ትዊተር፡ ኢሎን ማስክ ካብ ዝውንኖ ዳርጋ ፍርቂ ኣታዊታቱ ስኢኑ

ትዊተር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብኢሎን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር (33.6 ቢልዮን ፓውንድ) ካብ ዝዕደግ ንደሓር፡ ዳርጋ ፍርቂ ኣታዊታት መወዓውዒ ከምዝኸሰረ ወናኒኡ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ሰነ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ወሰኽ ኣታዊታት ከምዘይረኸበ ብምግላጽ፡ ኣብ ሓምለ ግን ‘ተስፋ ከምዘለዎ’ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሚስተር መስክ፡ ኣብ 2022 ትዊተር ኣብ ዝዓደገሉ እዋን፡ ወጻኢታት ንምንካይ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም 7500 ሰራሕተኛታት ትዊተር ኣባሪሩ።

ብዝተሓሓዝ ዜና፡ መወዳድርቲ ትዊተር ዝዀነ ሓድሽ መተግበሪ- ትሬድስ፡ ሕጂ 150 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከምዝረኸበ ገለ ግምታት ይሕብሩ።

እቲ ሓድሽ መተግበሪ ምስ ኢንስታግራም ብዘለዎ ምትእስሳር፡ ንኽልተ ቢልዮን ተጠቀምቲ ብቐጥታ ክፉት ኰይኑ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ መወዳድርቱ ዝዀነ ትዊተር ግን ኣብ ጸቕጢ ከቢድ ዕዳ ኣትዩ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ሚዛን ኣታውን-ወጻእን እቲ ኩባንያ 'ኣሉታ' ኩውይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ሚስተር መስክ ኣብዚ መወዳእታ ሰሙን ገሊጹ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ፡ "ቅድሚ ዅሉ፡ ኣታዊና ክብ ኢሉ 'ኣወንታ' ክኸውን ክንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

መስክ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ድሕሪ ምእላዩ፡ ትዊተር ኣብ 2023፡ 3 ቢልዮን ዶላር (2.29 ቢልዮን ፓውንድ) ኣታዊ ንምርካብ ገሚቱ ነይሩ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ 5.1 ቢልዮን ዶላር (3.89 ቢልዮን ፓውንድ) ዝወረደ ምዃኑ የመልክት።

እዚ ምዕባለ፡ ኣብ ትሕዝቶኡ ድሕሪ ዝገበሮ ምምሕያሻት፡ ዝሃደሙ ተጠቀምትን መላለይቲ ትካላትን መሊሱ ንምስሓብ፡ ዝወስዶ ዘሎ ተሪር ስጕምትታት ምጕዳል ወጻኢታት፡ እኹል ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ነበር ኣብ ሚያዝያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መብዛሕትኦም መላለይቲ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ከምዝተመልሱ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ትዊተር ተጠቀምቱ ክንደይ ልጣፍ ከንብቡ ከምዝኽእሉ ክድርት ወሲኑ ኣሎ።

‘ብሉ’ ምልክት ዘይብሎም ተጠቀምቲ 1000 ትዊተር ከንብቡ ይኽእሉ፡ ዝተረጋገጹ ተጠቀምቲ ድማ 10 ሽሕ ኣብ መዓልቲ ከንብቡ ይኽእሉ።

እዚ ስጕምቲ ንኣካየድቲ መወዓውዒታት ከምዘደናገሮም ቢቢሲ ገሊጹ።

እዚ ድማ ተጠቀምቲ ናብቲ ዝኽፈሎ ኣገልግሎት ምዝገባ ትዊተር ‘ብሉ’ ንምድፋእ ዝግበር ጻዕሪ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤንቢሲዩኒቨርሳል ሓላፊት መወዓውዒ ዝነበረት ሊንዳ ያካሪኖ፡ ኣብ ሰነ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትዊተር ኰይና ተሸይማ ኣላ።

እዚ ስጕምቲ እዚ፡ መሸጣ መወዓውዒ ንትዊተር ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ዝሕብር እዩ።

ሚስ ያካሪኖ፡ ትዊተር ኣብ ቪድዮ፡ ምህዞን ንግዳዊ ሽርክነትን ከተኩር መደብ ከምዘለዎ ገሊጻ።

ንሳ፡ ምስ ኣካላት ፖለቲካን መዘናግዕን፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣሕተምቲ ዜናን ሚድያን ዛጊድ ኣብ ዝርርብ ከምዘላ ይንገር።