ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ብዘጋጠመ ነትጕ ብውሑዱ 44 ሰባት ተቐቲሎም

ነዚ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ነትጒ ስዒቡ ጉድኣት ሒዛ ናብ ሆስፒታል ዝመፅአት ኣምቡላንስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ፓኪስታን ብሓደ እስላማዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጕ፡ ብውሑዱ 44 ሰባት ተቐቲሎም።

ካልኦት ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቘሰሉ’ውን ተገሊጹ።

ጃምዓት ዑለማ ኣልኢስላም-ፋዝል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ባጃኡር ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ እዩ፡ እዚ ነትጕ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ምፍንጃር ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክኸውን ከም ዝኽእልን መረዳእታ ከም ዝረኸበን ሓቢሩ።

ስርሓት ሂወት ኣድሕን ዝተዛዘመ ክኸውን እንከሎ፡ ኵሎም ዝቖሰሉ ግዳያት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።

ሰብመዚ እታ ሃገር፡ 15 ሰባት ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዝርከቡን ቍጽሪ ሞት ክዛይድ ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቘም።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከም ዝዀነ ዛጊት ኣይተፈለጠን። ኣካላት ጸጥታ ነቲ ከባቢ ብምኽባብ፡ ብዛዕባ እዚ ነትጒ ምርመራ የካይዱ ኣለዉ።

ብሰንበት፡ ኣማኢት ሰባት ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ ቀቢላዊት ዞባ ትርከብ ከተማ ካሃር፡ ኣብ ዋዕላ ሰራሕተኛታት ጀዩኣይ-ኤፍ ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ነትጕ ኣብ ጥቓ እቲ መድረኽ ከጋጥም እንከሎ ኣማኢት ሰባት ኣብ ሓደ ቴንዳ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ዝተዘርግሑ ኣሳእል የርእዩ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ “እቲ ዳስ ፈሪሱ፡ ክሃድሙ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣብ መጻወድያ ኣትዮም” ኢሉ።

ብተሌቬዥን እታ ሃገር ዝተዘርግሑ ኣሳእል ኣምቡላንሳት ንዝተጐድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ክወስዳ የርእዩ።

ፖሊስ፡ እቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ ህጹጽ ሕክምና ንክረኽቡ ብወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ናብ ፔሻዋር ከምዝተወሰዱ ገሊጹ።

ሰብመዚ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጆም ኣለዉ።

መራሒ ጀዩኣይ-ኤፍ እቲ ከባቢ ከም ዝተቐተለ፡ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣፍሊጦም።

እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ውድብ ጀዩኣይ-ኤፍ (JUI-F)፡ መላፍንቲ ናይቲ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝርከብ መንግስቲ ፓኪስታን’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ፡ ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ “ንእስላም፡ ንቑርኣንን ፓኪስታንን ዒላማ ዝገበሩ” ግብረ-ሽበራውያን’ዮም ኢሉ።

“ዝግብኦም መቕጻዕቲ” ከም ዝጽበዮም ድማ ኣፍሊጡ።