ማሕበራዊ ሜድያ ንትሕቲ ዕድመ ዝኣገደት ፈላሚት ግዝኣት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩታ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንመተግበሪታተን ንኽጥቀሙ፡ ኣቐዲመን ፍቓድ ወለዶም ክረኽባ መረጋገጺ ከቕርቡ ዝጠልብ ናይ መጀመርታ ግዝኣት ኣሜሪካ ኰይና ኣላ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ ንድሕነት መንእሰያት እታ ግዝኣት ንምክልኻል ክልተ ስፍሕ ዝበለ ስጕምትታት ከምዝፈረመ ገሊጹ።
እቶም እማመታት ወለዲ ንናይ ደቆም ኣካውንት ኦንላይን፡ ንዝልጥፍዎ ነገራትን ዝለዋወጥዎም ናይ ብሕቲ መልእኽትታትን ንኽርእዩ ምሉእ ዕድል ዝህብ እዩ።
እዚ ስጕምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ዘለዎ ጽልዋ ኣብ ዝለዓለ ስክፍታ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን'ዩ። ብመሰረት እቲ ብሓሙስ ዝወጸ ስጕምትታት፡ ህጻናት ኣብ ከም ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ቲክቶክን ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ኣካውንት ቅድሚ ምፍጣሮም፡ ናይ ወላዲ ወይ ኣላዪ ወግዓዊ ፍቓድ ከድሊ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ህጻናት ብወለዶም እንተ ዘይተስተኻኺልሎም፡ ካብ ሰዓት 22፡30 ክሳብ 06፡30 ነቲ መተግበሪታት ዝዓግት እገዳ ማሕበራዊ መራኸቢታት የቐምጡ።
ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ደጊም ዳታ ናይ ሓደ ህጻን ክእክባ ወይ ንመወዓውዒ ዕላማ ክገብራ ኣይክእላን እየን።
እቶም ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ዝቐለለ ንምግባር ዝተዳለዉ ክልተ እማመታት ካብ 1 መጋቢት 2024 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም።
ኣመሓዳሪ ስፔንሰር ኮክስ ዝተባህለ ሪፓብሊካን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ “ከም መራሕቲ፡ ከምኡ'ውን ወለዲ፡ ንመንእሰያትና ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣሎና። ድሕሪ ሕጂ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጥዕና ኣእምሮ መንእሰያትና ክጐድኡ ክቕጽሉ ክንፈቅድ ፍቓደኛታት ኣይኰናን፡” ክብል ኣስፊሩ።
ጂም ስቴየር፡ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ናይቲ ንህጻናት ዝጣበቕ ኮመን ሰንስ ዝተባህለ ጕጅለ፡ " ድሕነት ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ህጻናት ንኽሕሎ፡ ካልኦት ግዝኣታት'ውን ንኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሓተትቲ ኣብ ምግባር ናህሪ ዝውስኽ'ዩ" ብምባል እቲ ኣመሓዳሪ ንገለ ካብቶም ዝበዝሑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምንካይ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብሓጐስ ተቐቢልዎ።
ብተመስሳሳሊ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ብሪፓብሊካን ዝምርሓ ግዝኣታት፣ ኣርካንሳስ፡ ቴክሳስ፡ ኦሃዮን ሉዊዚያናን፡ ከምኡ'ውን ኣብታ ብዲሞክራት ትምራሕ ኒውጀርሲ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ንምውሳድ ይሕሰበሉ ኣሎ።
ይዅን እምበር ኮመን ሰንስ ሚድያን ካልኦት ተጣበቕቲ ጕጅለታትን ግን ገለ ክፋላት ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ንህጻናት ኣብ ሓደጋ ከእትዎም ከምዝኽእል ኣጠንቂቘም።
ጠበቓ መሰል ናጽነት ምዝራብ ቴክፍሪደም ኣሪ ዜድ ኮን፡ እቲ እማመ፡ "ዓቢ ጸገማት መሰል ናጽነት ምዝራብ ከምዘስዕብ ብምግላጽ፡" ብዙሓት ህጻናት ኣለዉ፡ ኣብ ግህሰት ዝፍጸሙ ስድራቤታት ክዀኑ ዝኽእሉ፣ ሕደጾታውያን ክዀኑ ይኽእሉ፣ እዚኣቶም ምሉእ ብምሉእ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቝረጹ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገሊጹ።
ከም መልሲ ናይዚ፡ ወሃቢ ቃል ዓርሞሽሻዊ ትካል ፌይስቡክ ሜታ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ልዕሊ 30 ንመንእሰያትን ስድራቤታትን ዝድግፉ መሳርሒታት ኣማዕቢልና ኣለና፣ እዚ ድማ ወለድን መንእሰያትን ብሓባር ኰይኖም መንእሰያት ኣብ ኢንስታግራም ዘሕልፍዎ ግዜ ንምድራት ዝሕግዙ መሳርሒታትን፡ ከምኡ'ውን ዕድመ መንእሰያት ብምርግጋጽ ምስ ምስ ዕድመኦም ዝመጣጠን ትሕዝቶ ክረኽቡ ዘኸእል ቴክኖሎጂታት’ዩ” ኣተኣታቲና ኣሎና ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘስማዖ መደረ"ውን፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ህጻናት ዳታ (ሓበሬታታት) ከይእክባ ዝኽልክል ሕግታት ክቐርባ ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣባላት ባይቶ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብ ናይ ህጻናት ሓበሬታ (ዳታ) ዘቶኮረ ሕጊ ኣጽዲቘም።
ብዘይካዚ ኣብ ካልኦት ስጕምትታት፡ ዲጂታዊ መድረኻት ንትሕቲ ዕድመ ተጠቀምቲ ዝለዓለ ናይ ብሕትውና ቅጥዒታት ክገብሩ ይጠልብ።
ምሕላፍ እማመታት ዩታ ምስቲ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ሾው ዚ ቸው ዝካየድ ዘሎ ተኣፋፊ መስርሕ ፍርዲ ኮንግረስ ዝጋጠም እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







