ኣሜሪካ፡ ካብታ ትሕመስ ዘላ ሀይቲ ዜጋታታ ብፍሉይ በረራታት ከተውጽእ’ያ

ኣብ ሃይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብታ ብጉጅለታት ወረበላ እትሳቐ ዘላ ሀይቲ ዜጋታቱ ብፍሉይ በረራታት ከምዘውጽእ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ፤ ካብታ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣስታት 200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካፕ-ሀይቲን ነቶም መውጽኢ ዘይብሎም ኣመሪካውያን በረራ ክህሉ ምዃኑ ንዜጋታት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ መልእኽቲ፡ እቲ በረራ ዝፍጸም ኩነታት ጸጥታ ካፕ-ሃይሽያን ምስ ዝረጋገአ ጥራይ ምዃኑን ዜጋታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብታ ነፋሪት ክድይቡ ከምዝኽእሉን እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ ድሮ ኣብ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዘይተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ካብታ ሃገር ኣውጺኣቶም’ያ።

ኣብታ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሀይቲ፡ ናዕቢ እናገደደ ብምኻዱ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም ይርከቡ።

ፖሊስ ነቲ ብጉጅለታት ዝመሓደር ከባቢታት እታ ከተማ ዳግማይ ክቆጻጸሮን ንመራሒ ጕጅለታት ጂሚ ቸሪሰር ክኣስሮን ይጽዕር ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሀይቲ ሊዮነል ላዛሬ ብሰኑይ ብፖሊስ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ሓያሎ ሸፋቱ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ካልእ ስርሒት ኣንጻር እቲ ባርቤኪው ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ጂሚ ቸሪዘር ዝምራሕ ጕጅለ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ብዘካየዶ ስርሒታት ሓያለ በቶም ወረበላታት ተዓጽዩ ዝነበረ ጽርግያታት ከምዘኽፈተን ብዙሕ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዝመንዘዐን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንምንጭታት መንግስቲ ሀይቲ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ፡ ፖሊስ ንቐንዲ ወደብ እታ ርእሰ ከተማ ካብቶም ጕጅለታት ነጻ ንምውጻእ፡ ካልእ ስርሒት ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሕጂ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት እዚ ናይ ፖሊስ ስርሒት ከም ዝፈሸለ ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሀይቲ ዝርከብ ኤምባሲታተን ዓጽየን ዜጋታተን ብኣየር የውጽኣ ኣለዋ።

ካብቶም ንሀይቲ ዘሸብሩ ዘለዉ መራሕቲ ጕጅለታት እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ባርቤኪው ዝበሃል ውልቀሰብ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ብዙሕ ጸቕጢ ፈጢሩ’ዩ።

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ጸቕጢ ብሰሉስ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገደደ ሄንሪ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ትውልዲ ዓዱ ሀይቲ ክምለስ ኣይተፈቕደሉን።

ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እትርከብ ሀይቲ 11.5 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና ብምብራቕ ምስ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ትዳወብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘይምርግጋእ፣ ምልካውነትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንሀይቲ ሰላምን ምርግጋእን ከሊኦማ ጸኒሖም’ዮም ሕጂ ከኣ ብሰንኪ እዞም ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ንርእሰ ከተማ ተቆጻጸሮም ዘለዉ ዘይውዱባት ዓዋሉ ሰላም ተባሕጒጉ ይርከብ።

ኣብ 2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ብምቕታል ንመብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ኣዕንይዎ’ዩ።