ካብ ትዊተር ‘ዝእግደኒ የለን’፡ ዩጋንዳዊ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ

ዩጋንዳዊ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንጉዳይ መንግስቲ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ርእይቶ ከይህብ ብኣቡኡ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ መምርሒ ዝተወሃቦ ዩጋንዳዊ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ "ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ዝእግዶ" ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ንጎረቤት ሃገር ኬንያ ክወርር ምዃኑ ዘፈራርሓሉ ኣካታዒ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሶኑይ፡ "ብዛዕባ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካ ዩጋንዳን ካብ ምዝራብ" ከምዝርሕቕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ይቕረታ ሓቲቱ እንተነበረ’ኳ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ መምርሒ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ግን "ገለ ዓይነት ቀልዲ" ድዩ ክብል ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዛዕባ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዝህቦ ርእይቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምቕናዩ ይፍለጥ።

ብፍላይ ንትግራይን ኬንያን ዝመልከቱ ጽሑፋቱ ኣካታዕትን ኣዘራረብትን ኮይኖም ጸኒሖም’ዮም።

ሰንበት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም (ኣቆፃፅራ ግእዝ) ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልበይ እያ ዘላ! ንትግራይ ከፍቅርን ክሕልዋን ካብ ፈጣሪይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበኒ ትእዛዝ እዩ" ከምዝበለ ይዝከር።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ድማ "ሚኒሊክ ዳግማዊ ኣቦሓጎና እዩ። ኢትዮጵያ ኣካል ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ክትዓኑ ኣይንፈቅድን። ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፍቅር!" ክብል ካልእ ጽሑፍ ዘርጊሑ።

ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን ኣዘራራቢ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት የመልክቱ።

እቲ ጀነራል ኣብ ጥቅምቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ኣብ ዝገለፀሉ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ "ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ . . . ነቲ ዕላማኹም ይድግፎ እየ። ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ንኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕፅዑ ኣለዎም" ኢሉ ነይሩ።

ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምቁጽጻር ንዕኡን ንሰራዊቱን ክልተ ሰሙን ጥራይ ከምዝወስደሎም ኣብ ትዊተሩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ቅረታ ኣልዒሉ ከምዝነበረ’ውን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ወዱ ኣብ ትዊተር ብዝፀሓፎ ይቕረታ ​​ሓቲቱ ነይሩ።

“ኣብ ትዊተር ካብ ምጽሓፍ ይርሕቕ ኣሎ። ተዘራሪብናሉ ኢና። እቲ ጸገም ትዊተር ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ እዩ” ክብል ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንቴሌቪዥን ዩጋንዳ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካዊ ጉዳያት ዩጋንዳን ክዛረብ ከምዘይግብኦን ክዛረብ ከምዘይብሉን ወሲኹ ይገልጽ።

ሙሰቨኒ፡ ወዱ ብዛዕባ "ስፖርትን ኣካታዒ ዘይኮኑ ጉዳያትን" ጥራይ እዩ ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ዝኽእል ይብል።

እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል፡ “ኬንያውያን ጋዜጠኛታት ንኣቦይ ካብ ትዊተር ከእግደኒ ይሓቱ ከምዘለዉ ይሰምዕ ኣለኹ። እዚ ቀልዲ ድዩ? ኣነ ቆልዓ ኣይኮንኩን፡ ካብ ዝኾነ ነገር ዝዕግደኒ የለን!” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ብኣንጻሩ መንግስቲ ዩጋንዳ፡ ንርእሱ ካብቲ እቲ ጀነራል ኣብ ትዊተር ገጹ ብተኸታታሊ ዝዝርግሖም ኣካታዕቲ ጽሑፋት ከምዝርሓቐ ይፍለጥ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ፡ መንግስቲ ዩጋንዳ ምስ ኬንያ ዘለዎ ድልዱል ክልተኣዊ ዝምድና ኣኽቢሩ ከም ዝዕቀቦ ይገልጽ።