ቃለመሕተት ኢሎን መስክ ዘረድኣና ሽዱሽተ ነገራት

ኢሎን መስክ ኣብቲ ዘይተለመደን ነዊሕ ዝወሰደን ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ነቶም ምስ ምሕደራ ትዊተር ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ወቐሳታት ነጺጉ፡፡
እቲ ካልኣይ ሃብታም ዓለምና፡ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቴክኖሎጂ ጀምስ ክለይተን፡ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ዝከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ትዊተር፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ኣዕሊሉ፡፡
እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ነገራት ካብቲ ቃለ መሕተት ዝተረዳእናዮም እዮም፡፡
1. ኣብ ትዊተር ጽልኣዊ ዘረባ ኣመና ወሲኹ ንዝብል ይነጽግ
መስክ ነቲ ትካል ካብ ዝገዝኦ ጽልኣዊ ዘረባታት ወሲኹ ንዝብል ኣይተቐበሎን፡፡
ኣብ መጀመታ እዚ ዓመት ቢቢሲ ኣብ ዝሰረሖ ጸብጻብ፡ ገለ ፈለጥቲ ውሽጢ፡ ድሕሪ ምጕዳል ሰራሕተኛታት ትዊተር፡ እቲ ትካል ንዓማዊሉ ካብ መታለልቲ፡ ብመንግስታት ዝተዋደዱ ስኑዓት ሓበሬታታን ወሲባዊ ምዝመዛ ህጻናትን ክከላኸለሎም ከምዘይከኣለ ሞጒቶም፡፡
እቲ ትካል፡ ኣብ መጋቢት ጥራይ ‘‘ትዊተር ውሑስ ንምግባር’’ ብዝብል 400 ሽሕ ኣካውንታት ከምዝዓጸወ ገሊጹ፡፡
ሓቅነት ዘረባ ኢሎን መስክ ንምፍላጥ፡ ኣብዚ እዋን ዘይተረኸቡ ክልተ ነገራት ምፍላጥ የድሊ፤ ቅድምን ድሕርን ምግዛእ ትዊተር ዘሎ መረዳእታ ምግምጋም ከምኡ ድማ ንግጉይ ሓበሬታን ጽልኣዊ ዘረባን ዘለዎ ርድኢትን ምፍላጥ የድሊ፡፡
ኣብ ሕጊ ኣሜሪካ ቍርጽ ዝበለ ትርጕም ዘረባ ጽልኢ የለን፡፡ ብዝተገብረ ቀዳማይ ክለሳ ሕጊ እታ ሃገር፡ በዚ መዳይ ካብ ሕጊ ካልኦት ሃገራት ዝለስለሰ እዩ፡፡
2. ንባይደን መሪጹ
ኣብቲ ዝሓለፈ መረጻ ኣመሪካ፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ንትራምፕ ከምዝመረጸ ዝሓበረ መስክ፡ ‘‘ካብኣቶም ኣይነበርኩን፤ ንባይደን እየ መሪጸ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ቃለ መሕተት ድማ፡ ነቲ ኣብ 2021 ኣብ ልዕሊ ኣካውንት ትዊተር ዶናልድ ትራምፕ፡ ጽልኢ ኣለዓዒሉ ብዝብል ዝተገበረ ክልከላ ልክዕ ከምዝዀነ ገሊጹ፡፡
3. ትዊተር ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣውቶማቲክ ኣካውንታት ይዕወት ኣሎ ኢሉ
ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ካብ ዝገዝኦ ጀሚሩ፡ ቦታታት (ባዕሎም ከም ሰብ ርክባት ዝፈጥሩ ፕሮግራማት) ንምድምሳስ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ከምዝቐነሰ ገሊጹ፡፡
"ብናተይ ትዕዝብቲ ግጉይ ሓበሬታ ወሲኹ ዘይኮነስ ቀኒሱ እዩ" ብምባል ነቲ ጋዜጠኛ ነጊርዎ፡፡
ገለ ሰብ ሞያ ግን በዚ ኣይሰማምዑን፡፡ ኣብ ኢንተርነት ዝዝርግሑ ግጉያት ሓበሬታታት ዘጽንዕ ኒውስጋርድን ካልኦትን ከምዝገለጽዎ፡ ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ካብ ዝገዝኦ፡ ምስ ግጉይ ሓበሬታ ዝዝርግሑን ፍሉጣትን ኣካውንታት ዝግበር ቅልስ ኣዐርዩ ከምዝወሰኸ ይገልጹ፡፡
እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብቲ መስክ ንትዊተር ዝገዘአሉ ሰሙን፡ እቶም ዘይእመን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ዝፍለጡ ኣካውንታት ብመልክዕ ላይክን ሪትዊትን ኣስታት 60 ሚእታዊት ወሰኽ ኣመዝጊቦም እዮም፡፡
ቢቢሲ ብወገኑ ኣብ ዘካየዱ መጽናዕቲ፡ ቅድም ክብል ተኣጊዶም ዝነበሩ ልዕሊ 1000 ኣካውንታት፡ ኢሎን መስክ ምስ መጽአ ክኽፈቱ ከምዝተገበሩን፡ ድሕሪ እዚ ስጕምቲ፡ ብውሑድ ሲሶ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝወዝዑን ኣረጋጊጹ፡፡
ካብዚኦም ኣንጻር ክታበት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕደጾታውያንን ከምኡ እውን ውጽኢት መረጻ 2020 ኣመሪካ ዘቕንዑ ግጉያት ሓበሬታታትን ትረኻታትን ይርከቡዎም፡፡
4. ኣንጻር ክልከላ ቲክቶክ እዩ
መስክ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝበዝሐ ‘ዳውንሎድ’ ዝተገበረ መተግበሪ ከምዘይጥቀም ክገልጽ እንከሎ፡ ንምዕጻዉ ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ከምዝቃወም ሓቢሩ፡፡
ብምኽንያት ዋንነት ቻያናውያን ኣብቲ ትካል፡ ኣመሪካ ምስ ድሕነት ተተሓሒዙ ንቲክቶክ ክትእግዶ ትሓስብ ኣላ፡፡
ዋላ'ኳ እቲ ክልከላ፡ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣብ ትዊተር ከሕልፉ ብምግባር ንትዊተር ክጠቅም ዝኽል እንተዀነ "ብሓፈሻ ኣንጻር ክልከላ እየ" ኢሉ፡፡
5. ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ኣይሸጦን
ኢሎን መስክ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ቃለመሕተት፡ ዝዀነ ሰብ ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ክገዝኣልካ እንተዝብሎ ከምዘይቅበል ተዛሪቡ፡፡
ክሸጦ እንተዀይኑ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ‘‘ሓቂ’’ ዝፈቱ ገዛኣይ ምርካብ እምበር ክንደይ ዝብል ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ‘‘ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ኣይግደስን’’ ኢሉ፡፡
እዚ ግን ሓቂ ድዩ? ካብቲ ትዊተር ንምግዛእ ኣትይዎ ዝነበረ ውዕል ከንሳሕብ ዝገበሮ ፋሕጠርጠር ኵላትና እንዝክሮ እዩ፡፡
መስክ፡ ንትዊተር ኣብ ዝገዘኣሉ እቲ ትካል ብህይወት ንምጽናሕ ኣዋርሕ ዝተረፎን ከም ሓደ ንትርፊ ዘይተመስረተ ትካል ይሰርሕ ከምዝነበረን ተዛሪቡ፡፡
ወጻኢታት ትዊተር ካብ ኣታዊኡ እናዘየደ ነይሩ፡፡ ቅድሚ እቲ መሸጣ ኣብ ዝነበረ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ 2021 ዓመታዊ መሸጣ ትዊተር 5 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፡ ወጻኢታቱ ግን 5.5 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ነይሩ፡፡
ኣብዚ እዋን ግን ናብ ርእሰ ማሉ ንምምላስ ተቓሪቡ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ ብርግጽ 6500 ሰራሕተኛታት ሰጒጉ ወጻኢታት ክቕንስ ግድን እዩ፡፡
እንተዀነ መስክ፡ ከም ምልክት መረጋገጺ ዝበሉ ዋጋ ሰሊዑ መሸጣ እቲ ትካል ክውስኽ ከቢድ ጻዕሪ እናገበረ ጸኒሑ እዩ፡፡
ስለዚ በዚ ዝገበሮ ከቢድ ወጻኢታት ናይ ምቕናስ ስጕምቲ፡ ርእሰ ማል ናብ ምምላስ ተቓሪቡ ይኸውን እዩ፡፡ እቲ ሕቶ ግና በቲ ዘለዎ ናብ ትርፊ ክቕጽልን እቲ ዝተገዝአሉ ናይ 44 ቢልየን ዋጋ ከቕጽልን ይኽእልዶ? ዝብል እዩ፡፡
6. ነቲ ንቢቢሲ ዝገለጸሉ መንገዲ ክቕይሮ እዩ
ኢሎን መስክ፡ ነቲ ኣብ ኣካውንቲ ትዊተር ቢቢሲ ዝተጽሓፈን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስሕሓብ ዝፈጠረን "ብመንግስቲ ዝምወል" ዝብል መግለጺ ናብ "ብህዝቢ ዝምወል" ከምዝቕይሮ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ቃለ መሕተት እቲ መግለጺ ተቐዪሩ እዩ፡፡
ቢቢሲ ናጻ ትካል ከምዝዀነ ብምሕባር ነቲ መግለጺ ተቓዊምዎ ነይሩ። ቢቢሲ፡ ፍቓድ ቴሌቪዥን ብዝኸፍሉ ብሪጣንያውያን እዩ ዝምወል፡፡
መስክ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ቃለመሕተት፡ ንቢቢሲ በቲ ባዕሉ ዝገልጸሉ መንገዲ እንተቐመጥናዮ ጽቡቕ ክኸውን እዩ ኢሉ፡፡
ኣብ 2022 ክፍሊት ፍቓድ ተሌቪዥን 71 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ እቲ 5.3 ቢልዮን ፓውንድ ኣታዊ ቢቢሲ ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ዝተረፈ ድማ ካብ ንግዳውን ካልኦት ከም ግራንት፡ ሮያልቲን ክራይን ኣታዊታት ዝረኸቦ እዩ፡፡
ቢቢሲ፡ ነቲ ብቐንዱ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ዘለዉ ሰማዕቲ ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ መደቡ፡ ካብ መንግስቲ ዓመታዊ 90 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ይረክብ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







