ወናኒ ፌስቡክ ምስ ትዊተር ዝዳረግ ሓድሽ መተግበሪ ይዝርግሕ

ትሬድስ ዝበሃል ሓድሽ መተግበሪ ምስ ትዊተር ይመሳሰል

ምንጪ ስእሊ, Meta

ወናኒ ፌስቡክ-ሜታ፡ ዘማዕበሎ ንትዊተር ዝነሓናሕ ሓድሽ መተግበሪ፡ ሓሙስ ቀጥታዊ ስርሑ ከምዝጅምር ገሊጹ።

እቲ ትሬድስ [Threads] ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ መተግበሪ፡ ድሮ ኣብ መኻዝን መተግበሪታት 'ኣፕል ስቶር' ከምዝርከብ ዘፍለጠ ዀይኑ፡ ምስ ኢንስታግራም ብቐጥታ ክተሓሓዝ ምኳኑ ድማ ተሓቢሩ።

ገለ ካብቲ መተግበሪ ዝተወስዱ ምስልታት ከምዘርእዩዎ፡ ምስ ትዊተር ኣዝዩ ዝቀራረብ መልክዕን ቅርጽን ኣለዎ።

ኩባንያ ሜታ፡ ንትሬድስ "ኣብ ጽሑፍ ዝተመርኮሰ ናይ ዕላል መተግበሪ" ኢሉ ይገልጾ።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ወናኒ ሜታ፡ ማርክ ዛከርበርግን ወናኒ ትዊተር ኤሎን መስክን ንዝካየድ ዘሎ ንሕንሕ፡ ጫፍ ዝበጽሐ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክልቲኦም ብኣካል ክጓሰጡ ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ ብርግጽ ክሳዕ ክንደይ ቀሩባት ምዃኖም ኣይተነጸረን።

ሚስተር መስክ፡ ነቲ ሓድሽ መተግበሪ ብዝምልከት ንዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ኣምላኽ ይመስገን! እዞም ሰባት ደድሕረይ ይጎዩ ኣለዉ” ክብል ጽሒፉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትዊተር፡ እቲ ‘ትዊትዴክ’ ብዝብል ዝፍለጥ መድረኽ ተጠቀምቲ፡ ድሕሪ 30 መዓልታት ከኽፍል ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዝገብር ዘሎ፡ ተጠቀምቲ ከፊሎም ዝረኽብዎ ‘ትዊተርብሉ’ ክምዝገቡ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ሚስተር ማስክ ዝኸዶ ዘሎ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ይመስል።

እቲ ቢልዮነር፡ ተጠቀምቲ ክርእይዎ ዝኽእሉ ብዝሒ ሓበሬታ ትዊተር'ውን ገዲቡ ኣሎ።

ሜታ ከምዝብሎ፡ ትሬድስ ነጻ ኣገልግሎት ዝህብ ኰይኑ - ሓደ ተጠቃሚ ክንደይ ፅሑፋት ክርኢ ከምዝኽእል ድማ ዝኾነ ገደብ ኣይክግበረሉን።

"ትሬድስ፡ ማሕበረሰባት ኣብ ዘገድሶም ኣርእስታት ሓቢሮም ካብ ሎሚ ክሳብ ጽባሕ ክዛተዩሉ ዝቕንዩ መድረኽ'ዩ" ይብል እቲ ኣብ መኽዘን መተግበሪታት [ኣፐ ስቶር] ዘሎ መብርሂ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቲ መተግበሪ ዝተወስዱ ምስልታት፡ ዳርጋ ምስ ትዊተር ዝመሳሰል ምዃኑ የርእዩ።

ትሬድስ፡ ኣካል መተግበሪ ሜታ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ናይ ሰባት ቴሌፎን ዝርከብ ሓበሬታ እውን ክጥቀም ከኽእሎ እዩ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ተጠቃሚ ዝርከበሉ ቦታ/ዓዲ፡ ዝፈጸሞ ዕድጊታትን ታሪኽ ምድህሳስን ይሓውስ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዝውንኖ ‘ትሩዝ ሶሻልን ማስቶዶንን’ ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም፡ ምስ ትዊተር ኣዝዮም ዝመሰሳሉ ብዙሓት መተግበሪታት ተቐልቂሎም ነይሮም።

‘ብሉስካይ’ ዝተብሃለ ካልእ ተመሳሳሊ መተግበሪ፡ ድሕሪ'ቲ ሚስተር ማስክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተጠቀምቲ ዝበጽሕ ሓበሬታ ንምድራት ምውሳኑ ስዒቡ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ተጠቀምቲ ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ትዊተር ክሳብ ሕዚ ካብ ዘጋጠሞ ንሕንሕ፡ ትሬድስ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

ማርክ ዛከርበርግ፡ ናይ ካልኦት ኩባንያ ሓሳባት ብምልቃሕን ዝያዳ ክሰርሑ ብምግባርን እዩ ዝፍለጥ።

ንኣብነት፡ ኣብ ፌስቡክ ዘሎ፡ ‘ሪልስ’ ብዝብል ዝፍለጥ መስርሕ፡ ምስ ‘ቲክቶክ’ን ‘ስናፕቻትን’ ዝመሳሰል ኣጠቓቕማ ኣለዎ።

ሜታ፡ ምስ ትዊተር ክወዳደር ዝኽእል ሃብትን ጸጋን ኣለዎ። ትሬድስ ድማ ኣካል ናይ ኢንስታግራም ክኸውን እዩ ትፅቢት ዝግበረሉ ዘሎ።

ምስ ዘለዉ ኣማኢት ሚልዮናት ኣካውንታት እውን ክተሓሓዝ እዩ ማለት እዩ።

ስለዚ፡ ከምቲ ካልኦት ተነሓናሕቲ ክገብርዎ ዝፀንሑ ካብ ዜሮ ዝጅምር ኣይኮነን።

ሚስተር ማስክ፡ ንናጻ ሓሳብ ብዝገበሮ ተወፋይነት ኣብ ገለ ሸነኻት ዝንኣድ እኳ እንተኾነ፡ ንገለ ተጠቀምቲ ግን ኣርሒቑዎም እዩ።

ሚስተር ዛከርበርግ፡ ዘይተሓጓሱ ተጠቀምቲ ትዊተር ስሒቡ ‘ሓቀኛ ኣማራጺ’ መድረኽ ክፈጥር ተስፋ ይገብር።