መራሒ ሰሜን ኮርያ 20 ጥይት ዘይበስዐን መካይን ሒዙ ሩስያ ኣትዩ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኪም ካብ ፒዮንግያንግ እናተፋነወ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ብባቡር ናብ ሩስያ ኣትዩ፤ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ድማ ትጽቢት ይግበር።

ክልቲኦም መራሕቲ ብፍላይ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ወሊዓቶ ዘላ ኲናት ዘድሊ ኣጽዋር ካብ ሰሜን ኮርያ እትረኽበሉ መገዲ ክዛተዩ ምዃኖም ይግለጽ።

እታ ንኪም ዝሓዘት ባቡር ዶብ ሩስያ ከምዝሰገረት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሰሜን ኮርያ ሎሚ ሰሉስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ባቡር ሕጂ ናብ ወደባዊት ከተማ ቪላዲስቮስቶክ ተምርሕ ምህላዋ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣስታት 6 ሰዓታት ክወስደላ ከምዝኽእል ይግመት።

ምስቲ መራሒ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰሜን ኮርያ ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሃገራዊ መደበር ተሌቪዥን ሰሜን ኮርያ ዝዘርግሖ ምስልታት፡ ኪም ኣብ ፒዮንግያንግ፡ ኣብ ናይ ኲናት ባቡር ኰይኑ ኣእዳው እናወዛወዘ ክፋኖ እንከሎ የርኢ።

ፒዮንግያንግ ንሩስያ ኣጽዋር ተቕርብ ድያ? ክንደይ ዝኣክል? ኣምሳያኡ ኸ ካብ ሩስያ እንታይ ትረክብ? ዝብሉ ንምዕራባውያን ዘጨነቝ ዘለዉ ሕቶታት እዮም።

ኪም ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቪላዲቮስኮቭ ዝገሸ ኣብ 2019 ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ንምርኻብ እዩ።

ኪም ሽዑ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተራኺቡ ብዘይምስምማዖም እዩ ናብ ሩስያ ኣምሪሑ።

ኪም ኣብታ ዝጓዓዘላ ዘሎ ባቡር ኲናት፡ ከባቢ 20 ዝዀና ጥይት ዘይበስዐን ድሩዓት መካይን ጽዒኑ ምህላው ምንጭታት ይገልጹ።

እዚ ከኣ እታ ባቡር ብሰንኪ ክብደት፡ ፍጥነታ ኣዝዩ ክቕንስ ከምዝገበረ ይግመት።

እታ ኪም ዝጓዓዘላ ዘሎ ባቡር ኣብዚ ሰዓት ፍጥነታ 59 ኪሜ ኣብ ሰዓት ጥራይ ምዃኑ ሞያውያን ይገልጹ።

ኣሜሪካ፡ ኪምን ፑቲንን ኣብ ጉዳይ ኣጽዋር ክሰማምዑ ምዃኖም ትገልጽ።

ሩስያ ካብ ኮርያ ሮኬታትን ካልእ ማእከላይ ደረጃ ኣጽዋርን እንተረኺባ ብገንዘብ፡ ብማዕድን ጥረ ነገርን ምግቢን ምስ ሰሜን ኮርያ ክትለዋወጥ ከምእትኽእል ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

ሩስያ 122 ሚሜ ከምኡ’ውን 152 ሚሜ ሚሳይላት ይውሕዳ ስለዘሎ፡ ነዚ ካብ ሰሜን ኮርያ ክትረክብ ትደሊ።

ኣብ ሓምለ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሾይጕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ፡ ፒዮንግያንግ ምስ ኪም ኣብ ዝተራኸበሉ ክዙን ኣጽዋር ኮርያ ተዓዚቡ እዩ።

ኪም ንፈለማ ግዜ ክዙን ኣጽዋሩ ዘርኣዮ ናይ ወጻኢ ሃገር በዓል ስልጣን፡ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ እዩ።

ስድራ ኪም ስለምንታይ’ዮም ብድሩዕ ባቡር ዝጉዓዙ?

መራሕቲ ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ክገሹ እንከለው ብባቡር ክጉዓዙ ዝምረጽ ኣይኮነን። ስድራ ኪም ግና ብዙሕ ግዜ በቲ ፍሉጥ ግን ከኣ ፍጥነት ዘይብሉ ባቡሮም ክጉዓዙ ይመርጹ።

ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ባጐኒ ኣዝዩ ድሩዕ፡ ጥይት ዘይበስዖ ስለዝኾነ፡ እቲ ባቡር ኣዝዩ ከቢድን ፍጥነት ዘይብሉን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኪም ጆንግ ኡን ናብ ቭላዲቮስቶክ - ሩስያ ዝገበሮ ጉዕዞ 20 ሰዓታት እዩ ወሲዱሉ። ኣብ 2019 ከኣ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ናብ ቬትናም ልዕሊ 60 ሰዓታት ተጓዒዙ።

ኣቦኡ ኪም ጆንግ ኢል ነፋሪት ምስቃል ይፈርሕ ምንባሩን ኣብተን ስርሓት ሶቭየት ዝኾና ነፈርቲ እምነት ከምዘይነበሮን ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ስድራ ኪም ብዛዕባ ድሕነቶም ስግኣት ስለዝነበሮም ናብ ወጻኢ ዝገብርዎ መገሻ ሓደጋ ከምዘለዎ እዩ ዝቑጸር።

ባቡራት ንምክትታል ኣጸገምቲ ክኾና እንከለዋ፡ ነፈርቲ ኣብ ኣየር ክህረማ ይኽእላ እየን።

ኣብ 2009 ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ድሕነት እቲ መገዲ ንምርግጋጽ፡ ቀቅድሚ እታ ነቲ መራሒ ሃገር ዝጸዓነት ባቡር፡ ካልእ ናይ ጸጥታ ባቡር ከምእትከይድ ይገልጽ።