ኤሎን መስክን ማርክ ዙከርበርግን ጉስጢት ክገጥሙ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤሎን መስክን ማርክ ዙከርበርግን ክልተ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ቢልዮነራት ቴክኖሎጂ እዮም።
ክልቲኦም ቢልዮነራት ኣብ መዳይ ስፖረት፡ ጉስጢት ክገጥሙ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
መስክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ምስ ዙከርበርግ "ጉስጢት" ክወዳደር ከም ዝተዳለወ ዝገልጽ መልእኽቲ ጽሒፉ።
ብድሕሪኡ ዙከርበርግ፡ መስክ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ፎቶ ሓዊሱ እቲ ዝወዳደሩሉ "ቦታ ልኣኸለይ" ዝብል ለጢፉ።
"እቲ ዛንታ ንባዕሉ ዝገልጽ’ዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ሜታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነዚ ስዒቡ መስክ፡ "ቬጋስ ኦክታጎን" ክብል መልሲ ሂቡ።
ኦክታጎን ንውድድር ሻምፕዮን ኣልቲሜት ፋይቲንግ (UFC) ዝውዕል ብሓጹር ዝተኸበበ ናይ ውድድር መድረኽ እዩ - ኣብ ላስ ቬጋስ ኔቫዳ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ 52 ዓመት ዝመልኦ መስክ'ውን ኣብ ትዊተሩ: "ከም 'ዋልሩስ' ፡ ኣብ ልዕሊ መጋጥምተይ ደቂሰ ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን" ክብል ወሲኹ ጽሒፉ።
ድሒሩ ድማ ምናልባት ንዙከርበርግ ብድሆ ከም ዝዀኖ ዘመልክቱ ሓጸርቲ ቪድዮታት እቲ ‘ዋልሩስ’ ዝበሃል እንስሳ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ።
ብተወሳኺ ኣብ ትዊተር "ብዘይካ ደቀይ ሓፍ ኣቢለ ምስርሳር ካልእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዳርጋ ኣይገብርን እየ" ኢሉ።
ወዲ 39 ዓመት ዙከርበርግ፡ ማርሻል ኣርትስ ዝስልጥን ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ውድድር ጂዩ-ጂትሱ ተዓዊቱ’ዩ።
ትዊተር ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ ኣይሃበን።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መን ኣብቲ ውድድር ክዕወት ከም ዝኽእል ክካትዑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ነቲ ውድድር ዘወዓውዕ ላግጺ ዝመልኦም ፖስተራት ሓዊሱ ሜም ፖስት ገይሮም ኣለዉ።
መስክ ዕቱብ ዘይኰኑ ወይ ክፍጸሙ ዘይከኣሉ መግለጺታት ናይ ምሃብ ልምዲ ኣለዎ።
ንኣብነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ከልቡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትዊተር ከም ዝገበሮ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ 2017 ንከተማ ኒውዮርክ ምስ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ፊላደፍያን ባልቲሞርን ዘራኽብ ሃይፐርሉፕ ዝበሃል ስርዓተ ባቡር ንምዝርጋሕ "ቃላዊ ፍቓድ መንግስቲ" ከም ዝረኸበ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። እዚ ስርዓተ ባቡር ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተዘርገሐን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







