮም።

መብዛሕትኡ ዶባት ሱዳን ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ኣብዚ እዋን ካብታ ሃገር ምውጻእ ዳርጋ ኣይከኣልን።

ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን እትነብር ጓል 44 ዓመት በኺታ ሓሰን “ኣምላኽ ምሕረትካ ሃበና። ኵሉ ሰብ ዋላ ብዝናብን ብጸላምን (ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ስለዝተቛረጸ) ይሃድም እዩ ዘሎ። ኣደይ እውን ክትከይድ ደልያ ነይራ፤ ሓወይ ግን እንተጸናሕና ይሓይሽ ኢሉ” ትብል።

ካብቲ ንሳ እትነበርሉ ኣብ 5 ኪሜ ርሕቐት ዝርከብ ትሕዝቶ ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ቀንዲ ዕላማ እቲ ደብዳባት ኰይኑ፡ ወግኣት ኣጋር ግን ኣብ ከባቢኦም ይዅን ካልእ ብዙሕ ከባቢታት ቀጺሉ እዩ።

ካብ ዝነድድ ከባቢ ዝውጽእ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኦምዱርማንን ካርቱምን ካብቶም ዝሓየሉ ውግኣት ዘካየዳ ከተማታት እን

ብሰራዊት ሱዳን ዝትኮሱ ገሊኦም ከበድቲ ብረታት ግን፡ ዒላማኦም ብምስሓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ጉድኣት የውርዱ ኣለዉ።

ነበርቲ እታ ከተማ ኣሕምልትን ስጋን ዝገዝኡሉ ዕዳጋ ንፈለማ እዋን ዳርጋ ተዓጽዩ ተራእዩ። እቶም ነጋዶ ብሰንኪ እቲ ከምብሓድሽ ዝተጋደደ ውግእ ሃዲሞም። ዝግዛእ ሰቐጣት የለን።

ባንክታት ስለዝተዘረፉን ሞባይል ባንክን እውን ስለዝተቛረጸን ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ተጸጊሞም።

ዋላ'ኳ ማሕበረሰብ ዓለም ተጻባእቲ ሓይልታት ሱዳን ፍልልዮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑ ጻዕሪ ይገብር እንተሃለወ፡ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ይዅን መራሒ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ - ሕሜቲ፡ ድልየት ዘለዎም ኣይመስሉን።

ተዅሲ ደው እንተዘይኣቢሎም፡ መወዳእታ ኣብዘይብሉ ዕንክሊል መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ክነብሩ ይመስሉ።