ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ ንእስራኤል ዘገርሀ ሓይሊ ብኸመይ ሃኒፅዎ?

እቲ ፈላማይ ካብቶም 'ስጡም ዓንዲ' ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦም ልምመዳት

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM

መግለጺ ስእሊ, እቲ ፈላማይ ካብቶም 'ስጡም ዓንዲ' ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦም ልምመዳት

ሓሙሽተ ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ምስ ሓማስ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ብሓባር ድሕሪ ምግባሮም፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ትንታነ ቢቢሲ ኒውስ ኣመልኪቱ።

እቶም ጉጅለታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ንዕኡ ኣብ ዝመሳሳል ከባብታት፡ ካብቲ ምስ እስራኤል ዘሎ ሓጹር ትሕቲ 1 ኪ.ሜ (0.6 ማይልስ) ኣብ ዝርከብ ቦታ ሓዊሱ - ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ምስልታት ዘርጊሖምዎ።

ኣብዚ ልምምዳት ጅሆ ምውሳድ፣ ቀጽሪ ምውራርን ሓፁር እስራኤል ምፍራስን ስልጢኖም።

እቲ ናይ መወዳእታ ልምምድ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ 25 መዓልታት እዩ ተኻይዱ።

ቢቢሲ ዓረብን ቢቢሲ ቨሪፋይን፡ ሓማስ ንካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ቓዛ ኣኪቡ፡ ኣገባብ ውግኦም ብኸመይ ከምዘሐየለ- ኣብ መወዳእታ ድማ ብኸመይ ኣብ እስራኤል ወፍሪ ከምዝፈጸመ ዘርኢ መርትዖታት ኣኪቦም ኣለዉ።

'ምልክት ሓድነት'

ብ29 ታሕሳስ 2020፡ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየህ፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ኣርባዕተ ልምምዳት፡ 'ሓያል ዓንዲ' ብዝብል ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ውድባት ቓዛ "ምልክት ዱልዱል ሓድነት" ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሓማስ ካብ ዕጡቓት ጉጅለታት ቓዛ ዝሓየለ ብምዃኑ፡ ንኻልኦት 10 ውድባት ፍልስጤም ኣብ ሓደ "ናይ ሓባር ስርሒት ክፍሊ" ቅዲ- ኲናት ዝመስል ልምምድ ኣብ ዝተገብረ ልፍንቲ ዓብላሊ ሓይሊ ዀይኑ እዩ ተዋሲኡ።

እቲ መሓውር፡ ኣብ 2018 ኣብ ትሕቲ ሓደ ምእኹል እዚ ንዝርከቡ ዕጡቓት ውድባት ቓዛ ንምውህሃድ ዝተጣየሸ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ 2018፡ ሓማስ ምስቲ ካልኣይ ዝዓበየ ዕጡቕ ውድብ ቓዛን - ልክዕ ከም ሓማስ - ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ዝተበየነን፡ ውድብ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ (PIJ) ብወግዒ ተወሃሂዱ ነይሩ።

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ግጭታት እውን፡ጎና ጎኒ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ኮይኑ ተቓሊሱ ነይሩ።

እንተኾነ ግን እቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ልምምድ፡ ብዙሓት ጉጅለታት ይሓብሩ ከምዘለዉ ንፕሮፖጋንዳ ረብሓ’ውን ዝወዓለ እዩ ነይሩ።

መራሒ ሓማስ፡ እቲ ቀዳማይ ልምምድ "ዘልኣለማዊ ድልውነት" ናይቶም ዕጡቓት ውድባት ዘንጸባርቕ እዩ ኢሉ።

እቲ ናይ 2020 ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ኣርባዕተ ናይ ሓባር ልምምዳት እቲ ቀዳማይ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ህዝባዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዘርግሑ ቪድዮታት ተሰኒዶም።

ቢቢሲ ኣብ ናይ መልእኽቲ መተግበሪ ቴሌግራም ኣብ ዝተለጠፈ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ መለለዪ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለታት ኣስተብሂሉ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓሙሽተ ካብቶም ጉጅለታት ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉ ዘርኢ ቪድዮታት ለጢፎም።

ካልኦት ሰለስተ ድማ፡ ኣብ’ቲ ወፍሪ ምስታፎም ኣብ ቴሌግራም ብጽሑፍ መግለጺታት ኣውጺኦም እዮም።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ብኻልኦት ውድባት ከም ጅሆ ካብ እስራኤል ዝተትሓዙ ዓሰርተታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንምድሓን ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ተራ ናይዞም ጉጅለታት ናብ ዓብዪ ትኹረት ኣትዩ ይርከብ።

ሰለስተ ጉጅለታት - ፒ.ኣይ.ጀይ፣ ብርጌዳት ሙጃሂዲንን ብርጌድ ኣልናሰር ሳላሕ ኣልዲንን - ኣብታ መዓልቲ ንእስራኤላውያን ጅሆ ከምዝሓዙ ይዛረቡ።

ኣብ ቓዛ ተኣዊጁ ዘሎ ግዝያዊ ምቁራፅ ተኹሲ፡ ንምንዋሕ ዝግበር ጻዕሪ፡ ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ኣብ ምድላይ ከምዝተመርኮሰ ይግለጽ።

እዞም ጉጅለታት ካብ ተሪር እስላማዊ ክሳብ ብተዛማዲ ዓለማዊ ዝበጽሕ ሰፊሕ ስነ-ሓሳባዊ ኣፈላላያት ዘለዎም ኰይኖም፡ ኩሎም ግን ብሓደ ነገር ይስማምዑ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመጽ ምጥቃም።

ሓማስ ብተደጋጋሚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ቓዛ ‘ሓድነት’ ዝብል ቴማ ኣስሚሩሉ።

እቲ ጉጅለ ኣብቲ ናይ ሓባር ልምምድ ማዕረ መሻርኽቲ ምዃኖም ሓሳብ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ውጥናት ምጥቃዕ እስራኤል ድማ መሪሕ ተራ ምጽዋቱ ቀጺሉ።

ካብቲ ቀዳማይ ልምምድ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ማስኬራ ዝገበሩ ኣዘዝቲ ነቲ ልምምድ ከካይዱ ዘርኢ ኮይኑ፡ ብሮኬት ተኹሲ ይጅምር።

ብብዝሒ ዕጡቓት ተዋጋእቲ ንሓንቲ ባንዴራ እስራኤል ዝለበሰት ታንኪ ብምምራኽ፡ ንሓደ ወተሃደር፡ ኣሲሮም ከም ምሩኽ ገይሮም ክጎትዎን፡ ህንፃታት ከፈራርሱን ይረአዩ።

ክልቲኡ ሜላታት ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ፍፃመ ከምዝተተግበሩ፡ ካብ ቪድዮታትን መሰኻኽር ዓይንን ንፈልጥ ኢና።

ኣብቲ እዋን ኣስታት 1200 ሰባት ከምዝተቐትሉን 240 ጅሆ ከምዝተታሕዙን ይንገር።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ኰይኖም እቲ 'ኣምሳያ' ልምምዳት ዝከታተሉ ኣዘዝቲ

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ኰይኖም እቲ 'ኣምሳያ' ልምምዳት ዝከታተሉ ኣዘዝቲ

ዓለም ትፍለጥ

ካልኣይ ልምምድ 'ስጡም ዓንዲ' [ስትሮንግ ፒላር] ዳርጋ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ ተኻይዱ።

ኣዛዚ ብርጌዳት ኢዘዲን ኣልቃሳም - ወግዓዊ ስም ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ - ኣይማን ኖፋል፡ ዕላማ ናይቲ ብ26 ታሕሳስ 2021 ዝተኻየደ ልምምድ "ሓድነት ውድባት መኸተ ንምርግጋጽ" ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ልምምድ፡ "ኣብ ዶባት ቓዛ ዝተሃንፁ መናድቕን ስራሕቲ ምህንድስናን ከምዘይከላኸለሎም ንጸላኢ ፅቡቕ ገይሩ ከረደኦ" ኢሉ።

እቲ ንጥፈታት፡ ኣብ ሚድያታት እታ ሃገር ይዝረበሉ ስለዝነበረ፡ ትካላት ስለያ እስራኤል ኣይፈልጡዎን ንምባል ኣይከኣልን።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ ንጥፈታት ታዕሊም ሓማስ ንምዝራግ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ሚያዝያ 2023 ድማ ነቲ ንፈለማ እዋን ልምምድ ንምካያድ ዝተጠቕመሉ ቦታ ብቦምባታት ኣዕኒዮምዎ።

ሒደት ሰሙናት ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ቓዛ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ክትትል፡ ዘይተለምደ ልዑል ምንቅስቓስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተዓዘባን፡ ሓማስ ወተሃደራዊ ዒላማታት የፅንዕ ከይህሉን፡ ኣጠንቂቐን ነይረን።

እንተዀነ፡ እዚ ኣገደሲ መጠንቀቕታ፡ ዕሽሽ ከምዝተባህለ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልፃ።

ኣብ ቓዛ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ብርጋዴር ጀነራል ኣሚር ኣቪቪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ስልጠና ይገብሩ ከምዘለዉ ብዙሕ ስለያዊ ሓበሬታ ነይሩ፤ ደሓር ከኣ እቶም ቪድዮታት ንህዝቢ ይቃልሑ እዮም ነይሮም። እዚ ድማ ካብቲ ሓጹር [እስራኤል] ኣማኢት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቑ ይፍጸም ነይሩ" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ወተሃደራት እስራኤል ብዛዕባ እቲ ልምምድ እንተፈለጡ’ኳ፡ "እንታይ ይስልጥኑ ከምዘለዉ ኣይበርሀሎምን ነይሩ" ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ንኣይማን ኖፋል ብ17 ጥቅምቲ 2023 "ደምሲሶምዎ" ክብል ገሊጹ'ሎ፡ እዚ ድማ ኣብዚ ኲናት ዝተቐትለ ናይ መጀመርታ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ እዩ።

ምሕባእ ኣብ ቅሉዕ ባይታ

ሓማስ: እቲ ልምምድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ገይሩ።

ኣብ 2022 ተዋጋእቲ፡ ካብቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝቆጻጸርዎ ኣብ መንጎ ቓዛን እስራኤልን ዝርከብ መስመር ኤረዝ፡ 2.6 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝተሃንጸ ናይ ‘ኣምሳያ’ ወተሃደራዊ መዓስከር እስራኤል ምጥቃዕ ተለማሚዶም።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ነቲ ካብቲ መከላኸሊ 800 ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ሰሜን ቓዛ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብቲ ናይ ልምምድ ዝተራእየ ጂኦግራፍያዊ ባህርያት፡ ምስ ካብ ኣየር ዝተሳእለ ምስሊ ናይቲ ከባቢ ብምትእስሳር ኣመሳኺሩ።

እቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ መዓስከር ታዕሊም፡ ፡ ካብ ኣብ በረኽቲ ቦታት ዝተሃንፁ መቋመትቲ መደብራት እስራኤል፡ 1.6 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቑ ይርከብ።

እቲ ናይ ‘ኣምሳያ’ መደበር፡ ኣብ ትሕቲ ጽፍሒ መሬት ሓያሎ ሜትሮታት ንቑልቁል ኣብ ዝተዃዕተ መሬት [ጋለርያታት] ስለዘሎ፡ ንዝኾነ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ፓትሮል እስራኤል ብቕጽበት ክርአ ኣይክእልን ክኸውን ይኽእል፡ ካብቲ ፍንጀራታት ዝለዓል ትኪ ግን ብርግጽ ምተራእየ ነይሩ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ድማ ካብ ኣየር ምስላዊ ክትትላት ከምዝገብር ዝፍለጥ እዩ።

ሓማስ ነዚ መደብር እዚ ተጠቒሙ፡ ህንጻታት ምውራር፡ ብጠበንጃ ጅሆ ምሓዝን ንጸጥታዊ መሰናኽላት ምዕናውን ይለማመድ ነይሩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ቦታታት 14 ናይ ስልጠና ቦታታት ንምድላይ ንህዝቢ ዝተቓለሐ ሓበሬታ - ምስሊ ሳተላይት ሓዊሱ - ተጠቒሙ።

ካብ ማእከል ዕደላ ረድኤት ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ትሕቲ 1.6 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከይተረፈ ክልተ ግዜ ስልጠና ወሲዶም፡ እዚ ድማ ኣብ ድሕሪት ናይቲ ኣብ ታሕሳስ 2022 እቲ ትካል ዘሕተሞ ወግዓዊ ቪድዮ ብግልፂ ይርአ ነይሩ።

ራብዓይ ብርኪ ካብቶም 'ስጡም ዓንዲ' ልምምዳት

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM

መግለጺ ስእሊ, ራብዓይ ብርኪ ካብቶም 'ስጡም ዓንዲ' ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦም ልምምዳት

ክቱር ናይ ምግራህ ተኽእሎ

ቅድሚ 7 ጥቅምቲ፡ ሓማስ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ተጋደልቲ ከምዘለውዎ ይእመን ከምዝነበረ፡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብምጥቃስ ዝወፁ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓማስ ካብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ኣሽሓት ተዋጋእቲ ክጥርንፍ ከም ዝኽእል እውን ተገሚቱ ነይሩ።

ሓማስ ዋላ ብዘይ ደገፍ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም እቲ ዝሓየለ እዩ - እዚ ድማ ነቶም ጉጅለታት ንምልዕዓል ዘርአዮ ተገዳስነት፡ እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ንምርካብ ኣኽኢሉዎ እዩ።

ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብቶም ኣናእሽቱ ጉጅለታት ናብ ሓማስ ዝተፀምበሩ ዕጡቓት ቁጽሪ ናብ 3 ሽሕ ከምዝቐረበ ይኣምን።

እቲ ልክዕ ቁፅሪ ምፍላጥ እነተዘይተኽኣለ’ኳ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ቓዛ ዝተሳተፉ ካልኦት ዕጡቓት ሒደት ምዃኖም ምግማት ይከኣል።

ኣብ ሰራዊት ሊባኖስ ብርጋዴር ጀነራል ነበርን ሕጂ ኣብ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ማእከላይ ምብራቕ ተንታኒ ጸጥታ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ሂሻም ጃበር፡ ኣብቲ ሕብረ-ውድባዊ ወፍሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፍፀመሉ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ሓማስ ጥራይ ይፈልጥ ከምዝነበረ ከምዝኣምን ገሊጹ።

ምናልባት ይብል እቲ ተንታኒ፡ "ኣብታ መዓልቲ ካልኦት ጉጅለታት ንክጽንበሩ ሓቲቱዎም ክኸውን ይኽእል”።

ኣብ ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ ኤውሮጳ ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ሂዩ ሎቫት፡ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሓባራዊ ልምምድ ስልጠና ፈሊጣ ነይራ፡ እንተኾነ ግን "ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጺሓ ፀኒሓ" ኢሉ።

እዚ ምስ "መደበኛ" ንጥፈታት ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ምዃኑ ገምጊሙ ፣ "ንዝመጽእ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዘመልክት" ምድላዋት ከምዘይነበረ ገሚቱ።

ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ፡ ብዓቕሚ ስለላን ሓበሬታን ከይተረፈ ሰራዊት እስራኤል ብሓማስ ከምዝተበልፁ ዘመልክት ምዃኑ ይትንትኑ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ብዛዕባ ኣብዚ ኣርእስቲ ዝተላዕሉ ሕቶታት ምስ ተሓተተ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ግብረሽበራዊ ትካል ሓማስ ዝመጽእ ስግኣት ኣብ ምውጋድ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።

ብዛዕባ ዝኾነ ውድቀት ዝምልከት ሕቶታት ድማ "ፀኒሑ ደሓራይ ክረአ'ዩ" ኢሉ።

እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምትራፍ ዕድላት ኣምሊጥዋ ድዩ ዝብል፡ ብወግዒ ክሳብ እትነግር ሓያሎ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ኣብ ወተሃደራዊ፣ ስለያ ኣገልግሎታታን መንግስታን ዘምፀኦ ሳዕቤን 'ዘንቀጥቅጥ' ክኸውን ይኽእል እዩ።