ሩስያን ኢራንን ኣብ ድግስ ሽልማት ኖቤል ከይርከባ ተኣጊደን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፋውንዴሽን ኖቤል፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት ሩስያ፡ ቤላሩስን ኢራንን ንክሳተፋ ዝገበሮ ዕድመ ከም ዝሰሓበ ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት እቲ ፋውንዴሽን እተን ሃገራት ኣብ ድግስ ሽልማት ኖቤል ክሳተፋ ዳግማይ ዓዲሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
ሩስያን መሻርኽታ ቤላሩስን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣብ ስነስርዓት ሽልማት ክይሳተፋ ተኣጊደን ነይረን። ኢራን’ውን ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ መዘገብ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣይተዓደመትን።
እንተዀነ ፋውንዴሽን ኖቤል፡ ነዘን ሃገራት ንምዕዳም ዝወሰዶ ውሳነ ብዙሕ ነቐፌታ ስዒቡ ነቲ ዕድመ ከም ዝሰሓበ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ ሓያል ግብረ መልሲ ኣለሊና" ክብል እቲ ፋውንዴሽን ገሊጹ።
ዩክረይን ነቲ ውሳነ ነቒፋቶ ነይራ፡ ነቲ ምስሓብ ድማ "ዓወት ንሰብኣውነት" ክትብል ንኢዳቶ ኣላ።
እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት፡ ኣብ ስቶክሆልም 10 ታሕሳስ ከም ዝኽሪ ሞት መስራቲ እቲ ፈንድ ዝዀነ ኣልፍሬድ ኖቤል እዩ ዝካየድ።
ንጉስ ሽወደን ብሕክምና፣ ፊዚክስ፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ቁጠባን ኣብ ዝርከብዎም ዓውድታት ክሽልም እንከሎ ስነ-ስርዓት ሽልማት ሰላም ኖቤል ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ይካየድ።
ፋውንዴሽን ኖቤል ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሽልማት ኖቤል ዝኣምነሎም ክብርታትን መልእኽትታትን ብዝተኻእለ መጠን ብሰፊሑ ምብጻሕ ኣገዳሲን ቅኑዕን'ዩ” ብምባል ነተን ሃገራት ንምዕዳም ዝወሰዶ ውሳነ ተኸላኺሉ።
“ንኣብነት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ንጹር ፖለቲካዊ መልእኽቲ፡ ንሩስያውንን ንቤላሩሳውያንን ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ'ውን ንገበናት ኲናት ሩስያ ኣብ ምስናድ ንዝሰርሑ ዩክሬናውያን” ሽልማት ሰላም ከም ዝሃበ ኣዘኻኺሩ።
ነቲ ውሳነ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ግን 'ነዚ መልእኽቲ ከም ዝዓብለሎ' ተኣሚኑ።
"ስለዚ ንሕና፡ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዘይስሩዕ ተግባር ክንደግሞ ንመርጽ - ማለት ንኣምባሳደራት ሩስያ፣ ቤላሩስን ኢራንን ናብቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ኣይንዕድምን። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር፡ ኩሎም ኣምባሳደራት ኣብ'ቲ ኣብ ኦስሎ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክዕደሙ እዮም" ክብል ገሊጹ።
እቲ ብቀዳም ዝወጸ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣካል ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሽወደን ተወሳኺ ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ መልእኽቲ መልሲ ኣይሃበን።
እቲ ስክፍታ ኣብቲ "ኩለን ብዲሞክራስያዊ መረጻ ኣብ ሽወደን ባይቶኣዊ ውክልና ዘለወን ውድባት" ዝብል ዕድመ ዘማእከለ እዩ።
እዚ ድማ፡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ሽወደን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ሰልፊ ናብታ ሃገር ዝግበር ስደት ዝቃወምን ብደገፍቲ ናዚ ዝተመስረተን’ዩ።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ኣስታት 20 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረኸበ ይዝከር።
ንመጀመርታ ግዜ ዝተዓደመ መራሒ እቲ ሰልፊ ጂሚ ኣከሶን፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ ኣሎ።
"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኣብታ መዓልቲ ብዙሕ ስራሕ ኣለኒ" ክብል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







