ቻይና እትድግፎ፡ ዋዕላ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ኣብ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቓልቦ ዝገብርን ሃገራት ናይቲ ከባቢ ዘሳትፍን ብቻይና ዝተደገፈ ኣኼባ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እዚ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝዀነ ኣኼባ ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ዝተዳለወ እዩ። እዚ ድማ ቻይና ኣብቲ ከባቢ ጽልዋ ንኽህልዋ ዘለዋ ድልየት የመልክት።
እቲ ዋዕላ፡ ወፍርን ፖሊሲ ወጻኢን ቻይና ኣብቲ ከባቢ እናዓበየ ምምጽኡ ዘርኢ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን፡ ቻይና፡ ድሕነት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተሓሳስባ ዘሎ ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያሎ ርእሰማል ኣዋፊራ ስለዘላ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለው።
ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ደቡብ ሱዳንን ዝተወከሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን ዝለዓለ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ቻይና ዝረኽባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እየን።
ኢትዮጵያውን ካብ መንግስቲ ቻይና ዝለዓለ ሓገዝ ገንዘብን መዋዕለ ንዋይን ትረከብ ሃገር እያ።
ይዅን እምበር ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእን ኲናት ሓደሕድን፡ ንቻይና ዘተሓሳስባ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ንሰላም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቻይና፡ “ዓቢይ እጃም” ከተበርክት ከምእትደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።
እዚ ድሕሪ ምባሉ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ቻይና ቅድመኡ ብዘይተለምደ ኣገባብ ኵነታት ናይቲ ዞባ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝመዘዘት ይዝከር።
ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሓድ ሕድ ተጸሚዶም ንዘለው ሓይልታት ንምዝርራብ ዘርኣየቶ ወግዓዊ ድልየት ግን የለን።
ነዚ መዝነት ዝተመመዘ ዡ ቢንግ ቅድመኡ ኣብ ፓፓው ኒው-ጊኒ ኣምባሳደር ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ኦሻኒያን ሃገሩ ወኪሉ ከም ዝሰርሐ’ውን ይፍለጥ።
ቻይና፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ተገዳስነት ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ጅቡቲ ዘቘመቶ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ መርኣያ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ንኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለቅሐትን፡ ኣብዘን ሃገራት ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተተግብር ከምዘላን ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘተኣማምን ሰላም ዘይምህላው፣ ከምኡ’ውን ፍታሕ ዘይረኸበ ቅልውላው ፖለቲካ ሱዳን ንሰላም እቲ ዞባ ዓበይቲ ብድሆታት ኰይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።
ብዘይካ ቻይና፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተሉ ፍሉያት ልኡኻት ከምዘለወን ይፍለጥ።
ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳ: ካብ 6 ክሳብ 8 ሰነ ኣብ ኣብ ኤርትራ ከምዝበጽሓን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ' ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







