'እዚ ምፍርራሕ 70 ዓመታት ምሳና ዝነበረ እዩ' - ታይዋናውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብዚ ቕንያት፡ እቲ ኣብ መንጐ ቻይናን ታይዋንን ዝኸርር ዘሎ ጽኑሕ ወጥሪ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣሜሪካዊት ኣፈ ጉባኤ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይፐይ ዝገበረቶ ኣካታዒ ዑደት ኰይኑ፡ ዳርጋ ከምቲ ዝተገመተ ዝኸውን ዘሎ ኸኣ ይመስል።
በዚ መሰረት፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ከባቢ እታ ርእሳ እተመሓድር ደሴት ታይዋን ዝርከባ ሽዱሽተ ዞባታት እገዳ ኣዊጃ ኣላ።
እቲ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት፡ በይጂን እንተወሓደ ክልተ ‘ዶንግ ፈንግ ባሊስቲክ’ ሚሳይላት ነቲ ወሽመጥ ሰጊራ፡ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ታይዋን ዝርከቡ ዞባታት ተኲሳ።
እዚ ድማ ነቲ ቻይና ኣብ 1996 ዝገበረቶ ቅዲ ዝኽተል ኰይኑ፡ ታይዋን ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ክትረክብ ብምድላያ፡ ቻይና ክትቀጽዓ ዝፈተነትሉ እዋን ዘዘኻኽር እዩ።
ዕላማ ናይቶም ፈተነታት ግን ምፍርራሕ ምዃኑ ብንጹር ይርአ።
እዚ ስጕምቲ ግን ኣብ ንጥፈታት መራኽብን መንገዲ ኣየርን ታይዋን እውን ሰፊሕ ምዝባዕ የስዕብ ኣሎ።
ኣብ ከባቢ ታይዋን ዝርከብ ማያዊ ኣካል፡ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ጽዑቓት መስመራት መራኽብ እዩ። እተን መራኽብ ድማ ኣብዚ እዋን መንገዲ ክቕይራ ተገዲደን ኣለዋ።
ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ታይዋን፡ ኣብ ወደብ ምግፋፍ ዓሳ ቢ ሻ ዩ፡ ኣብ ወሰን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ መርበቦም ኣዋዲዶም ዓው ኢሎም ከምዚ ኢሎም የጕረምረሙ ነበሩ፡ "ኵሉ ግዜ ንሕና ንኣሽቱ ሰባት ኢና፡ ፖለቲከኛታት ክበኣሱ ከለዉ ንሕና ኢና ንሳቐ"።
"ግን እንታይ ክንገብር ንኽእል፡ ናብኡ ምውጻእ ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ" ኢሉ ሓደ መርከበኛ።
ካልእ ናብቲ ወደብ ዝተመልሰ ድማ፡ "ሎሚ ንግሆ ወጺአ፡ ድሕሪኡ ግን ሓለዋ ባሕሪ ብራድዮ ገይሩ ንዅላትና ብቕልጡፍ ናብ ወደብ ክንምለስ ነጊሩና" ኢሉ።
ንሱ ግን ከምዘይተጨነቐ ገሊጹ።
"እቶም ዝተኸልከሉ ዞባታት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ ሓለዋ ባሕሪ ዝብለና ክንገብር ኣለና።"
ኣብ ወሰን ወደብ ደው ኢሉ ንበዓልቲ ቤቱ እናሓሰበ፡ "መዓልታዊ ቀጻሊ ገንዘብ ንኸስር። ዓሳ ክንሕዝ ኣይንኽእልን ኢና ግን ሕጂ'ውን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክንከፍል ኣለና!"
ዝበዝሑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን፡ ቻይና ንታይዋን ከተጥቅዕ እያ ዝብል እምነት የብሎምን።
ሓደ ኣብ ወሰን ወደብ፡ ዓሳ ዝገፍፍ ዝነበረ ሰብኣይ፡ "እኵባት ወዲኒታት እዮም" ኢሉ።
"እቶም ኮሚኒስት ዓቢ ዝመስል ነገር እዮም ዝዛረቡ፡ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገብሩን'ዮም። ምስ ናታቶም ምፍርራሕ፡ ከምኡ ኢልና ን70 ዓመታት ንነብር ኣለና።"
እዚ ግን ቀዳማይ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ቻይና ገለ ነገር ክትገብር ብዙሕ ግዜ ኣሎዋ።
መራኽብ ቻይና ናብ ግዝኣታዊ ማያት ታይዋን ጥሒሰን ክኣትዋ ይኽእላ እየን።
እቲ ዝበዝሐ ግምታት፡ ቻይና ልክዕ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ሚሳይል ክትትኩስ ትዳሎ ኣላ ዝብል ተኽእሎ እዩ።
እቲ ምኽንያት ድማ ሓደ ካብቶም ቻይና እገዳ ዝኣወጀትሎም ዞባታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ታይዋን ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝርከቡ ምዃኖም እዩ።
ካብ ቻይና ዝተተኮሰን ኣብኡ ዝዓልብን ሚሳይል ናብ ታይዋን ክሰግር ይኽእል እዩ።
ከምዚ ዓይነት ምትኳስ ሚሳይል ንክሊ ኣየር ታይዋን ቅሉዕ ግህሰት ግዝኣት እዩ ዝኸውን።
ዛጊድ፡ ተመሳሳሊ ነገር ዝገበረት እንኮ ሃገር ሰሜን ኮርያ ኰይና፡ ኣብ ነሓሰ 2017 ናብብ ጃፓናዊት ደሴት ‘ሆካይዶ’ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ተኲሳ ነይራ።
እቲ ቐንዲ ሕቶ ኰይኑ ዘሎ ግን፡ “ቻይና ቅዲ ሰሜን ኮርያ ክትክተል ድያ?” ዝብል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







