ኣብ ሓደ መዓልቲ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ፈይስቡክ ተጠቒሙ

ሓላፊ ኩባንያ ፈይስቡክ - ዙከርበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቍጽሪ ናይቶም መዓልታዊ ፈይስቡክ ዝጥቀሙ ሰባት ኣብ ታሕሳስ ብማእከላይ ገምጋም ናብ ክልተ ቢልዮን ዓብዩ፣ እዚ ድማ ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ዓለም እዩ።

እቲ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝዓዘዘ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ኣሃዝ፡ እቲ ኩባንያ፡ ወጻኢታቱ እናወሰኸን መሸጣ መወዓውዒታት እናነከየን ምስ ከደ ኣብ ጸቕጢ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ተስፋ ኰይንዎ ኣሎ።

ኣክስዮናት፡ ወናኒ እቲ መርበብ ሓበሬታ ዝዀነ፡ ኩባንያ ‘ሜታ’፡ ልዕሊ 15 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ሓላፊኡ ማርክ ዙከርበርግ ድማ፡ ን2023 "ዓመተ ብቕዓት" ኢሉ ብምእዋጅ።

ኣብ ምጕዳል ወጻኢታት ከም ዘተኮረ ድማ ገሊጹ።

"ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ሃዋህው ኢና ዘለና" ዝበለ ዙከርበርግ፡ ኣታዊ ናይቲ ትካል ድሕሪ ናይ ዓመታት ክልተ ኣሃዝ ዕብየት ኣብ 2022 ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ነክዩ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።

"እዚ ክቕጽል እዩ ዝብል ግምት የብልናን። እንተዀነ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረሉ መንገዲ ዝምለስ'ውን ኣይመስለንን።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን እውን ዝውንን ሜታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓቢ ዳግመ ውደባ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ድማ ቍጽሪ ቤት ጽሕፈታት ምንካይን 11 ሽሕ ስራሕ ወይ ኣስታት 13 ሚእታዊት ሰራሕተኛታት ምንካይን ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ትካል፡ እቶም ስጕምትታት ዝሓለፈ ዓመት 4.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዘኽሰርዎ፡ እዚ ድማ ነቲ ዳርጋ ብፍርቂ ዝነከየ መኽሰብ ምኽንያት ከምዝዀነ ገሊጹ። ሕጂ'ውን ኣብዚ ዓመት 23.2 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ኣምጺኡ’ሎ።

ሚስተር ዙከርበርግ፡ "2022 በዳሂ ዓመት'ኳ እንተነበረት፡ ጽቡቕ ምዕባለታት ኣመዝጊብና ዝወዳእናዮ እመስለኒ" ኢሉ።

ኣብተን ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ እቲ ትካል ኣታዊኡ 32.2 ቢልዮን ዶላር ምዃኑን፡ እዚ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ4 ሚእታዊት ከምዝነከየን ገሊጹ።

እዚ ግን ካብቲ ብዙሓት ተንተንቲ ዝሓሰብዎ ዝሓሸ እዩ ነይሩ።

ሜታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን መዓልታዊ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ምንቍልቋል ከምዘርኣየ ብምልጣፉን ወፍሪታት ኣብቲ ብሜታቨርስ ዝፍለጥ ቨርቹዋል ሪያሊቲ ከምዘተኩር ብምምልካቱን ንኣውፈርቲ ኣሰንቢዱ ነይሩ።

ኣብ ታሕሳስ ግን፡ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ መዓልታዊ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ብ4 ሚእታዊት ወሲኹ፡ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ከይተረፈ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ወሲኹ።

ሚስተር ዙከርበርግ፡ እቲ ኩባንያ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ተጠቀምቲ ስሕበት ዝረኸቡ ከም በዓል ቲክቶክ ዝኣመሰሉ መወዳድርቱ ኣብ ዝገጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፍርያት ቪድዮ - ‘ሪልስ’ - ትዅረት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚስተር ዙከርበርግ፡ እቶም ጻዕርታት ፍረ ክህልዎም ጀሚሩ ከምዘሎን፡ ናይ መወዓውዒ ዶላር ድማ ንተጠቀምቲ ናብቲ ቪድዮታት ክስዕቦም ከምዝጀመረን ገሊጹ።