ንትዊተር ዝወዳደር ሓድሽ መተግበሪ 'ኣብ ኣርባዕተ ሰዓታት 5 ሚልዮን ሰባት መዝጊቡ' - ዘከርበርግ

ሓላፊ ሜታ ማርክ ዛከርበርግ፡ ዕላማ እቲ ትካል ዕላዊ ዝገበሮ ሓድሽ መተግበሪ፡ ንትዊተር በሊጹ ምርካብ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ስረድስ [Threads]፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ኣብ ትዊተር ብዝተገበሩ ለውጢታት ዘይተሓጎሱ ተጠቀምቲ ክስሕብ ከምዝኽል ሰብ ሞያ ይገልጹ።
እቲ ንግዚኡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ስራሕ ዘይጀመረ መተግበሪ፡ ተጠቀምቲ ክሳብ 500 ቃላት ዘለዎ ጽሑፍ ክልጥፉ ዝፈቅድ ኰይኑ፡ ምስ ትዊተር ዝመሳሰሉ ብዙሓት ትሕዝቶታት ኣለዎ።
ስረድስ ዕላዊ ምስተገበረ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዝገቡ ወናኒ ሜታ ዘከርበርግ ገሊጹ።
ቅድም ክብል እቲ ሓድሽ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ንተጠቀምቲ ምቹእ ምግባር ንተዓዋትነቱ ወሳኒ ተራ ክህልዎ እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ሓላፊ ትዊተር ኢሎን መስክ ግና፡ "ካብቲ ቃንዛኻ እትሓብአሉ ናይ ኢንስታግራም ናይ ሓሶት ሓጎስ፡ ኣብ ትዊተር ብዘይትፈልጦም ሰባት ክትጥቃዕ ብዕጽፊ ይበልጽ" ክብል መሊሱ።
እቲ ሓድሽ መተግበሪ፡ ካብ ትዊተር ዝዓቢ እንተኾይኑ ዝተሓተተ ዙከርበርግ ግዘ ክወስድ እዩ፤ እንተዀነ ልዕሊ ሓደ ቢልየን ሰባት ሓሳቦም ዝገልጽሉ መድረኽ ንክኸውን እየ ዝሓስብ" ኢሉ።
"ትዊተር ነዚ ንምግባር ዕድል ነይሩዎ፤ ጸንቂቑ ግን ኣይተጠቐመሉን።"
ካልኦት ተነሓናሕቲ፡ እቲ መተግበሪ፡ ዝጥቀሞ መጠን ሓበሬታ ኣምልኪቶም ይነቕፍዎ ኣለዉ።
ሓበሬታታት ጥዕና፡ ቍጠባን ምስ ውልቃዊ መንነት ዝተሓሓዙን ሓበሬታት ዝሓውስ እዩ።
ስረድስ፡ ኣብዚ እዋን ንዩናይትድ ኪንግደም ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ምውራድ(ዳውንሎድ ምግባር) ዝከኣል ኰይኑ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ግን ምስ ጉዳይ ቍጽጽር ሓበሬታ ተተሓሒዙ ገና ኣብ ተግባር ኣይወዓለን።
‘ፈላማይ ስርሓት’
ወናኒ ፌስቡክን ኢንታግራምን ዝዀነ ሜታ፡ እቲ ሓድሽ መተግበሪ "ፈላማይ ስርሓት" ከምዝዀነ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ምስ ከም ማስቶዶን ዝበሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ርክብ ምግባር ሓዊሱ ካልኦት ምምሕያሻት ከምዝግበረሉ ኣፍሊጡ።
ስረድስ ጽቡቓት ስርሓት ኢንስታግራም፡ ብመልክዕ ጽሑፍ ክሰፍሕ ከምዝገብር እቲ ትካል ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።
ዋላ'ኳ እቲ መተግበሪ ርእሱ ዝኸኣለ እንተዀነ፡ ተጠቀምቲ ናይ ኢንስታግራም ሒሳቦም ተጠቒሞም እዮም ዝኸፍቱ። ናይ ኢንስታግራም መንነቶም ከምዘሎዎ ኰይኑ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ዝገልጽ- ፕሮፋይል- ግን ከመሓይሽዎ ይኽእሉ።
ሜታ ኣብ መስርሓቱ ወቐሳታት ድሕሪ ምቕራቦም እዩ ነቲ ሓድሽ መተግበሪ ሰሪሑ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሜታ "ካብ ድሕነት ሰባት ከስቢ እዩ ዘቐድም" ዝብልን ቍጽጽርን ዝምልከት ወቐሳ ቀሪብዎ ነይሩ።
ብተወሳኺ ውልቃዊ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፉ ሂቡ ዝብል ክሲ እውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።
ዛጊድ ኣማራጺታት ትዊተር ዝኾኑ ከም ብሉስካይን ማስቶዶንን እኳ እንተሃለዉ፡ እኹል ተጠቀምቲ ክስሕቡ ኣይከኣሉን ነይሮም።
ስረድስ ከመይ ይሰርሕ?
ልጣፋት ካብ ስረድስ ናብ ኢንስታግራም ከምኡ እውን ብኣንጻሩ ምብጻሕ ዝከኣል ኮይኑ፡ ፈለግ (ሊንክስ)፣ ፎቶን ክሳብ ሓሙሽተ ደቒቓ ዝነውሕ ቪድዮን ምልጣፍ ይከኣል።
ኰይኑ ግን ገለ ካብቶም ብረቡዕ ዝተመዝገቡ ፈላሞት ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ፡ ፎቶ ኣብ ምጽዓን ጸገም ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።
ተጠቀምቲ ካብ ዝስዕብዎም ሰባትን ኣድለይቲ ዝበሃሉን ትሕዝቶታት ናብ ገጻቶም ይውሕዙ፡፡ ሜታ ነዞም ልጣፋት 'ስረድስ' ኢሉ እዩ ዝጽወዖም።
ኣብ ትሕዝቶታት ዝጠቕስዎም ሰባት ክቈጻጸሩን ግብረ መልስታት ክመምዩን ይኽእሉ።
ዘይምስዓብ፡ ምዕጻው (ብሎክ ምግባር)፡ ገደብ ምግባርን ምሕባርን እውን ይከኣል። ኣብ ኢንስንታግራም ብሎክ ዝተገበረ ካብ ስረድስ እውን ብቐጥታ ይእለ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







