ኣብ ቓዛ ሕማማት ልዕሊ ቦምባ ክቐትሉ ከም ዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ኣብ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ’ታ ኣብ ዕፅዋ እትርከብ ቓዛ፡ ሕማማት ካብ ምፍንጃር ቦምባ ንላዕሊ ሰባት ክቐትሉ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ተምላስን ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ኣብ ህጻናት፡ ኣብተን ዳርጋ 1.1 ሚልዮን ሰባት ተዓቚቦምለን ዝርከባ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ።

ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሕሙማት እውን ዝኾነ ዓይነት ሕክምና ኣይረኽቡን ኣለዉ።

እዚ መጠንቀቕታ ዝወጸ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበፅሐ ግዝያዊ ምቁራፅ ተኹሲ፡ሓምሻይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ ን48 ሰዓታት ንምንዋሕ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበፅሐ እዩ።

እቲ ብመንጎኝነት ቀጠር፣ ግብጽን ኣመሪካን ዝተበፅሐ ስምምዕ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዘን ዝነበራ 20 እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ንዝነበራ 60 ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ክፍትሑ ኣኽኢሉ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ናይቲ ፈላማይ ብርኪ እቲ ስምምዕ፡ 11 ጅሆ ዝተታሕዙን 33 እሱራትን ዝተለቐቑ ኰይኖም፡ ጠቕላላ ዝተለቐቑ ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት 50 በጺሑ፡ 150 እሱራት ፍልስጤም ድማ ተፈቲሖም።

19 ወጻእተኛታት ዜጋታት’ውን፡ ሓደ ካብኣቶም ዜግነት እስራኤል ዘለዎ፡ ብፍሉይ ስምምዓት ሓማስ ኣረኪቡዎም ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድ፡ ብ7 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ሓማስ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ከበባን ዕፅዋን ኣንቢራ ኣላ።

ብሓማስ ዝመሓደር መንግስቲ ቃዛ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ግዝኣት ልዕሊ 14,800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ኣብ ጋዛ ኣብ ዝሓለፉ 7 ሰሙናት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ከምዝሃደሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይግምት። ኣስታት 60% ካብኣቶም ኣብ 156 መሳለጥያታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት [ኡንርዋ] ተዓቚቦም ይርከቡ።

ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብቶም መዕቆቢታት ዝተገብረ ገምጋም፡ ለበዳ ተላባዕቲ ሕማማት ወሰኽ ከምዘርኣየን፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ልዕሊ 100 ዕፅፊ፡ ተምላስ ከምዘጋጠሞምን ገሊጻ።

ንዓኣቶም ዝኸውን ሕክምና ከምዘየለ፡ ብዘይክኡ ድማ፡ ብፍላይ ዕሸላት ክብከሉን ቀልጢፎም ክሞቱን ከምዝኽእሉ ገሊጻ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ትኹረት ምድራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ኮይኑ ዝጸንሐ ከባቢ፡ ሰሜን ቓዛ፡ ሓሙሽተ ሆስፒታላት ጥራይ ብኸፊል ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብ ክፋል ደቡብ ድማ፡ ካብተን 11 ሆስፒታላት እተን ሸሞንተ ጥራይ ዝሰርሓ ኮይነን፡ ሰራዊት እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ክሃድሙ ኣዚዙ ኣሎ። ካብተን ሆስፒታላት ሓንቲ ጥራይ እያ ንኣገደስቲ ሕማማት ናይ ምሕካም ወይ ዝተሓላለኸ መጥባሕቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዋ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ስርዓት ጥዕና [ብሓባር] ክንመልሶ እንተዘይክኢልና፡ ካብቲ ንርእዮ ዘለና ቦምባታት ንላዕሊ፡ ብሕማም ክሞቱ ክንርኢ ኢና" ክትብል ዶክተር ሃሪስ ኣጠንቂቓ።

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጀምስ ኤልደር ካብ ጋዛ ብቪድዮ ሊንክ ኣቢሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዘስካሕክሕ ቁስሊ ኲናት ዘለዎም ህጻናት ዝመልኡ ሆስፒታላት ከምዝረኣየ ሓቢሩ።

ሓደ ህጻን ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ሕክምና ንሓያሎ ሰዓታት ኣብ መሬት ሆስፒታል ብዘይ ሕክምና ተደፊኡ እግሩ ክስእን ምርኣዩ ገሊጹ። ካልኦት ዝተጎድኡ ህጻናት ኣብ ደገ ኣብ መዕረፊ መካይንን ኣትክልትን ተደፊኦም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ተመዛበልቲ ህጻናትን ስድራቤቶምን እውን ብሰንኪ ሕጽረት ግቡእ መጽለልን ክዳንን ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቓዛ ብዘሎ ዝናብን ቁሪን ዝመልኦ ኩነታት ኣየር ይሳቐዩ ኣለዉ።

ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መዓልታት ናይቲ ዕርቂ፡ 800 ናይ ረድኤት መካይን ናብ ጋዛ ከምዝኣተዋ፡ ገሊአን ድማ ናብ ሰሜን ከምዝበጽሓ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም። እዚ ምስተን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ክነጻጸር እንከሎ ልዑል’ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ዝድለ መጠን ንእሽቶ ክፋል ጥራይ እዩ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ዳግማይ ምጅማር ውግእ ዘይሕሰብ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ፣ ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕላማ እቲ ምንዋሕ ምንዋሕ ግዜያዊ ስምምዕ፡ "ንዝያዳ ድርድርን ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዘላቒ ዕርቂ" ንምድላይ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ መንጎኛታት ብዛዕባ እቶም ክሳብ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ልዕሊ 150 እስራኤላውያንን ወጻእተኛታት ዜጋታትን ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ሓማስ ክረኽቡ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ትምህርቲ ዘዕቆቡ ተፈናቀልቲ ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ቤት ትምህርቲ ክሃን ዮኑስ ዝሰፈሩ ፍልስጤማውያን ተፈናቐልቲ

ኣብ ቀጠር ዝርከብ ላዕለዋይ ምንጪ ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩሎም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሲቪላት ኣብ ኢዶም ከምዘይነበሩ ሓቢሩ።

ገሊኦም ምስ ከም በዓል ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ዕጡቓት ጉጅለታት እዮም ነይሮም፤ እዞም ጉጅለታት ከም ሓማስ ብእስራኤል፣ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሓይልታትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ይምደቡ።

ብመሰረት እቲ ምንጪ ሓማስ ሓበሬታ ንምእካብን ሰባት ንምርኻብን ዝያዳ ግዜ የድልዮ። መራኸቢ መገድታት የለውን፤ መብራህትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን'ውን የለን።

ሚስተር ኣንሳሪ፡ ዛጊድ " ንእሽቶ ምጥሓስ" ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከምዝተራየ ገሊጹ።

ከምኡ ምስ በለ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ግን፡ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ጥቓ ሰራዊቱ ሰለስተ ነታጒ ከምዝተፈንጀረ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብግዲኡ ኣብ ሰሜን "ምፍሕፋሕ" ከምዝነበረን፡ ወተሃደራት እስራኤል "ንጹር ምጥሓስ" ስምምዕ ዕርቂ ከምዝፈፀሙን ገሊጹ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተዓቖቡ ተፈናቐልቲ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ቓዛ፡ ራፋ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተዓቖቡ ተፈናቐልቲ ቓዛ

ኣቐዲሙ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ቓዛ ተኹሲን ፍንጀራን ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ ነይሩ።

ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ይፍትኑ ከምዘለዉን፡ ናብ መደበር ሰራዊት እስራኤል ምስ ቀረቡ፡ ታንኪን ሰራዊትን እስራኤል ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ከምዝተኮሱን ገሊጹ። ሓደ ሰብ ቆሲሉ ፡ሓደ ህንጻ ድማ ከምዝተሃርመ ሓቢሩ።