ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ንነብሱ ብሓዊ ዘቓጸለ ደጋፊ ፍሊስጤም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ደጋፊ ፍሊስጤም ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ ቆንስል እስራኤል ተቃውምኡ ንምስማዕ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሉ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝርከብ ዝሓበረ ፖሊስ ነቲ ፍጻመ “ጫፍ ዝበጽሐ ፖለቲካዊ ተቓውሞ” ክብል ገሊጽዎ።
ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እቲ ሰልፈኛ ነዳዲ ከምዝተጠቐመን ኣብቲ ቦታ ባንዴራ ፍልስጤም ከም ዝተረኽበትን ሓቢሩ።
ጾታን ዕድመን ናይቲ ሰብ ዛጊድ ኣይተነጸረን። ጣልቃ ክኣቱ ዝፈተነ ሓላዊ ጸጥታ እውን ቆሲሉ።
እቲ ሰልፈኛ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 12፡17 ናብቲ ቦታ ከምዝበጽሐ ፖሊስ ሓቢሩ።
ሓላፊ ፖሊስ ኣትላንታ ዳሪን ሺርባም፡ "እዚ ህንጻ ውሑስ ኮይኑ ከምዘሎ ንኣምን፡ ኣብዚ ድማ ዝኾነ ሓደጋ ኣይክንርእን ዘለና" ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ "እዚ ተግባር ናይ ፖለቲካ ተቓውሞ'ዩ ነይሩ ኢልና ኢና ንኣምን።" ኢሉ።
እቲ ዋርድያ ኣብ ኢዱን እግሩን ቃጸሎ ከምዘጋጠሞ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣትላንታ ሮደሪክ ስሚዝ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
እቲ ሰልፈኛን እቲ ዋርድያን ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ሓላፊት ቆንስል እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣሜሪካ፡ ኣናት ሱልጣን-ዳዶን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት "ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝተፈጸመ ነብሰ ምቅጻል ከምዘሕዝኖ" ድሕሪ ምግላጽ "ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘሎ ጽልእን ምልዕዓልን ብኸምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ መንገዲ ክግለጽ ምርኣይ ዘሕዝን'ዩ" ክትብል ወሲኻ።
እታ ሓላፊት ብምስዓብ "ጸሎትና ምስቲ ነዚ ዘሕዝን ተግባር ንምክልኻል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ዝተጎድአ ሓላፊ ጸጥታ እዩ”ድማ ኢላ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ ናይ 7 መዓልታት ተኹሲ ደው ምባል፡ ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ዳግማይ ውግእ ተጀሚሩ።
ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ 1200 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ካልኦት ኣስታት 240 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስርሒት ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እቲ ኲናት ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ዝድግፍ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣስዒቡ'ሎ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ጸረ-ሴማውያንን ጸረ እስልምናን ናይ ጽልኢ ዘረባታት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ብ16 ሕዳር፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እስራኤልን ደገፍቲ ፍልስጤምን ሰልፈኛታት ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት፡ ኣብ ካሊፎርንያ ብሞት ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ግዳይ ወዲ 69 ዓመት ማርቲን ኬስለር ዝተብሃል እስራኤላዊ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ዝነበረ ባእሲ ድሕሪ ምውዳቒ ንጽባሓይቱ'ዩ ሞይቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







