ስታርሊንክ፡ ኢሎን መስክ ስለምንታይ ኣሽሓት ሳተላይታት የወንጭፍ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, STARLINK
ዋንነት ኢሎን መስክ ዝዀነ ኩባንያ ስፐይስኤክስ፡ ናብ ምህዋር [ቅናት-ምድሪ] ኣሽሓት ሳተላይታት ከወንጭፍ ጸኒሑ ኣሎ። ነዚኦም ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰማያት ክሕምበቡ ርእዮምዎም’ዮም።
እዚ ክፋል ፕሮጀክት ስታርሊንክ ኰይኑ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዓለምና፡ ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎም ኣገልግሎታት ኢንተርነት ካብ ህዋ ንምሃብ ዝሰርሕ ፕሮጀክት እዩ።
ስታርሊንክ ግን እንታይ’ዩ?
ስታርሊንክ፡ ብዓበይቲ ሳተላይታት ኣቢሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት እዩ ዝህብ።
ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታት እዛ እንነብራ ዘለና ምድሪ ንዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ።
እዚ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሩ ሰባት’ውን ተጠቀምቱ ዝገብር ፕሮጀክት ኣብ ኣፍሪቃ ዝበሉ ካልኦት ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ኢንተርነት ክረኽቡ ንምግባር ከም ዝሰርሕ ኣካያዲት ስራሕ ፕሮጀክታት ህዋ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ ትዛረብ።
ሳተላይታት ስታርሊንክ፡ ካብ ምህዋር ቅሩብ ትሕት ኢሎም ኣብ ጥቓ መሬት ዝተቐመጡ ኰይኖም፡ እዚ ኣብ ሞንጐ እቶም ሳተላይታትን መሬትን ዘሎ ርክብ ፍጥነት ክህልዎ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ምሉእ ሽፋን ኢንተርነት ንምሃብ ተወሳኺ ሳተላይታት የድልዩ’ዮም።
ስታርሊንክ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሳተላይታት ከም ዘቐመጠ ይንገር። ኣብ ቀረባ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ሳተላይታት ክጥቀም ከም ዝኽእል ክሪስ ሆል ይዛረብ።
“ሳተላይታት ብምጥቃም፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዘለው በረኻታትን እምባታትን ኢንተርነት ናይ ምርካብ ዘሎ ጸገም ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ነዞም ከባቢታት ንምብጻሕ ካልኦት ትሕተ ቕርጺ ናይ ምህናጽ ድኻም’ውን የወግድ” ኢሉ።
ስታርሊንክ ክንደይ ወጻኢ ይሓትት? መን ከ እዩ ክጥቀመሉ?
ምስቲ ልሙድ ኢንተርነት ብምንጽጻር፡ ስታርሊንክ ሕሱር ኣይኰነን።
ኣብ ወርሒ፡ ንተጠቀምቲ 99 ዶላር የኽፍል። ናብቲ ሳተላይት ንምርኻብ ዘድልዩ ሸሓነን [ዲሽ] ራውተርን ክኣ 549 ዶላር ይሓቱ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራይ 96 ሚእታዊት ተጠቀምቲ እዚ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት እዮም። ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ክኣ 90 ሚእታዊት ሰባት ተጠቀምቲ ኰይኖም ኣለው።
“መብዛሕትኡ ምዕቡል ዓለም ድሮ ተጠቃሚ ኰይኑ ኣሎ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ህዋን ሕግን ፕሮፌሰር ሰዒድ ሞስትሻር።
እቲ ኩባንያ፡ ኣብ 36 ሃገራት 400 ሽሕ ተጠቀምቲ ኣለውኒ ይብል፤ እዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራሊያን ዝርከቡ ሰብ ሃብትን ውልቀሰባትን እዮም።
ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ስታርሊንክ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣሜሪካን ኤስያን ዘለዎ ተበጻሕነት ከስፍሕ መደብ ኣለዎ።
ክሪስ ሆል ግን፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ዋጋ ስታርሊንክ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ከኣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ንምርኻብ ኣዝዩ ጠቓሚ እጃም ከበርክት ይኽእል’ዩ” ይብል።
ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን
ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናደፍኡ ምስ መጽኡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣጥፊኦም፣ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ክዓጽውዎ ፈቲኖም።
ወራር ሩስያ ምስ ተጀመረ፡ ኢሎን መስክ ብቐጥታ'ዩ ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን ከም ዝሰርሕ ገይሩ።
ኣስታት 15 ሽሕ ሸሓነታትን ራውተራትን ስታርሊንክ ድማ ናብታ ሃገር ተላኢኾም።
“ስታርሊንክ፡ መንግስታውን ህዝባውን ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ገይሩ’ዩ። ሩስያውያን ከኣ ነዚ ከዐንቅፍሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣይረኸቡን” ይብል ክሪስ ሆል።
እዚ፡ ኣብ ዓውደ ውግኣት’ውን ውዒሉ’ዩ።
“ንኣብነት፡ ኣዘዝትን [ኣብ ኪቭ ዘለው] ኣብ ውግእ ዘለው ወተሃደራትን ዩክረይን ንምርኻብ ይጥቀምሉ ኣለው። እቲ መስመራት ልክዕ ከም ማዕበል ራድዮ ክትዕፍኖ ኣይትኽእልን። ንኸተዳልዎ’ውን 15 ደቒቕ ጥራይ’ዩ ዝወስድ” ትብል ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ዶክተር ማሪና ሚሮን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ስታርሊንክ ብተወሳኺ፡ ከም ዋንዌብን ቪሳትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ሳተላይት ዝህቡ ትካላት’ውን ኣብ ትሑት ምህዋር መሬት ኣሽሓት ሳተላይታት የቐምጡ ኣለው።
ስዒድ፡ እዚ ናብ ጸገም ከምርሕ እዩ ይብል።
ኣብ መንጐ "ምርጻም ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ድሕነት ህዋ ዝተሓተ’ዩ ዝገብሮ። ሳተላይታት ካልኦት ሳተላይታት ብምህራም ስብርባራት ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚኦም ድማ ኣብ እዋን በረራ ልዑል ፍጥነት ክህሉ እንከሎ ጕድኣት ከውርዱ ይኽእሉ” ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ማእከል ህዋ ቻይና ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሳተላይታት ስታርሊንክ ተራጺሞም’ዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ማኔጀር ፕሮጀክታት ህዋ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ: “ብርክት ዝበሉ ስብርባራት እንተሃልዮም፡ ንቐጻሊ ትሑት ምህዋር መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብሩዎ እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ትሑት ምህዋር መሬት ሓሊፍና ናብቶም ናይ ቴሌኮምን ሓበሬታን ሳተላይታት ተተኺልሉ ዘሎ ልዑል ምህዋር ክንከይድ ኣይንኽእልን" ትብል።
ብኻልእ ወገን፡ ሳተላይታት ስታርሊንክ ንተመራመርቲ ከዋኽብቲ [ኣስትሮነመራት] ጸገማት ይፈጥራሎም ኣለዋ።
ጸሓይ ክትወጽእን ክትዓርብን እንከላ፡ ጸሓይ ኣብ ኣኽናፎም ስለ እተብርህ ብዓይኒ ክርኣዩ ይኽእሉ’ዮም።
እዚ ኸኣ፡ ኣብ ምስልታት ቴሌስኮፕ ናይ ብርሃን ሕንጻጽ ብምፍጣር ንምስሊ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ይሽፍኖ።
"ንሳቶም እቲ ጸገም ስለ ዝርኣዩዎ፡ ኣቐዲሞም ተቓዊሞም’ዮም” ይብል ፕሮፌሰር ሞስትሻር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







