ሩስያዊ ተሸላሚ ኖቤል፡ ሽልማቱ ክነጽግ ስበስልጣን ሃገሩ 'መኺሮሞ'

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሩስያዊ ሓባራዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት፡ ሰበስልጣን ክረምሊን ነቲ ሽልማት ክነጽጐ ከም ዘለዎ ከም ዝዝመኸርዎ ገሊጹ።
‘ሜሞርያል’ ንዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ዝመርሕ ዝነበረ ያን ራቺንስኪ፡ እቶም ምስኡ ሓቢሮም ነቲ ሽልማት ዝተረቝሑ ክልተ፤ ዩክሬናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት ቤላሩስን - "ዘይግብኦም" ክትብል ሩስያ ስለዝተቘጸረቶም፡ እቲ ሩስያዊ ነቲ ሽልማት ከይቅበሎ ከምዝተነግሮ ገሊጹ።
ሜሞርያል ሓደ ካብቶም ገዳይም ትካላት ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት ሩስያ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ከም ዝተዓጽወ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን።
ሚስተር ራቺንስኪ ምስ ‘ቢቢሲ ሃርድቶክ’ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መጠይቕ፡ ትካሉ ነቲ ሽልማት ክነጽጐ ‘ምኽሪ’ ከም ዝተቐበለ ብምግላጽ፡ እዚ ግን "ባህሪያዊ እዩ፤ እንተዀነ ነዚ ምኽሪ’ዚ ኣቓልቦ ዝህቦ ግን የለን" ኢሉ።
ራቺንስኪ፡ ዋላ'ኳ ንድሕነቱ ሓደጋ እንተጋጠሞ፡ ስርሓት ትካል ሜሞርያል ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣብዛ ናይ ሎሚ ሩስያ፡ ድሕነት ዝኾነ ውልቀሰብ ሰብ ውሑስ ኣይኰነን" ብምባል፡ "እወ. . . ብዙሓት ተቐቲሎም እዮም፣ ተሓታትነት ዘይምህላው ግን መንግስቲ ናበይ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፤.. ካብዚ ጉድጓድ’ዚ ብዝዀነ መንገዲ ክንወጽእ ኣለና።"
ቀዳማይ ኣቦ መንበር ሜሞርያል፡ ኣርሰኒ ሮጂንስኪ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘካየዶ "ጸረ ኮሚኒስት" ዝዀነ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ናብ መዓስከራት ግዱድ ዕዮ ሕብረት ሶቭየት ተላኢኹ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ነቶም ተዓወትቲ ሽልማት ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ሜሞርያል "ሓደስቲ ገበናት ንምክልኻል ንዝሓለፉ ገበናት ምግጣም ኣገዳሲ እዩ" ብዝብል ሓሳብ ዝተመስረተ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ሚስተር ራቺንስኪ፡ እቲ ኮሚተ ነቲ ሽልማት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ተሸለምቲ ክወሃብ ዝወሰዶ ውሳነ "ዝድነቕ" ክብል ገሊጽዎ።
"ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ብዶብ ሃገራት ከምዘይመቓቐል፡ ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ዝሰርሕ ሓደ ኣካል ምዃኑ" መርትዖ እዩ ኢሉ።
እንተዀነ፡ ሓደ ሩስያዊ ምስቶም ካልኦት ተሸልምቲ ምርቍሑ ዝተወሰደ ውሳነ ኣካታዒ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ንማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክረይን እተካይድ ሓንቲ ካብቶም ተዓወትቲ ሽልማት ዝዀነት ዩክሬናዊት ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ’ውን ኣብ ጐድኒ ሚስተር ራቺንስኪ ኰይና ቃለመጠይቕ ምግባር ኣብያ እያ።
ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ኣብ ዩክረይን ዲሞክራሲ ንምድንፋዕን ኣብታ ሃገር ብሩስያ ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት ኲናት ብምምርማር ብዝሰርሖ ስራሕ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዩክሬናዊ ትካል እዩ።
ሚስ ማትቪቹክ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦት ሩስያውያንን ኣብ ዩክረይን ብዝወሰድዎ ተግባራት ተሓተትቲ ንምግባር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እኹል ስለዘይኰነ ሓድሽ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐውም ጸዊዓ።
"እቲ ሕቶ፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ግዳያት ገበናት ኲናት መን ፍትሒ ይሃቦም? ዝብል'ዩ፡" ኢላ።
ብተወሳኺ ሩስያ ነቲ ኲናት ከም መሳርሒ ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታታ ንምዕዋት ትጥቀመሉ ከምዘላን፡ ኣብኡ ንኽትዕወት ድማ ገበናት ኲናት ትፍጽም ኣላ ክትብል ከሲሳ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሳልሳይ ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም፡ ካብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ሃገሩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቤላሩስያዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣለስ ቢያልያትስኪ እዩ።
ንሱ መስራቲ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ቪያስና (ጽድያ) እታ ሃገር ኰይኑ፡ እቲ ማእከል፡ ምልካዊ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ ጐደናታት ንዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ብጭካነ ንምጭፍላቕ ንዝወሰዶ ስጕምቲታት ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ 1996 ዝተመስረተ እዩ።
ቢያልያትስኪ ቅድሚ ሕጂ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ 2014 ተፈቲሑ።
ሚስ ማትቪቹክ፡ ነዚ ቤላሩስያዊ መተዓውትታ፡ "ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ስለዝኾነ፡ ቃልሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ’ውን ክቕጽሎ'ዩ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







