ኪም ዮንግ ኡን 'ኣብ ጉዳይ ኣጽዋር ንምዝርራብ ምስ ፑቲን ክራኸብ እዩ'

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ኣብዚ ወርሒ ናብ ሩስያ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ መደብ ከምዘለዎ ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሰሜን ኮርያ ንሞስኮ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝሕግዛ ኣጽዋር ኣብ እትህበሉ ተኽእሎታት ክዘራረቡ ምዃኖም እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ልክዕ ቦታ ናይቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ኣኼባ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ብዛዕባ እቲ ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ እውን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ይዅን ሩስያ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

ምንጭታት ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ከምዝሓበርዎ፡ ኪም ብመከላኸሊ ኣብ ዝተሸፈነት ባቡር ክጓዓዝ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ኣኼባ ክካየድ ከምዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣጽዋር "ብኣድማዕነት ይካየድ" ከምዘሎ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርጌይ ሾይጉ ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት "ፒዮንግያንግ ተተኮስቲ መዳፍዕ ክትሸጠላ" ከእምና ምፍታኑ ይሕብር።

ኣብቲ ኣኼባ ንምርኢት ካብ ዝቐረቡ ኣጽዋር፡ ስግረ-ዶባዊ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ይርከቦም። ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ማዕጾኣ ንወጻእተኛታት ክትከፍት ንፈለማ እዋን'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፑቲንን ኪምን ካብ ሽዑ ጀሚሮም "ክልተኣዊ ምትሕብባሮም ከሐይሉ መረጋገጺ ዝህቡ" ደብዳበታት ከምዝተለዋወጡ ጆን ኪርቢ ሓቢሩ’ሎ።

“[ሰሜን ኮሪያ] ምስ ሩስያ ዝገበረቶ ዝርርብ ኣጽዋር ደው ክተብልን ነታ ሃገር ኣጽዋር ከይትህብን ከይትሸይጥን ዝኣተወቶ ህዝባዊ ቃል ኪዳን ክትሕሉን ንላቦ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር እንተ ኣቕሪባትላ ሃገሩ እገዳን ካልእ ስጕምቲን ክትወስድ ምዃና’ውን ኣጠንቂቝ።

ሰሜን ኮርያ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ እንታይ ግብረመልሲ ክትህብ ከምእትኽእል ንኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዘተሓሳሰበ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርጌይ ሾይጉ፡ ሃገሩ ምስ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ምስቲ ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዘካይድኦ ዝመሳሰል ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ስለያ ደቡብ ኮርያ ብሰኑይ መብርሂ ሂቡ’ሎ።

እቲ ካልእ ስግኣት ድማ ሩስያ ኣብ መጻኢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ከተቕርብ ትኽእል እያ ዝብል ይኸውን።

ካብዚ ንላዕሊ ዘተሓሳስብ ግን ኪም ዮንግ ኡን ንፑቲን፡ ኣብ መደብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝለዓለ ዝላ ንኸመዝግብ ዝሕግዞ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ወይ ፍልጠት ኣጽዋር ክህቦ ክሓቶ ይኽእል እዩ።

ይዅን እምበር እቲ ዝግበር ውዕል ካብ ስትራተጂያዊ ንላዕሊ ብገንዘብ ዝፍጸም ዕድጊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ሩስያ ኣጽዋር ከድልያ ከሎ እታ ብእገዳታት ዝተሃሰየት ሰሜን ኮርያ ድማ ገንዘብን መግብን ትደሊ'ላ።

እቲ ኣብ መንጐ ኪምን ፑቲንን ዝካየድ ርክብ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ሩስያ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ቭላዲቮስቶክ ክካየድ ከምዝኽእል ጸብጻብ ጋዜጣ ኒውዮርክ የመልክት።