መርትዖታት ገበናት ኲናት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይጠፍኡ ኣለው

ኣብ ቅድሚ ኮምፒዩተር ኰፍ ዝበለ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መርትዖታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ምስ ተደምሰሱ ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ ቢቢሲ ሓበሬታ ረኺቡ።

እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ስእላዊ ቪድዮታት የወግዱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብሰርሖ ብልሒ - ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ይጥቀሙ፡ ንኽሲ ክሕግዙ ዝኽእሉ ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል ድማ ኣብ መኽዘኖም ከየቐመጡ ከውርድዎም ክኢሎም’ዮም።

ሜታን ዩትዩብን፡ ንምስክርነት ዝዀኑ ናይ ምሓዝን ተጠቀምቲ ካብ ጐዳኢ ትሕዝቶ ንምክልኻልን ሚዛን ናይ ምትሓዝ ዝግባኦም ዕላማ ከም ዝገበሩ ይገልጹ።

ተቘጻጻሪ ቦርድ ሜታ ኣላን ራስብሪጀር ግን፡ እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ምቍጽጻር ትሕዝቶታት፡ "ልዕሊ ዓቐን ጥንቃቐ" ከም ዝገበረ ይዛረብ።

እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንዘሰክፉ ትሕዝቶታት ነጻነት ከም ዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፡ ቢቢሲ ግን ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝስነድ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክሰቅል ምስ ፈተነ ብቕልጡፍ ተደምሲሱ።

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ጐዳኢን ዘይሕጋውን ትሕዝቶ ብመጠኑ ከውጽእ ይኽእል’ዩ።

ካብ ኲናታት ዝመጽኡ ኣሳእል ኣብ ዝመምየሉ እዋን ግን እቲ ማሽን መረዳእታ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኖም ናይ ምርዳእ ዓቕሚ የብሉን።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት እዞም ሓበሬታ ንኸይጠፍኡ ክከላኸሉ ኣለዎም ይብሉ።

ሚስተር ራስብሪጀር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቶም ማሽናት ስለምንታይ ከም ዘማዕበልዎምን ከም ዘሰልጠኑዎምን ኣብዚ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣጸጋሚ ወይ ስንባደ ዝፈጥር ነገር ኣብ ዝረኣዩሉ ህሞት ንኸውርድዎ እዩ” ኢሉ።

እቲ ኣብ ሜታ ዘሎ፡ ‘ኦቨርሳይት ቦርድ’ ብማርክ ዙከርበርግ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝውንን ኩባንያ ሓደ ዓይነት ናጻ "ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ" ተባሂሉ ይፍለጥ።

"እቲ ዝቕጽል ሕቶ ንዓኣቶም፡ እቶም ማሽነሪታት (ሰብ ይዅን ኤኣይ) ዝያዳ ርትዓዊ ውሳነታት ንኽወስዱ ከመይ ጌርና ነማዕብሎ ዝብል ይመስለ” ክብል ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጋርድያን ነበር ራስብሪጀር ተዛሪቡ።

ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ፖሊሲ መሰል ዋንነት ትሕዝቶ ከም ዘለዎም ዋላ ሓደ ኣይክሕድን’ዩ፡ እትብል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንዓለምለኻዊ ገበናዊ ፍትሒ ቤት ቫን ሻክ፡ "እቲ ስክፍታ እቲ ሓበሬታ ሃንደበት ምስ ዝጠፍእ'ዩ ዝመስለኒ" ትብል።

ናይ ጕዕዞ ጋዜጠኛ ነበር ኢሆር ዛካረንኮ ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክስንድ ጸኒሑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካብ ጐበጣ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብወተሃደራት ሩስያ ብጥይት ዝተቐትሉሉ ከባቢ ከተማ ኪቭ እዩ ረኺቡዎ።

ብውሑዱ፡ ኣስክሬን 17 ሰባት ከምኡ'ውን ዝተቓጸላ መካይን ብቪድዮ ቀዲሑ።

ዓለም እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትዕዘብን ነቲ ትረኻ ክረምሊን ክትቃወሞን ነቶም ዝሰነዶም ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ክጽዕኖም ደልዩ፤ ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ምስ ሰቐሎም ብቕልጡፍ ወሪዶም።

"ሩስያውያን ንባዕሎም [ከምዚ] ንሲቪላት ከም ዘይትንክፉ፡ ምስ ሰራዊት ዩክረይን ጥራይ ከም ዝተዋግኡ ብምግላጽ እዞም ቪድዮታት ስኑዓት’ዮም ይብሉ ነይሮም” ይብል ኢሆር።

እቶም ቪድዮታት፡ ንግዚኡ ናብ ዝፈጠርናዮም ኣካውንታት ኢንስታግራምን ዩትዩብን ሰቒልናዮም።

ኢንስታግራም ካብተን ኣርባዕተ ቪድዮታት ነተን ሰለስተ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደቒቕ ኣውሪድወን።

ኣብ መጀመርታ ዩትዩብ ኣብ ተመሳሳሊ ንሰለስቲአን ቪድዮታት ናይ ዕድመ ገደብ ገይሩለን ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ግን ንዅሎም ኣወጊድዎም።

ደጊምና ፈቲንና - ግን ጠቕሊሎም ክስቀሉ ኣይከኣሉን።

እቶም ቪድዮታት መርትዖታት ገበናት ኲናት ዝሓዙ እዮም ብዝብል ናብ ንቡር ንምምላስ ዝቐረበ ሕቶ’ውን ተነጺጉ።

እዞም ኲናት ካብ ዘለዎም ከባቢታት ዝመጽኡን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወጽኡን ቪድዮታት ኣብ ልዕሊ ገበናት ኲናት ክሲ ንምምስራት ክሕግዙ ይኽእሉ’ዮም።

ዩቱብን ሜታን ኣብ ትሕቲ እቲ ንረብሓ ህዝቢ ዝዓለመ ኣሰራርሓ ስእላዊ ምስልታት ኲናት ከም ንቡር ክእለ ዝኽእል ትሕዝቶታት ኣብ ኢንተርነት ክቕመጥ ከም ዝኽእልን፡ ምርኣይ ንዓበይቲ ጥራይ ክድረት ከም ዝኽእልን ይገልጹ።

ኣብ ቪድዮታት ኢሆር ዝተገብረ ፈተነ ግን ካልእ እዩ ዘመልክት።

ሜታ "ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንዝቐርብ ቅኑዕ ሕጋዊ ሕቶታት" መልሲ ከም ዝህብን፡ "ኣህጉራዊ መስርሕ ተሓታትነት ንምድጋፍ ተወሳኺ መንገድታት ምድህሳስ ቀጺልና ኣለና፣ ምስ ሕጋውን ብሕታውን ግዴታታትና ዝሰማማዕ" ይብል።

ዩትዩብ ንረብሓ ህዝቢ ዝኸውን ስእላዊ ትሕዝቶታት ዝተፈለየ ነጻነት'ኳ እንተሃለዎ፡ እቲ መድረኽ ግን ማህደር (ኣርካይቭ) ከም ዘይኰነ ይገልጽ።

“ውድባት ሰብኣዊ መሰላት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ተመራመርቲ፡ ጋዜጠኛታት ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት (ወይ ካልእ ክፍጸም ዝኽእል ገበናት) ዝሰነዱ፡ ትሕዝቶኦም ንምውሓስን ንምዕቃብን ብሉጻት ኣሰራርሓታት ክኽተሉ ኣለዎም" ይብል።

ኣብ 2013 ኣብ ጥቓኡ ክሳብ ዝዓልብ ኣብ ከተማ ኣሌፖ ሶርያ መደበር መድሃኒት ዝውንን ንዝነበረ ዕማድ እውን ቢቢሲ ኣዘራሪቡ እዩ።

እቲ ነትጒ ነቲ ህንጻ ብሓመድን ትክን ከመይ ከም ዝመልኦ ይዝክር።

ኣብ ደገ ረድኤት ናይ ዝሓቱ ሰባት ኣውያት ሰሚዑ ምስ ከደ ብደም ዝጠልቀዩ ኣስክሬናት፡ ዝተቘራረጹ ኣእዳውን እግርን ረኣየ።

ሰራሕተኛታት ቴሌቪዥን ናይቲ ከባቢ ነዚ ሰኒዶምዎ። እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዩቱብን ፌስቡክን ተዘርጊሑ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ወሪዱ ኣሎ።

ኣብቲ ግጭት ዝነበሩ ሶርያውያን ጋዜጠኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሓት እቶም መበቆላዊ ቪድዮታት እውን ብደብዳብ ቦምባታት ከም ዝዓነው ገሊጾም።

ድሕሪ ዓመታት፡ ዕማድ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓትት እንከሎ ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ሰነዳት ከቕርብ ተሓቲቱ።

"እቲ መደበር መድሃኒት ብካሜራ ከም ዝተቐረጸ ርግጸኛ እየ ነይረ። ኣብ ኢንተርነት ምስ ኣተኹ ግን ናብ ዝተደምሰሰ ቪድዮ ይወስደኒ ነይሩ” ይብል።

ነዚ ዓይነት ፍጻመ ንምምላስ፡ ከም በዓል ኣብ በርሊን ዝመደበሩ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ምነሞኒክ ዝኣመሰላ ትካላት፡ ቅድሚ ምጥፋኡ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማህደር ንምሓዝ ክሰርሓ ጀሚረን ኣለዋ።

ምኒሞኒክ፡ መርትዖታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣውሪዱ ንምዕቃብ ዝሕግዝ መሳርሒ ኣዳልዩ - ፈለማ ኣብ ሶርያ ሕጂ ድማ ኣብ የመን፡ ሱዳንን ዩክረይንን ትዅረት ገይሩ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ጥቓ መደበር መድሃኒት ዕማድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘርኢ ሰለስተ ቪድዮታት ሓዊሱ ልዕሊ 700 ሽሕ ምስልታት ካብ ዞባታት ኲናት ቅድሚ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምእላዮም ኣድሒኖም ኣለዉ።

ነፍሲ ወከፍ ምስሊ ኣብ ዓውደ ውግእ ብሓቂ እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ ቦታ፡ ዕለት ወይ ገበነኛ፡ ንምግላጽ ኣገዳሲ ኣሰር ክሕዝ ይኽእል እዩ።

ከም ምነሞኒክ ዝኣመሰላ ትካላት ግን ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠር ኵሉ መዳይ ግጭት ክሽፍና ኣይክእላን እየን።

ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸመ ምርግጋጽ ንምእማኑ ዘጸግም ከቢድ ጉዳይ እዩ፣ ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ምንጭታት ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ክኢላ ቢቢሲ ቬሪፋይ ኦልጋ ሮቢንሰን እዚ "ምርግጋጽ ልክዕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ምፍታሕ'ዩ፡ ዘይተዛመዱ ዝመስሉ ሓበሬታታት ኣዋዲድካ ነቲ ዘጋጠመ ዝዓበየ ስእሊ ትሃንጽ" ትብል።

ዕማም ምዕቃብ ክፉት ምንጪ፡ ዳርጋ ንዝዀነ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ግጭት ዝተታሕዙ ኣዝማዶም ንምሕጋዝ ልኡኽ ዘለዎም ሰባት ይወድቕ።

ራህዋ ኣብ ኣሜሪካ ትነብር፡ ኣብታ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኲናት ዝተዋሕጠትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንዋሕዚ ሓበሬታ ብጽኑዕ ዝተቘጻጸሩላን ክልል ትግራይ ዝነብሩ ስድራ ድማ ኣለውዋ።

ንሳ፡ ብናይ ርእሳ ተበግሶ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘርእዩ ሓበሬታታት ትስንድ ነይራ።

ራህዋ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘርእዩ ሓበሬታታት ትስንድ ነይራ

ይዅን’ምበር ማሕበራዊ መራኸቢታት ማለት ካብ ዓለም ተሓቢኡ ክተርፍ ዝኽእል ግጭት ዘርኢ ስእላዊ መዝገብ ማለት እዩ።

"ግቡእና እዩ ነይሩ" ትብል ራህዋ። "ንሰዓታት መጽናዕቲ እናገበርኩ የሕልፎ ነይረ፤ ዝዀነ ትሕዝቶ ክትረከብ እንከለኻ እሞ ኵሎም ኣብ ኢድካ ክትረኽቦም እትኽእል መሳርሒታት ስለያ ክፉት ምንጪ ተጠቒምካ ከተረጋግጾም ክትፍትን እንከለኻ፡ ድሃይ ስድራቤት ግን ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ” ትብል።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝተደምሰሰ ትሕዝቶ ንምእካብን ብውሑስ መንገዲ ንምኽዛንን ህጹጽ ወግዓዊ ስርዓት ከም ዘድሊ ይዛረቡ።

እዚ ድማ ነቲ ትሕዝቶ ከም ዘይተበላሸወ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ‘ሜታዳታ’ ምዕቃብ ዘጠቓልል እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንዓለምለኻዊ ገበናዊ ፍትሒ ሚስ ቫን ሻክ "እቲ ሓበሬታ ንመጻኢ ንዝካየዱ ናይ ተሓታትነት ልምምዳት ዝዕቀበሉ ኣገባብ ክንፈጥር ኣለና። መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ኣገባባት ተሓታትነት ምድላዋት ክገብሩ ድልዋት ክዀኑ ኣለዎም" ትብል።