ኢሎን መስክ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ገዚእዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢሎን መስክ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝሃብተመ ሰብ፡ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓደጐ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቃሊሐን።
ንሱ’ውን፡ “እታ ዑፍ ነጻ ኰይና [the bird is freed]” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ብምልጣፍ እቲ ስምምዕ ከምዝተፈጸመ ኣንፈት ሂቡ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ፓራግ ኣግራዋል ዝርከቦም ብዙሓት ሓለፍቲ ትዊተር ካብ ስራሕ ከምዝተሰጐጕ’ውን ይሕበር ኣሎ።
ኢሎን መስክ ኣብ መጀመርታ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ድሕሪ ምሕባር፡ ጸኒሑ ግን ካብቲ ስምምዕ ከምዘንሳሓበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስ ትዊተር ኣብ ከቢድ ምጕት ቤት ፍርዲ እዩ ተሸሚሙ ጸኒሑ።
ኢሎን መስክ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ብወገን ትዊተር’ኳ እንተዘይተሓበረ፡ ኣብቲ ትካል ወፍሪ ዝገበረ ሓደ ውልቀ ሰብ ግን ትዊተር ናብ ኢሎን መስክ ምሉእ ንምሉእ ከምዝተሸጠ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ኣግራዋል፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ትዊተር ነድ ሳጋልን ሓላፊ ሕግን ፖሊስን ትዊተር ቪጃያ ጋደ፡ ኵሎም ካብቲ ትካል ከምዝተሰጐጕ’የን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዝሕብራ ዘለዋ።
መስራቲ ትዊተር ቢዝ ስቶን ብዛዕባ ምስጓጐም ዝዀነ ሓበሬታ ከይሃበ፡ ንሰለስቲኦም ኣምስጊንዎም።
ኢሎን መስክ ነዚ ግዙፍ ማሕበራዊ ሚድያ ክገዝኦ ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ትዊተር ንሰብኣውነትን ምዕባለን ቀዳምነታት ብምሃብ ሓደ ምእኩልን ንዅሉ ብማዕረ ዘገልግልን ማእከል ንምግባሩ ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኢሎን መስክ ናብቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትዊተር እናኣተወ ዘርኢ ምስሊ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ንብዙሓት ከዘራርብ ክኢሉ’ዩ።
ብዙሓት ክኢላታት ስነቝጠባ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዘውጽኦ ዘሎ ሰልዲ ኣዝዩ ዝተጋነነ ከምዝዀነ’ዮም ዝገልጹ።
ኢሎን መስክ ኣብ ጥሪ’ዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ትዊተር ብርኪ ክገዝእ ዝጀመረ፡ ኣብ መጋቢት ከኣ ብርኩ ናብ 5 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ።
ኣብ ሚያዝያ ከይዶንጐየ፡ ኣብ ትዊተር እቲ ዝበዝሐ ብርኪ ዘለዎ ሰብ ክኸውን ከኣለ፤ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኸኣ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ምሉእ ብምሉእ ክዕድጐ ምዃኑ ዝሕበር ሓበሬታ ሂቡ።
እንተዀነ ኣብ መፋርቕ ግንቦት፡ ምኽንያታት ብምምጻእ ንትዊተር ናይ ምግዛእ ሓሳቡ ከምዝሓደጐ ገሊጹ።
ኣብ ሓምለ ኸኣ ጠቕሊሉ ንትዊተር ከምዘይገዝኦ ምስ ገለጸ፡ ትካል ትዊተር እቲ ቢልዮነር ዝኣተዎ ውዕል ኣሎ ብምባል ናብ ሕጋዊ መስርሕ ኣምሪሖም።
ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ኢሎን መስክ ንትዊተር ክገዝኦ ምዃኑ ብምእንፋት፡ ኵሉ መስርሓት ቤት ፍርዲ ደው ከምዝበለ ገሊጹ።
ብዙሓት፡ ኣብቲ ምጕት ቤት ፍርዲ ተሳዒሩ ክኸውን ከምዝኽል’ዮም ዝገልጹ።
ብሕጂ ዝህሉ ለውጥታት
ዋላ’ኳ ትዊተር ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መሸጣ ዝበሎ እንተዘይሃለወ፡ ኢሎን መስክ ንነብሱ ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ክገብራ ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ኢሎን መስክ ዝለዓለ ወዳኢ እቲ ትካል ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ኢሎም መስክን ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ኣግራዋልን ካብ ሚያዝያ ጀሚሮም’ዮም ክቀሓሓሩ ጀሚሮም፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መርትዖ ዝቐረበ ሰነድ፡ ኢሎን መስክ ንኣግራዋል ኣብ ዝሰደደሉ ውልቃዊ ጽሑፍ፡ ኣግራዋል ነቲ ትካል [ትዊተር] ብግቡእ ከመሓድሮ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ዝገለጽ’ዩ።
ኢሎን መስክ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ንኣግራዋልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ካብ ስራሕ ምስጓጕ ኸኣ ኣብ ትዊተር ለውጢ ከተኣታቱ ከምዝደለየ ዝእንፍት’ዩ።
ብዙሓት ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንምስጓግ ኣግራዋል ብሓጐስ ከምዝቕበልዎ ዘማትእ ኣይኮነን።
ሕጂ ኢሎን መስክ ንትዊተር ስለዝወነነ፡ እቶም ብትዊተር ተኣጊዶም ዝጸንሑ ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብናጽነት ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ይሕበር ኣሎ፤ ሓደ ካብኦም ከኣ ዶናልድ ትራምፕ’ዩ።
ኢሎን መስክ ኣቐድም ኣቢሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተር ምእጋዱ “ውሳነ ዓያሹ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንትዊተር ምስ ወነነ ነቲ ሕጊ ክቕይሮ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ትዊተር ናይ ምምላስ ድሌት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ሓሳቡ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝተበሃለ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርግሕ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።
ገለ ኸኣ ኢሎን መስክ ንትዊተር ፍኑው ከይገብሮ’ሞ ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ ከይበዝሕ ስግኣቶም ዝገልጹ ኣይተሳኣኑን።
ኢሎን መስክ ኣብ ትዊተር ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይ ምጕዳል መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እንተዀነ ብሉምበርግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢሎን መስክ ካብ ሰራሕተኛታት ትዊተር ነቶም 75 ሚእታዊት ናይ ምስጓግ መደብ ኣለዎ ንዝብል ሓበሬታ ሓሶት’ዩ ከምዝበሎ ገሊጹ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







