ሜታ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ተጠቀምቲ 1.2 ቢልዮን ዩሮ ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወናኒ ፈይስቡክ - ሜታ፡ መረዳእታ ተጠቀምቲ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዘሰጋግረሉ እዋን ብዝፈጸሞ ጌጋ ኣተሓሕዛ፡ 1.2 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝተቐጽዐ ተገሊጹ።
እዚ ብኮሚሽን ሓለዋ ሓበሬታ ኣየርላንድ ዝተወሰደ ስጕምቲ፡ ካብቶም ሕጊ ብሕታዊነት ብዝምልከት ብሓፈሻዊ ደንቢ ሓለዋ ሓበሬታ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተወሰኑ መቕጻዕቲታት እቲ ዝዓበየ እዩ።
ሓፈሻዊ ደንቢ ሓለዋ ሓበሬታ፡ ኩባንያታት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንምስግጋር ክኽተልኦ ዘለወን ሕግታት ዘቕምጥ ትካል እዩ።
ሜታ፡ ነቲ "ዘይምኽኑይን ዘየድልን" ዝበሎ ውሳነ ይግባይ ከም ዝብል ገሊጹ ኣሎ።
ሕመረት ናይዚ ውሳነ፡ መረዳእታ ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ ስታንዳርድ ውዕላዊ ዓንቀጻት (SCCs) ምጥቃም ዝብል እዩ።
እዞም ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝተዳለዉ ሕጋዊ ውዕላት፡ ውልቃዊ መረዳእታ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን ውሕስነቶም ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ዘመልክቱ እዮም።
ኣብ እዋን ዋሕዚ መረዳእታታት ግን ኣውሮጳውያን ካብ ብድኹም ሕጊታት ኣመሪካ ዝተለዓለ ተቓላዕቲ ከይኰኑን መረዳእታታቶም ድማ ናብ ኢድ ስለያ ኣሜሪካ ከይኣቱን ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
እዚ ውሳነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንፈይስቡክ ዝጸሉ ኣይኰነን።
መብዛሕትአን ትካላት፡ በቲ ዘሎ ደንቢ መሰረት ኢመይል ኣድራሻታት፡ ቍጽሪ ተሌፎንን ፋይናንሳዊ ሓበሬታን ናብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ተቐበልቲ ዘሰጋግራሉ ዝተሓላለኸ መርበባት ምስግጋር መረዳእታ ኣለወን።
ሜታ፡ እቲ ዝተወሰነ መቕጻዕቲ ግቡእ ከም ዘይኰነ’ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ፈይስቡክ ኒክ ግለግ፡ "ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ኣሽሓት ኩባንያታት ዝጥቀማሉ ተመሳሳሊ ሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒምና እናሃለና ንዓና ፈልዩ ብዝተወሃበ ውሳነ መቕጻዕቲ ሓዚንና" ኢሉ።
"እዚ ውሳነ ጸገም ዘለዎ፡ ዘይምኽንያታዊን ንብዙሓት ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ መረዳእታ ዘሰጋግሩ ትካላት ሓደገኛ ቅድመ ኵነት ዘስዕብ’ዩ" ክብል ወሲኹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







