ምስ ታይዋን ኣብ ወጥሪ ዘላ ቻይና ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ

ሰራዊት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ቻይና

ቻይና ካብ ታይዋን 12 ማይል ጥራይ ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ማያዊ ኣካል፡ ብብርቱዕ ቶኵሲ ናይ ከበድቲ ብረታት ዝተሰነየ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ።

ነዚ ስዒቡ ታይዋን፡ "ቻይና ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ካልእ መልክዕ ተትሕዞ ኣላ" ክትብል ጥርዓና ኣስሚዓ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ናብታ ቻይና ኣካለይ እያ ትብላ ታይዋን ምብጻሓ ንቻይና ከምዘቖጥዓ’ዩ ዝግለጽ።

ከምውጽኢቱ፤ እዚ ቻይና ኣብ ኣፍንጫ ታይዋን ትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ተዓሊም ከም ግብረ መልሲ ክውሰድ ከምዝክኣል ይትንተን። ብዘይካ’ዚ ቻይና ንገለ ንግዳዊ ንጥፈታት እታ ደሴት ዓጊታቶ ኣላ።

እቲ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ዝርኣየሉ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ፤ ብነዊሕ ርሕቐት ዝውጨፍ ከበድቲ ብረታት ተሰንዩ ይካየድ ምህላዉ ቻይና ትገልጽ።

ታይዋን እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ብባሕርን ብኣየርን ዓጽይዋ ከምዘሎ ክትገልጽ እንከላ ኣሜሪካ ብወገና እቲ ቻይና ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ ዘይሓላፍነታውን ካብ ቁጽጽር ወጸኢ ክኸይድ ዝኽእልን ከምዝኾነ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ተንታኒት ፖለቲካ እቲ ከባቢ ቦኒ ሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ዋላ ሰራዊት ታይዋን ብጥንቃቐ ግብረ መልሲ ክህብ ይፈትን እቲ ኩነታት ናብ ከቢድ ምስሕሓብ ከምርሕ ከምዝኽእል ተጠንቅቕ።

“ንኣብነት ቻይና ኣብ ክሊ ኣየር ታይዋን ነፈርቲ ውግእ ከተብርር እንተፈተና፡ ታይዋን ነተን ነፈርቲ ንምዕጋት ተበግሶ ክትወስድ ትኽእል’ያ፡ እዚ ኸኣ ናብ ተወሳኺ ግጭት ከምርሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ ዝተፈላላየ ዓይነት ክስተታት ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ” ኢላ።

ክሊ ታይዋንን ቻይና ወተሃደራዊ ልምምድ ተካይደሉ ዘላ ቦታን ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ክሊ ታይዋንን ቻይና ወተሃደራዊ ልምምድ ተካይደሉ ዘላ ቦታን ዘርኢ ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ታይዋን፡ ንዝኾነ ኣብ ሰማያ ዝግብር ወተሃደራዊ በረራታት ቻይና ንምግታእ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘላ ትማሊ ረቡዕ ብትሪ ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ነዚ ስዒቡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ደሴት ኪንምን [ጥቃ ታይዋን ዝርከብ ደሴት] ዝበራ ዝነበራ ነፈርቲ ንምምላስ ናይ መጠንቀቕታ ተወንጫፊ ምትኳሳ ገሊጻ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሚኒሰትራት ታይዋን ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ታይዋን ኣፍሊጣ ነይራ።

ታይዋን፡ መራኽብ ካልእ መስመር ክጥቃማ ብምጥንቃቕ፡ ሓድሽ ናይ በረራ መስመር ንምኽፋት’ውን ምስ ጃፓንን ፍሊፕንስን ትዛተ ምህላዋ ሓቢራ።

ቻይና፡ ብረቡዕ ንሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት’ዮም ዝበለቶም ታይዋናውያን ኣብ ዞባ ዝጃንግ ከምዝኣሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ።

ጃፓን ብወገና እቲ ቻይና ወተሃደራዊ ልምምድ ትገብረሉ ዘላ ቦታ ምስቲ ፍሉይ ናይ ቁጠባ ዞባይ ኢላ ትገልጾ ከባቢ ዝራኸብ ብምዃኑ ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ ኣላ።

እቲ ጃፓን ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባይ ኢላ ትጽውዖ ቦታ ምስ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ዘሰሓሕባ ዘሎ ኮይኑ፡ ቻይና’ውን ንገለ ክፋሉ ይበጽሓኒ’ዩ ዝብል ምጉት ተልዕል እያ።

ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብጃፓን ዝቐረበ ስምዕታ ውሃቢት ቃል መንግስቲ ቻይና ህዋ ቹንዪንግ ሃገራ ነቲ ጃፓን ‘ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ’ ኢላ ትገልጾ ቦታ ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ላዕለዎት ፖሎቲከኛታት ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ክበጽሑ እዚ ናይ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲ ናይ መጀመርታ ኮይኑ፡ ነታ ኣቐዲማ ነቲ ዑደት ብምቅዋም ተጠንቕቕ ዝነበረት ቻይና ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ ይርከብ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣሜሪካ “ብሽም ዲሞክራሲ ልኡላዊ ግዝኣት ቻይና ትግህስ ኣላ” ድሕሪ ምባል “እቶም ብሓዊ ዝጻወቱ ዘለዉ መወዳእትኦም ኣይክጽብቕን’ዩ፡ እቶም ንቻይና ዝበደሉ’ውን ክቅጽዑ’ዮም” ኢሉ።

ናንሲ ፔሎሲ ድሕሪ ናይ ታይዋን ዑደታ ናብ ደቡብ ኮርያ’ያ ኣምሪሓ።

ኣጽዋር ሰራዊት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣጽዋር ሰራዊት ቻይና

ቅድሚ ሕጂ ናብ ታይዋን ዝበጽሑ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት

ፔሎሲ፡ ኣብ ታይዋን ምብጻሕ ዝገበረት ፈላመይቲ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ኣይኰነትን፤ ኣብዚ ዓመት ናብታ ደሴት ካብ ዝተጓዕዙ ሓገግቲ ኣመሪካ’ውን ንሳ ጥራይ ኣይኰነትን።

ብ1997 ኣፈ ጉባኤ ሪፓብሊካን ኒውት ጊንግሪች፡ ኣብ በይጂን ምስ መራሒ ቻይና ድሕሪ ምርኻብ ናብታ ደሴት ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ።

ሽዑ፡ ቻይና ንሆንግ ኮንግ ክትቈጻጸር ምድላዋት ትገብረሉ ዝነበረት እዋን ኰይኑ፡ ንምብጻሕ እቲ ኣፈ ጉባኤ ዘርኣየቶ ተቓውሞ’ኳ እንተነበረ፡ ክንድ’ቲ ኣብ ልዕሊ ፔሎሲ ዝተንጸባረቐ ግን ኣይነበረን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዚ ዓመት፡ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሓገግቲ ኣመሪካ ሃንደበታዊ ናብ ታይዋን ምብጻሕ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣሜሪካ ምስ ታይዋን ስሩዕ ዲፕሎማስያዊ ርክብ የብላን፤ ይዅን’ምበር፡ ግዝኣት እታ ደሴት ንኣመሪካ ኣገዳሲ ሽርከነት ንግዲ ገይራ ስለ እትወስዶ፡ ንመንግስቲ እታ ደሴት ሓገዝ ኣጽዋር ትገብር።

ኣብ ሞንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ

  • ርኽብ ታይዋንን ቻይናን ንምንታይ’ዩ ልሕሉሕ ኮይኑ? ቻይና ንደሴት ታይዋን ከም ኣካላ’ያ ትሓስባ። ንታይዋን ንምምላስ ኸኣ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ዋላ ሓይሊ ክትጥቀም ከምእትክእል’ያ ትገልጽ።
  • ታይዋን ብኸመይ’ያ ትመሓደር? እታ ደሴት ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም፡ ብዲሞራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕትን ኣስታት 300 ሽሕ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከብ ሰራዊትን ኣለዋ።
  • ንታይዋን ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበኣ ሃገራት ኣለዋዶ? ውሑዳት ሃገራት ንታይዋን ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃብኣ ኣለዋ። ዝብዝሓ ግን ከም ኣካል ቻይና’የን ዝርእያኣ፤ ኣሜሪካ’ውን ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዝኾነ ርክብ የብላን። እንተኾነ ነቲ ታይዋን ነብሳ ንምክልኻል ትወስዶ ተበግሶ ከምእትፍግፎ’ያ ትገልጽ።