ሓደሽቲ ፋብሪካታት ተስላ ቢልዮናት ይኸስሩ ኣለዉ- ኢሎን መስክ

ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ቻይናን ጀርመንን ዝተኸፈቱ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ተስላ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ባትርን ምትዕንቓፍ ቀረብን ቢልዮናት ይኸስሩ ከም ዘለዉ ወናኒ እቲ ትካል ኢሎን መስክ ገሊጹ፡፡

እቲ ቢልየነር ነቶም ኣብ ጀርመንን ኦስቲንን ዘለዉ ትካላት እውን ‘‘ገንዘብ ዝበልዑ ገዘፍቲ እቶናት’’ ክብል ገሊጽዎም፡፡

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ቻይና፡ ኣብታ ናይ ተስላ ገዚፍ ፋብሪካ ዝርከበላ ሻንጋይ ሓዊሱ ዝተነበሩ ዕጽዋታት፡ ፋብሪካታት ብኣግባቡ ከይሰርሑ ገይሩ እዩ፡፡

ኢሎን መስክ ምስ ሰብ ብጽሒታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት፡ እቶም ትካላት ‘‘ኣብዚ እዋን ቢልዮናት እዮም ዝኸስሩ ዘለዉ፡፡ ብዙሕ ወጻኢታት ኣሎ፤ ኣታዊ ግን የለን’’ ክብል ተዛሪቡ፡

ንሱ እቶም ዓበይቲ ትካላት ካብ ዝተኸፈትሉ መጀመርታ እዚ ዓመት ፍርያቶም ንምዕባይ ተጸጊሞም ከም ዝጸንሑ እዩ ዝገልጽ፡፡

እቲ ኣብ ኦስቲን ዝርከብ ጨንፈር ተስላ ዘድልይዎ ባትሪታት ኣብ ወደባት ቻይና ‘‘ደው ኢሎም’’ ምህላዎም፡ ውሑዳት መካይን ከፍሪ ካብ ዝገበርዎ ምኽንያታት እዩ ኢሉ፡፡

‘‘እዚ ቀልጢፉ ክፍታሕ እዩ፤ ግን ድማ ልዑል ትኹረት ይጠልብ፡፡’’

እቲ ቃለ መሕተት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እዚ ክፋል ግና ትማሊ ረቡዕ እዩ ወጸኡ፡፡

ሰብ መዚ ቻይና ኣብታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዕጽዋ ኣንቢሮም፡፡

መስክ ብፍላይ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ዝተነበረ ዕጽዋ ንስራሕቲ ተስላ ‘‘ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’’ ከም ዝገበሮን መብዛሕቲኡ ምህርቲታት ከም ዝተቛረጸን ተዛሪቡ፡፡

እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ እውን ምትዕርራይ ንምክያድ ንክልተ ሰሙን ከም ዝዕጾ ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ዕላማ እቲ ደውታ መፍረያይነቱ ናብቲ እቲ ትካል ዝሓዞ ሰሙናዊ 22 ሽሕ መካይን ናይ ምፍራይ ትልሚ ንምዕባይ እዩ፡፡

መስክ ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፡፡

እቲ ቢልየነር፡ ተስላ ካብ ጠቕላላ ሰራሕተኛታት ነቶም 3.5 ምኢታዊት ንምንካይ መደብ ከም ዘለዎ ኣብዚ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡