‘ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ትዊት ክገብር’የ ተኸፊለ’ ዲጂታል ወተሃደር

'ዲጂታል ወተሃደራት'

መንግስቲ ቬነዝወላ ንዕኡ ደጊፎም ኣብ ትዊተር ዝጽሑፍ ሰባት ይኸፍል ኣሎ።

ራፋኤል - ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን- ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብ ኢንተርነት’ዩ ዘሕልፎ።

እዚ ወዲ 59 ዓመት ሰብኣይ ወትሩ ኣብ ቀንዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሎ፤ ኣብ ጉዳያት ክሪፕቶካረንሲ’ውን ጨብረቕረቕ ክብል ይውዕል፤ ንርእሱ ድማ ‘ጸላዊ’ ኢሉ ይጽውዕ።

ግን፡ ኣብ ኦንላይን እዚ ጥራይ ኣይኰነን ዝገብር።

ራፋኤል፡ ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ትዊት ክትገብር መንግስቲ ዝኸፍላ ሓንቲ ጕጅለ እዩ።

መዓልታዊ፡ ንመንግስቲ ዝድግፍ ጽሑፋት ንምልጣፍ ብውሑድ 30 ደቓይቕ የጥፍእ።

“እቲ ዕላማ፡ መንግስቲ ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ ንምግዋሕ እዩ” ይብል።

መዓልታዊ፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ቬነዝወላ “ሃሽታግ እዚ መዓልቲ” እናበለ ብኣካውንታት ሰብ መዝን ደገፍቲ እቲ ስርሓትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኸም ራፋኤል ዝበሉ ፕሮፖጋንዳ ንምግዋሕ ዝተቘጽሩ ‘ዲጂታዊ ወተሃደራት’ ዝጽሓፉ ትሕዝቶታት ‘ሼር’ ክገብር ይውዕል።

“ብሎክ ከይንግበር ጥንቃቐ ንገብር ኢና፤ ንግሆ 100፡ ድሕሪ ቀትሪ ድማ 100 ትዊት ይገብር” ይብል።

ፕሮፌሰር ሴንትራል ዩኒቨርሲቲ ቬነዝወላ ፌሌክስ ሲጃስ፡ “እቲ ሓሳብ ነቲ ሓበራዊ ተረኽ ክትዕቅቦ ምድላይ’ዩ። ኣንጻር ጸላኢ (ምዕራብ) ዝግበር ቃልሲ ሕጂ’ውን ኣሎ’ዩ” ክብል ይዛረብ።

እዚ ትረኻ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ነበር ሁጎ ቻቬዝ (ነቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ ኒኮላስ ማዱሮ ዘሰልጠነ) ጸጋማውያን ዘሰጉምዎ ስነ ሓሳብ ‘ቻቪዝሞ’ ዝዝርግሕ'ዩ።

ብ2018፡ ራፋኤል ንዕኡ ዘይበርሃሉ ሓደ በዓል ሃሽታግ (#) ትዊት ረኺቡ።

“ነቲ ትዊት ዝገበረ ሰብ ብዛዕባ እንታይ’ዩ ኢለ ሓቲተዮ፤ ንሱ ኽኣ ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ ዓስቢ ነጊሩኒ” ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ትረንዲንግ፡ ካብ 700 ክሳብ 3000 ኣባላት ዘለውዎም ናይ ውልቂ ጕጅለታት ፌስቡክን ቴሌግራምን ክዕዘብ ክኢሉ እዩ።

እዚኦም፡ ንሓድሕዶም ሓደሽቲ ሃሽታጋት ትዊት ንምግባር ክተባብዑ ይርኣዩ።

ኵሎም ተሳተፍቲ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ጕጅለታት ይጽንበሩ’ዮም ማለት እኳ እንተዘይኰነ፡ ከም ራፋኤል ዝበሉ ግን ወሳኒ ተራ ይጻወቱ።

ንሱ፡ ንመንግስቲ ዝድግፍ ጽሑፋት እናጽሓፈ ዝውዕል'ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ገደብ ኣልቦ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይ፡ ትሑት ክፍሊትን ምውሓድ ተበሃጊ ክእለት ፕረዚደንት ማዱሮን ነቲ ስርዓት ኣይድግፎን።

ስለ ዝኽፈሎ ጥራይ ግን ትዊት ከም ዝገብር ይዛረብ። እዚ ግን ትሑት ምዃኑ የማርር።

ራፋኤል፡ ኣብ ውልቀ ኩባኒያ ዋርድያ ኰይኑ ኣብ ወርሒ ኣስታት 80 ዶላር ኣታዊ ይረክብ።

ትዊት ብምግባር ተወሳኺ 10 ዶላር ክረክብ እንከሎ በዚ ቅሩብ ሕሩጭ፡ ዘይቲ፡ ሩዝ ከምኡ’ውን ሞባይል ካርድ ይገዝእ።

ላዕሊ ላዕሉ ክርእ እንከሎ፡ እቶም ትዊት ዝገብሮም ሓሳባት ሳዕቤን ዘይብሎም ይመስሉ፤ ግን ድማ ክኢላታት ግጉይ ሓበሬታን ተንተንቲ ፖለቲካን ከም ሓደ ዓብይ ስትራተጂ ምዕፋን ብናጽነት ምዝራብ ይርእይዎ።

መስራቲ ኣብ ምጽራይ ሓቂ ቬነዝወላ ዝሰርሕ ትካል ካዛዶረስ ዲ ፌክ ኒውስ ኣድሪያን ጎንዛለዝ፡ መንግስቲ ኣብ ኦንላይን “ክቈጻጸሮ ዘይክኣለ ሓበሬታ ብምሽፍፋን” ኣብቲ ዘሎ ግንዛበ ህዝቢ ጽልዋ ንምሕዳር ፕሮፖጋንዳ ይጥቀም ኣሎ ይብል።

ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ኦንላይን ዝፍጸም ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮቦክስ ሰራሕተኛ ዝዀነ ማሪቪ ቫዝኴዝ፡ ከም ራፋኤል ዝበሉ “ዲጂታል ወተሃደራት” ምጥቃም፡ ዕላማኡ ንመንግስቲ ዝድግፉ መልእኽታት ተጠቒምካ ነቲ ጽልዋ ዝፈጥሮ ዘሎ ሓሳባት ምብካል እዩ ክብል የረድእ።

“እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ‘ትረንድ’ ዝገብር ዘሎ ክትርኢ እንከለኻ እሞ እዚኦም እቶም ንመንግስቲ ዝድግፉ ሃሽታጋት እንተዀይኖም፡ ብልክዕ ኣብታ ሃገር እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ።”

እዞም ሃሽታጋት ኣካል ኣብ ኦንላይን ፕሮፖጋንዳ ንምንዛሕ ዝግበሩ ሰፋሕቲ ጐስጓሳት እዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ መንግስቲ ቬነዝወላ ፕሮፖጋንዳ ኦንላይን ንምንዛሕ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰርሑ ቪድዮታት ይጥቀም ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ነይሩ።

እዚኦም፡ ብሃገራዊ ተሌቪዥን’ውን ዝተመሓላለፉ ኰይኖም፡ ደገፍቲ ‘ቻቪዝሞ’ ብድሕሪ እቶም ቪድዮታት ‘ዲፕፌክ’ የለውን ንምባል ሚኒስትሪ ኮምዩነኬሽን እታ ሃገር፡ እቶም ሃሽታጋት #SomosInteligenciaSocial ወይ WeAreSocialIntelligence ዝብሉ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ብትዊተር መልሲ ሂቡ’ዩ።

ራፋኤል፡ ዘጋግዩ ሓሳባት ኣየጋውሕን ክብል ይምጕት።

ልዕሊ 14 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኣካውንቱ ግን ብትዊተር ተኣልዩ። ነዚ ስዒቡ፡ መምርሒታት ትዊተር ይጥሕስ ነይረ’የ ክብል ተኣሚኑ።

ብመሰረት ፕሮቦክስ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ #SomosInteligenciaSocial ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 360 ሽሕ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ኣብ ትዊተር ቬነዝወላ ትረንድ ከም ዝገበረን የመልክት።

90 ሚእታዊት እዞም ትዊታት ክኣ፡ በቶም ብመንግስቲ ዝኽፈሎም ሰባት ኣቢሎም ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ይሕብር።

ራፋኤል፡ ፕሮፖጋንዳ ትዊት ብምግባር ዝረኽቦ ዝነበረ ክፍሊት ዘረጋግጽ ቅብሊት ናብ ቢቢሲ ልኢኹ እዩ።

እዚኦም፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ኣስታት 10 ዶላር ከም ዝተቐበለ የርእዩ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ንዝነዝሑ ሰባት ስለ ምንታይ ይኸፍል? ኣብ ምዝርጋሕ ፕሮፖጋንዳ’ውን ቴክኖሎጂ ‘ዲፕፌክ’ ይጥቀም እዩ ንዝብሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ መልሲ ንምርካብ ሓቲቱ’ዩ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ነዞም ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ የለን።

ዋላ’ኳ መንግስቲ ዜናታት ‘ዲፕፌክ’ ኣብ ምስራሕ ኢድ ኣለዎ ድዩ ዝብል ግልጺ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርቡ ነቐፌታታት ንምጭፍላቕ ግን ዝተኸፍሎም ሰባት ሓዊሱ ጓስጓስ ከም ዝገበረ ብሩህ እዩ።