ትዊተር ኣብ ልዕሊ እቲ ብሜታ ዝውነን ትረድስ ክሲ ከምዝምስርት ኣፍሊጡ

መተግበሪ ትረድስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ትዊተር ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓጺር ሰዓታት ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበ ብሜታ [ፌስቡክ] ዝውነን ትረድስ ዝተብሃለ መተግበሪ ክሲ ናይ ምምስራት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ብረቡዕ ብወግዒ ስራሕ ዝጀመረ ትረድስ ኣብ ውሑድ ሰዓታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክጥቀምሉ ምጅማሮም ኣዘራራቢ መተግበሪ ኮይኑ ይርከብ።

ትረድስ ምስ ትዊተር ምምስሳል ዘለዎ ብወናኒ ፌስቡክ ዝተሰርሐ ሓዲሽ መተግበሪ ኮይኑ፡ ንኽትጥቀመሉ ኣዝዩ ቀሊል ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ወናኒ ትዊተር ኢሎን መስክ “ምውድዳር ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ምስራቕ ግን ነውሪ’ዩ” ብምባል’ዩ ንትረድስ ናይ ምኽሳስ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሜታ፡ ትረድስ ንምስራሕ ኣባል ትዊተር ዝነበረ’ዩ ሓገዙ ኣብርኪቱ ንዝብል ምዕዝምዛማት ‘ኣይፋል’ ብምባል ብወግዒ ሕጋዊ መልሲ ሂብሉ ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ሜታ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ትረድስ ንኽጥቐሙ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ሪፖርተር ቢቢሲ ኒውስ ቴክኖሎጂ ጀመስ ክላይቶን፡ ትርኢትን ኣገባብ ኣጠቓቕማን ናይ ትረድስ ምስ ትዊተር ከምዝመሳሰል’ዩ ዝገልጽ።

ላዕለዋይ ጠበቓ ትዊተር ኣሌክስ ስፒሮ ናብ ላዕለዋይ ሓላፍን ወናንን ሜታ ማርክ ዙከርበርግ ንትረድስ ኣመልኪቱ ብረቡዕ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ “ሜላዊ፡ ኮነ ኢልካን ዘይሕጋዊ ምዝመዛን’ዩ ብዓቢኡ ከኣ ንኣእምሮኣዊ ንብረት ትዊተርን ንግዳዊ ምስጢራትን ምውሳድ’ዩ” ምባሉ ኒውስ ኣውትሌት ሴማፎር ዝተብሃለ ማዕከን ዜና ኣቃሊሑ።

እቲ ጠበቓ ብምስዓብ፤ ሜታ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ትዊተር ዝነበሩ ከምዝቖጽረን “ንግዳዊ ምስጢራት ትዊተርን ካልእ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝኾነ ሓበሬታታት ረኺቡን ይረክብ ኣሎን” ብምባል፡ ሜታ ንትረድስ ንምስራሕ እዚ ኣገባብ’ዚ ከምዝተጠቐመ ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹ።

ኣሌክስ ስፒሮ “ትዊተር መሰል ኣእምርኣዊ ንብረት ንኽሕሎ ኣበርቲዑ’ዩ ዝሰርሕ፡ ስለዚ ሜታ ዝኾነ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ትዊተር ምጥቓም ብቕጽበት ደው ከብል ኣለዎ” ድሕሪ ምባል “ትዊተር ኩሉ መሰላቱ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ መሰላቱ ንምኽባር ብዘይዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ መፍቲሒታት ንምንዳይ ክሰርሕ’ዩ” ኢሉ።

ንትረድስን ንትዊተርን ንምውድዳር ዝቐረበ ሰሌዳ

ቅዳሕ ናይቲ ደብዳብ ኣብ ኢዱ ዝበጽሐ ቢቢሲ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንሜታን ትዊተርን ተወኪስዎም።

ኢሎን መስክ ነቲ ደብዳበ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር “ምውድዳር ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ምስራቕ ግን ነውሪ’ዩ” ኢሉ።

ውሃቢ ቃል ሜታ ኣንዲ ስቶን ብወገኑ ንትረድስ ኣመልኪቱ ኣብ ትረድስ ኣብ ዝጽሓፎ መልሲ “ካብቶም ንትረድስ ዝሰርሑ መሃንድሳት ዋላ ሓደ ኣብ ትዊተር ዝሰርሕ ዝነበረ የብሎምን፡ እቲ ጉዳይ ንሱ ኣይኮነን” ኢሉ።

ትረድስ፡ ምስቲ ብሜታ ዝውነን ኢንስታግራም ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ነብሱ ክኢሉ ዝሰርሕ መተግበሪ’ዩ።

ኢሎን መስክን ዙከርበርግን’ውን ትረድስ ኣዝዩ ተወዳዳሪ ከምዝኾነ’ዮም ገሊጾሞ ዘለዉ።

ትረድስ ኣብ 100 ሃገራት ብወግዒ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመረሉ፡ ን11 ዓመታት ኣብ ትዊተር ዋላ ሓንቲ ቃል ጽሒፉ ዘይፈልጥ ማርክ ዙከርበርግ፡ ንተወዳዳርነት ትረድስ ንምግላጽ ናይ ክልተ ንሓድሕዶም ዝወጣወጡ ‘ስፓይደርማን’ ዘርኢ ስእሊ ለጢፉ።

ሜታን ትዊተርን ኣብዚ ዓመት ኣዝዮም ብዙሓት ሰራሕተኛታት’ዮም ካብ ስራሕ ሰጒጎም።

ሜታ ኣብ ሚያዝያ ኣስታት 10 ሽሕ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከምዝሰጉግ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ትዊተር ብወገኑ፡ ኢሎን መስክ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንትዊተር ምስ ገዝኦ ን80 ሚኢታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ዝሽፍኑ 7500 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከምዝሰጎጎም ይዝከር።