ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 ዕላዊ ኰይኖም

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ዓርቢ ንጎሆ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 ዕላዊ ተገይሩ'ሎ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ እቲ ሽልማት ንሓደ ኣክቲቪስትን ኣብ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ክልተ ሲቪላዊ ትካላትን ብሓባር ከምዝተውሃበ ተፈሊጡ።
እቶም ሰለስተ ተዓወትቲ ኣለስ ቢያሊያትስኪ፡ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬንን ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ዝኾነ ሚሞሪያል ኮይኖም ኣለዉ።
ሓላፊት ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ በሪት ራይስ-ኣንደርሰን፡ እቶም ተዓወትቲ ኣብ ቤላሩስ፡ ሩስያን ዩክሬንን "ብሉጻት ሻምፕዮናት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን" ምዃኖም ገሊጻ።
እቶም ተቐበልቲ ሽልማት፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት "ሰላምን ሕውነትን ምስፋን" ዝብል ራእይ እቲ መስራቲ ኣልፍሬድ ኖቤል ከምዘኽበሩ ይግለጽ።
እዚ ራእይ፡ "ሎሚ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘድሊ ራእይ" ክትብል እታ ሓላፊት ቅድሚ መደረኣ ምዕጻዋ ተዛሪባ።
ቢያሊያትስኪ፡ ንናይ ተቓውሞ ስጉምቲ ምላሽ ንምሃብ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝመስረተ ቤላሩስያዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ኣብ 2007 ዝተመስረተ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት: ኣብታ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ስደት ዝተኸታተለን ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ዝሰነደን ትካል እዩ።
እቲ ዩክሬናዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ እቲ ሽልማት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ‘ሓበን’ ከምዝተሰምዖ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተዓጽወ ሚሞሪያል፡ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዘመነ ሶቭየት ዝተቐትሉ፡ ዝተኣስሩ ወይ ዝተሳደዱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰባት ክጥጥዕ ከምዝሰርሐ ይፍለጥ።
እዚ ሽልማት፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ርኡይ ክብሪ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ እቶም ተዓወትቲ ድማ 10 ሚልዮን ሽወደናዊ ክሮና (897,000 ዶላር) ዝግመት ሽልማት ገንዘብ ክካፈሉ እዮም።
እዚ ሽልማት ሰላም ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝጸንሐ ስነ ስርዓት ሽልማት ኖቤል ዝዛዘም እዩ።
ሽልማት ኖቤል
ሽልማት ኖቤል፡ ኣብ ዓውድታት ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ፡ ሕክምና፡ ስነ-ጽሑፍን ሰላምን ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ "ንወዲ ሰብ ዘርብሕ ነገራት ዘበርከቱ" ሰባት ዓመታዊ ዝወሃብ እዩ።
እቲ ሽም፡ ካብቲ ነዚ ሽልማት ዝመስረተ ሽወደናዊ ነጋዳይ - መሃዚ ዳይናሚት ቦምብ - ኣልፍረድ ኖቤል ዝተወስደ እዩ።
ንሱ፡ ዝበዝሕ ሃብቱ ኣብ ሓደ ማዕከን ገዲፉ ነቲ ሽልማት ኣበገሰ፤ ኣብ 1901 ከኣ እዚ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ተዋህበ።
ኣብ 1968 ድማ ብማእከላይ ባንክ ሽወደን ሽልማት ስነቝጠባ ተወሲኽዎ እቲ ዓውድታት ሽልማት ዓበዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ Nobelpeace.org ፡ ካብ 1901 - 2021 ሽልማት ኖቤልን ሽልማት ስቨሪጅስ ሪክስ ባንክን ኣብ ዓውዲ ቝጠባ፡ ንዝኽሪ ኣልፍረድ ኖቤል ብድምር ን943 ውልቀሰባትን 25 ትካላትን ከም ዝተዋህበ ሰፊሩ’ሎ።
ኖብል ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፡ 58 ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ሸሊሙ።
ኣብ ታሪኽ ኖቤል፡ ነቲ ሽልማት ዝነጸጉ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዣን ፖል ሳርተን መራሒ ቬትናም ለ ዱክ ቶን ጥራይ እዮም።
ሽልማት ኖቤል ሰላም
ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ እዚ ኣብ ዓለም ብፍሉይ ክብሪ ዝረአ ሽልማት ኖቤል ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ሽዱሽተ ሽልማታት ዓለም እዩ።
"ኣብ መንጐ ሃገራት/ኣህዛብ ሕብረት ንምስጓም፡ ኣጽዋራት ንምንካይ ወይ ንምዕናው፡ ከምኡ'ውን ጉባኤታት ሰላም ንምምስራትን ንምድንፋዕን" ዝከኣሎ ንዝሰርሐ ሰብ ወይ ትካል ይወሃብ።
ይኹን እምበር እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ብሰንኪ እቲ ፖለቲካዊ ባህሪ ልዕሊ ካብቶም ካልኦት ሓሙሽተ ዓውድታት ሽልማት ዝያዳ ኣካታዒ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክትዕ ካብዘልዓሉ ተሸለምቲ ኖቤል፡ ኣብይ ኣሕመድ፣ ባራክ ኦባማ፣ ያሰር ዓራፋት፣ አንግ ሳን ሱቺ፣ ዋንጋሪ ማታይን ሄንሪ ኪሲንጀርን ይርከቡ።
እቲ ሽልማት ኖቤል፡ ንገለ ሰባት ብምግላፍን ምግላልን እውን ይውቀስ እዩ። ንኣብነት፡ ማህተመ ጋንዲ ሽልማት ኖቤል ከይተሸለመ ምትራፉ ኣዝዩ ኣደናቕን ኣዘራራብን ነገር እዩ።
እቶም ኣብዚ ዓመት ዝተሸለሙ ተዓወትቲ መን እዮም
ኣለስ ቢያሊያትስኪ
ኣለስ ቢያሊያትስኪ ፍሉጥ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቤላሩስ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ፍርዲኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዙ ይርከብ።
እቲ ወዲ 60 ዓመት ቢያሊያትስኪ፡ ኣብ 1996 ኣረሜናዊ ስጉምቲታት ምልካዊ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ዝቃወም ትካል ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ቪያስና መስሪቱ እዩ።
ቪያስና፡ ብሰበስልጣን ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝፍጸም ዝነበረ ስቅያት ብምስናድ ነቶም ኣብቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰልፈኛታትን ስድራቤታቶምን ደገፍ ከምዝሃበ ይፍለጥ።
ሓላፊት ኮሚቴ ኖቤል በሪት ራይስ-ኣንደርሰን፡ ተዓወትቲ እቲ ሽልማት ኣብዝገለጸትሉ እዋን፡ "ኣብ ሃገሩ ዲሞክራስን ሰላማዊ ምዕባለን ንምድንፋዕ ህይወቱ ወፍዩ'ዩ" ኢላ ገሊጻቶ’ያ።
ብዙሕ ኣህጉራዊ ሽልማታት ሰብኣዊ መሰላት ዝረኸበ ቢያሊያትስኪ፡ ኣብ 2011 ምጭብርባር ግብሪ ተፈሪድዎ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ። እሱን ነቲ ክሲ ወትሩ ይኽሕዶ።
ሚስተር ሉካሸንኮ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ምትላል መረጻ እዩ ብዝብል ሰፊሕ ናይ ጎደና ተቓውሞታት ስዒቡ ኣብ 2020 መሊሱ ተኣሲሩ።
ራይስ-ኣንደርሰን፡ "ሰበስልጣን መንግስቲ ንኣለስ ቢያሊያትስኪ ስቕ ክብሉ ብተደጋጋሚ ጻዕሪ ጌሮም'ዮም" ትብል።
ወሲኻ’ውን፡ "ዋላ'ኳ ዓቢ ውልቃዊ ጸገም እንተሃለዎ፡ ሚስተር ቢያሊያትስኪ ኣብ ቤላሩስ ንሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ሓንቲ ኢንች'ውን ኢዱ ኣይሃበን" ኢላ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምእሳሩ፡ ቢያሊያትስኪ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ሰበስልጣን ቤላሩስ "ስርዓት ጎበጣ ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ህሉው ጥዕና ቢያሊያትስኪ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ኣይተፈልጠን።

ምንጪ ስእሊ, ALES BIALIATSKI/FACEBOOK
ምዕራባውያን ናይ መወዳእታ ውልቀ መላኺ ኤውሮጳ ዝብልዎ ሚስተር ሉካሸንኮ፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ንቤላሩስ ብጭቆናን ብዘይ ርህራሄን እናገዝ ይርከብ።
ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ዝኾነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መሬት ቤላሩስ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ሚሳይላት ንክፍጽም፡ ወራር ሞስኮ ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ናይ ምድሪ ሰራዊትን መኽዘንኣጽዋርን ሩስያ ናብ ቤላሩስ ንክሰድድን ክፈቅድ ጸኒሑ’ዩ።
ቤላሩስ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣለስ ቢያሊያትስኪ ኣውጊዛቶ’ያ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኖቤል፡ ብሰንኪ እቲ ውሳነ፡ መቓብር ናይቲ መስራቲ እቲ ክቡር ሽልማት ይግልብጥ ከምዘሎ ገሊጹ።
ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬን
ሓደ ካብቶም ሓባራዊ ተዓወትቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬን ከብ መንጎ እቶም ኣብ ዩክሬን ዝፍለጡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት’ዩ።
ካብ ኣባላት ሶቭየት ነበር ዝኾነ ትሽዓተ ሃገራትዝመጹ መራሕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኪየቭ ስግረ-ዶባዊ ማእከል ደገፍ ሃብቲ ክፈጥሩ ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን ኣብ 2007 ዝተመስረተ እዩ።
ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ድማ ኣብታ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ስቅያት ክከታተልን ክስንድን ጸኒሑ።
ኣብ ዶንባስ ኣብ ዝነበረ ኲናት ገበናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ሰኒዱ፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክረምሊን ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ጎስጓሳት ኣካይዱ’ዩ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት፡ ሩስያ ኣብልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ገበናት ኲናት ኣብ ምልላይን ምስናድንተዋፊሩ ይርከብ።
ሚሞሪያል
ሓደ ካብቶም ሓባራዊ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝረኸቡ ሚሞሪያል፡ ካብ መንጎ እቶም ዝጸንሑ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍርዳዊ ኣካል ሩስያ ክፈርስ ከሎ፡ ሩስያ ንሲቪላዊ ማሕበረሰባት እታ ሃገር ከምትዓጹ ዘርኢ ካልእ ምልክት'ዩ ነይሩ።
ስርሑ ካብ መወዳእታ 1980ታት ዝጀመረ ሚሞሪያል፡ ኣብ ራዕዲ ምልካዊ ስርዓት ጆሴፍ ስታሊንን ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ዘመነ ሶቭየትን ዘተኮረ እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ክውንነት ዓፈና ሶቭየትን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተፈጸመ ብዙሕ ምግሃስ መሰላትን ንምቕላዕ ሓጊዙ’ዩ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ውድቀት ኮሚኒዝም ዝረኣየ ቭላድሚር ፑቲን ግን፡ ሚሞሪያል ንገበናት ናይቲ ፑቲን ክውድሶ ዝደለየ ሕሉፍ ብምቅላዕ ዕንቅፋት ኮይኑ።
ስለዚ ድማ እዮም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚሞሪያል ብዘመነ ስታሊን ህይወቶም ንዝተጎድአ ሚልዮናት ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝ ዘለዎ ሓቀኛ ተራ ዘይኮነስ፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ይጥምዝዝ ኣሎ ኢሎም ዝኸሰሱ።
ኣብዚ ዓመት ንሚሞሪያል ሽልማት ምሃብ፡ ካብቲ ኣብ 2021 ንኣሰናዳኢ ሊበራል ሩስያዊ ጋዜጣ ዲሚትሪ ሙራቶቭ ንምሽላም ዝተወስደ ውሳነ ዝፍለ ኣይኮነን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዜጣ ዲሚትሪ ኣይትሕተምን እያ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይሞተትን። ፑቲን ንሚሞሪያል ከጥፍዕ እንተደለየ’ውን ሚሞሪያል ግን ኣይክጠፍእን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







