ኢሎን መስክ፡ 'ዋላ ዋጋ ዘኽፍለኒ ይኹን ድላየይ ክዛረብ’የ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወናኒ ትዊተር ኢሎን መስክ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዘሎ ኣካታዒ ህላወኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ዋላ'ውን ገንዘብ እንተኽሰሮ “ድላዩ ካብ ምዝራብ” ድሕር ከም ዘይብል ገሊጹ።
መስክ፡ ጆርጅ ሶሮስ ዝተባህለ ሰብ "ሰብኣውነት ይጸልእ" እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምልጣፉ፡ ብመንግስቲ እስራኤል ክንቀፍ እንከሎ ኣብ ትዊተር ክስታት ጸረ-ሴማውነት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
መስክ ዝጽሓፎ ትዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣይሁዳዊ ገባሪ ሰናይ (ጆርጅ ሶሮስ) ብተደጋጋሚ ዝቐርቡ ዝነበሩ ግን ድማ ዝፈሸሉ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘቃልሕ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ።
መስክ ግን ንሲኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጸረ-ሴማውያን ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ተጠቂሙ፡ ካብ ገዛ ምስራሕ "ብሞራል ጌጋ" እዩ ክብልን ኣብ ቴክኖሎጂ ዓለም መወዳድርቱ ንዝዀነ ኦፕንኤይ ክነቅፍን ተሰሚዑ።
'ሶሮስ ፈንድ ማኔጅመንት'፡ ኣብዚ ወርሒ ካብቲ ኣብ ኩባኒያ ቴስላ ዝነበሮ ብርኪ ስሒቡ እዩ።
መስራቲ እቲ ኩባንያ ሚስተር ሶሮስ ግን ኣብ ኣሜሪካ ብየማናውያን ፖለቲከኛታት ቀጻሊ ዒላማ ክልሰ-ሓሳባት ውዲት ኰይኑ እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል'ውን ፡ ዳይሬክተር ዲጂታላዊ ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ዴቪድ ሳራንጋ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ሪትዊት ብምግባር፡ ድሕሪ'ቲ መስክ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ኣይሁዳውያን" ዝብል ቃል ዝተጠቕሙ ልዕሊ 27 ሽሕ ጽሑፋት ትዊተር ዘርእዩ ሓበሬታ ኣካፊሉ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጎርደን ብራውን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣባል ባይቶ ዕዮ ነበር ዴቪድ ሚሊባንድ፡ መስክ ዝሃቦ ርኢይቶ "ፍጹም ፍንፉን" እዩ ብምባል ክኣልዮ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ናይ ሓሶት ክስታት
ቃላት መስክ ርኡይ ክብደት ኣለዎ።
ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ሃብታማትን ጸለውትን ሰባት ዓለምና ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ወናኒ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን እዩ።
ኣብኡ ድማ ኣስታት 140 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎ። ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን ኣብ ትዊተር ናይ ሓሶት ወይ መደናገሪ ሓበሬታታት ክህብ ይስትውዓል ኣሎ።
ኣብ ቀረባ፡ እቲ ብዛዕባ ኣብ ቴክሳስ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝምልከት ተኸታታሊ ትዊታት ብኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብዛዕባ ናዕቢ ካፒቶል፣ ኲናት ዩክረይን ከምኡ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ዘለው ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዝምልከት ዝሃቦም ርኢይቶታት ነይሮም።
መስክ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቃላት ትዊታቱ ክጥንቀቕ ክፍትን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቴክሳስ መጥቃዕቲ ሸጉጥ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ግን ስነ ሓሳብ ኒዮ ናዚ ከም ዘይነበሮን ኣብ ኢንተርነት ዝጸንሖ ፕሮፋይል ድማ "ሳይ-ኦፕ" – መሰረት ዘይብሉ - ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብሉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣካፊሉ እዩ።
ዓበይቲ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ኢንተርነት ንዝጸንሐ ፕሮፋይላት ናይቲ ተኳሲ ገምጊመን ኣብ ዘረጋገጻሉን፡ ፖሊስ ቴክሳስ'ውን እቲ ውልቀሰብ ሕሉፍ እምነት ኒዮ-ናዚ ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጹ እናሃለወን እዩ መስክ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታታት ዘካፍል ነይሩ።
ምዕባለ ሰብ ሰርሖ - ብልሒ
መስክ ብተወሳኺ፡ ኦፕንኤኣይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ቴክኖሎጂ ዘማዕበለሉ ኣገባብ ውሑስ ኣይኰነን ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።
ኣቐዲሙ ብሰሉስ ኦፕንኤይ ንኽህሉ ንሱ ምኽንያት ምዃኑ ብምግላጽ ኣብቲ ቃለ መሕትት ድማ እቲ ሽም ዘውጻእኹዎ ኣነ እየ ኢሉ ኔሩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ መስክ ሓደ ካብቶም ምዕባለ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ደው ክብል ዝሓትት ደብዳበ ዝጽሓፉ ፍሉጣት ሰባት ኰይኑ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ክትትልን ክቁጽጽርን ክግበረሉ ኣለዎ ይብል።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ግን ንሱ’ውን X.AI ዝተባህለ ኩባኒያ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ፈጢሩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦፕንኤኣይ ሳም ኣልትማን ንመስክ ብቐጥታ ዝሃቦ መልሲ የለን፤ ብሰሉስ ግን ኣብ ኮሚቴ ሰኔት ኣመሪካ ቀሪቡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕብየት ኤኣይ ክቆጻጸሮ ሓቲቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







