ቤላሩስ ነቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ን10 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዳቶ

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኣሌስ ቢያልያስኪን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቤት ፍርዲ ቤላሩስ ንተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኣሌስ ቢያልያስኪን ንዓሰርተ ዓመት ክእሰር ፈሪድዎ።

ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቭያስና፡ ኣሌስ ገንዘብ ብምስግጋርን ህዝባዊ ሰላም ዝግህስ ንጥፈታት ብምድጋፍን ገበነኛ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

ደገፍቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ብወገኖም፡ ስርዓት ዓፋኒ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ፡ ጸጥ ከብሎ ይፍትን ኣሎ ክብሉ ነቒፎም።

ኣለስ ቢያልያስኪን ሓደ ካብቶም ሰለስተ ተዓወቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 እዩ።

ኣሌስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ብዝተፈጸመ ምትላል ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓውሞኦም ድሕሪ ምግላጾም እዩ ተኣሲሩ።

ንሱ፡ ንናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ንምድጋፍ ናብ ቤላሩስ ገንዘብ ከምዘመሓላለፈ እውን ተኸሲሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንውጽኢት ምርጫ 2020 ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ፖሊስ ናይ ጭካነ ምላሽ ከምዝሃቡን፡ ብዙሓት ነቐፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት እውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ገሊጹ።

ኣለስ ምስ ክልተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቫለንታይን ስቴፋኖቪችን ቭላድሚር ላብኮቪችን እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ስቴፋኖቪች ትሽዓተ ዓመት ክእሰር እንከሎ፡ ላብኮቪች ድማ ንሸውዓተ ዓመት ክእሰር ከምዝተፈርደ፡ ኣብ 1996 ዝተመስረተ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ቪያስና ይሕብር።

ሰለስቲኦም ንቤት ፍርዲ ገበን ከምዘይብሎም እዮም ተዛሪቦም።

በዓልቲ ቤት ኣለስ ነቲ ፍርዲ "ኣንጻር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስርሖምን"፡ እቲ ፍርዲ ድማ "ኣረሜናዊ" ክብል ገሊጻቶ።

"ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ኩሉ ጽቡቕ'ዩ ይብል" ትብል በዓል ቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸሓፎም ደብዳቤታት ብምጥቃስ።

“ብዛዕባ ጥዕንኡ ፈጺሙ ኣየማርርን እዩ። ንኸየሕርቐኒ ይጽዕር” ትብል።

ወሃቢት ቃል ቭያስና ዝኾነት ኮስትያ ስታርዱቤትስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተዋህበ ፍርዲ "ልቢ ዝሰብር" እዩ ኢላ።

ኣደ መንበር ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ በሪት ሪስ-ኣንደርሰን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣለስ ዝተዋህበ ፍርዲ ዘሕዝን ምዃኑን፡ እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ምዃኑን ገሊጻ።

ኣለስ ኣብ ቤላሩስ ገዲም ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

እዚ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1996 ኣንጻር እቶም ክሳብ ሕጂ ንቤላሩስ ክመርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ዝቃወሙ ሰባት ዝተመስረተ እዩ።