ኢሎን መስክ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ኣይኮነን

ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መስክ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ገዚእዎ

ኢሎን መስክ፡ ዋጋ መሸጢ ብጽሒታት እቲ ዝውንኖ ኣፍራዪ ኤሌክትሪክ መኪና - ተስላ፡ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ምቕናሱ ስዒቡ፡ ቦታ ዝሃብተመ ሰብ ዓለም፡ ስኢኑ ኣሎ።

ከም ጸብጻብ ፎርብስን ብሉምበርግን፡ መስክ ብዋና ፈጻሚ እቲ ናይ ምቾት ኣቑሑት ዘፍርይ ትካል ኤል ቪ ኤም ኤች ዝኾነ በርናርድ ኣርናውልት እዩ ተበሊጹ።

ዋና ፈጻሚን ወናኒ ዝለዓለ ብጽሒትን ተስላ ዝዀነ መስክ ኣብቲ ትካል ዝለዓለ መጠን ብጽሒት 14 ሚእታዊት ከምዘለዎ እዩ ዝግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድማ ን ትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ምግዝኡ ይዝከር።

በርናርድ ኣርናውልት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርናውልት ቦታ ሃብታም ዓለምና ካብ መስክ ተረኪቡ ኣሎ

ብመሰረት ጸብጻብ ፎርብስ ሃብቲ መስክ 178 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ ሃብቲ በርናርድ ኣርናውት ግን 188 ቢልዮን ዶላር እዩ።

መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዝነበሮ ውዕል ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሕጊ ምስሕሓባት ዝተወድአ ኰይኑ፡ ኣቓልቦኡ ናብ ትዊተር ምግባሩ ንቕልጡፍ ምንቁልቋል መሸጣ ተስላ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ትዊተር ዝተወሰነ ብጽሒት ዝነበሮ መስክ፡ ነቲ ትካል ዝኸፈሎ 44 ቢልዮን ዶላር እውን ኣዝዩ ክቡር ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣብ ሓምለ ስኑዓት ኣካውንትታት በዚሖም ብዝብል ካብቲ ውዕል ክወጽእ'ኳ ፈቲኑ እንተነበረ፡ ሓለፍቲ ትዊተር ግን ነቲ ዘቕረቦ ናይ ዕድጊ ሕቶ ክፍጽም ከሲሶምዎ ነይሮም።

ምስ ዕድጊ እቲ ትካል ተተሓሒዙ ዝተርኣየ ምግልባጣት ተቐባልነት እቲ ሃብታም ክቕንስን ዋጋ ተስላ ክወድቕን ምኽንያት ከምዝኾነ በዓል ሞያ ኢንቨስትመንት ዳን ኣይቪስ ይገልጽ።

እቲ ሃብታም ንትዊተር ንምግዛእ፡ ኣብ ተስላ ካብ ዝነበሮ ብጽሒት ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ዝሸጠ ኰይኑ እዚ ድማ ዋጋ ብጽሒታት እቲ ትካል ክወርድ ምኽንያት ኮይኑ።

ምድኻም ቁጠባ ስዒቡ ጠለብ ብኤሌከልትሪክ ዝሰርሓ መካይን ክዳኸም ከምዝኽእል ከምኡ ድማ ምውሳኽ ወለድ ልቓሕ ድልየት ዓደግቲ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣውፈርቲ ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም።

ተስላ ብምኽንያት ጕድለታት ብዙሓት መካይን ካብ ዕዳጋ ምምላሱ፡ ምስ ሓደጋ ተተሓሒዙ መንግስቲ ዝገብሮ ምርመራታትን ትሕዝቶ ናይተን ብዘይ ዘዋሪ ዝኸዳ መካይንን እውን ክሳራታት ኣጋጢምዎ እዩ።