ንወዲ 3 ዓመት ውላዳ ከተድሕን ባሕሪ ዝወሓጣ ኣደ

ፓኪስታናዊት ተጻዋቲት ሆኪ፡ ሻሂዳ ራዛ ምስ ጋንታኣ

ሻሂዳ ራዛ ዝተባህለት ፓኪስታናዊት ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ሆኪ፡ ካብቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መርከብ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሓንቲ ኰይና፡ ንወዲ ሰለስተ ዓመት ውላዳ ሕክምና ክትረክብ ትጽዕር ከምዝነበረት ሓፍታ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሳድያ ራዛ፡ ዓባይ ሓፍታ ካብታ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ቱርኪ ዝተበገሰት መርከብ ደዊላ፡ ናብ ኢጣልያ ክትዓልብ ከም ዝቐረበት ገሊጻትላ ነይራ።

ሳድያ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓኪስታን ኣብ ዝርከብ ኲታ ካብ ዝርከብ ገዛኣ ብተሌፎን፡ "ኣብኡ ቀሪባ ብምህላዋ ንኣምላኽ ተመስግን ነይራ" ትብል።

"ንሳ ኣብ ውሽጢ እቲ ባሕሪ ገለ ነገር ከጋጥም ከም ዝኽእል ከም ዝፈርሐት ነጊራትኒ። ምስ መጸት፡ ንወዳ ደዊላ ንሕክምና ከም እተምጽኦ ትዛረብ ነይራ።”

ሽዑ እቲ ጻውዒት ተቛረጸ፤ ዳግማይ ክረኽብዋ ኣይከኣሉን።

ጓል 27 ዓመት ሻሂዳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዘጋጠማ ምጥሓል መርከብ እያ ሞይታ።

ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልያ፡ ሶርያ፡ ፓኪስታን፡ ዒራቕን ኢራንን ዝመጹ ኰይኖም ኵሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ ነይሮም።

እታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ኣስታት 200 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ኰይና፡ ልዕሊ 60 ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሻሂዳ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ዝገበረት ኣዝዩ ፍሉይ ምኽንያት ከም ዝነበራ ስድራኣ ይዛረቡ።

"እቲ ሓደን እንኮን ምኽንያት እዚ ጕዕዞ፡ ስለ ወዲ ሰለስተ ዓመት ውላዳ እዩ ነይሩ" ትብለና ሳድያ። "ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ፡ ኣብ 40 መዓልቲ ዕድመኡ ብሰንኪ ሰዓል ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ ገለ ክፋል ሓንጐሉ ተጐዲኡ። ሓንጐሉ ብኸፊል ኣይሰርሕን፡ ሓደ ወገን ኣካላቱ ድማ ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ለሚሱ።"

ወዳ ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ካራቺ'ኳ እንተተወሰደ፡ ዝዀነ ሕክምና ክረክብ ኣይከኣለን ትብል ሳድያ።

ካብኡ፡ ኣብኡ ገለ ሕክምና ክገብሩሉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ተስፋ፡ ሻሂዳ ንወዳ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትወስዶ ሓሳብ ኣቕሪቦምላ።

ሻሂዳ ተስፋ ምቝራጻ እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ።

"ወደይ ከምዚ ኢሉ ክርእዮ ኣይክእልን እየ ኢላ፣ ከም ንቡር ቈልዓ ክኸይድ ክርኢ እየ ዝደሊ፡ ንሳ ጥራይ እያ ትምኒተይ፡" ትብል ከም ዝነበረትን፡ ወዳ ዓራት ሒዙ ክውዕል ክትሪኦ ኣይደለየትን፡ ክትብል ሳድያ ትዛረብ።

"ንዅላትና ተስሕቐና እያ ነይራ፡ ብሰንኪ ወዳ ግን ንባዕላ ትነብዕ ነይራ። ወዳ ክትጥምቶ ከላ፡ ኣዒንታ ንብዓት ይመልእ ነይሩ።"

ንሃገራዊት ጋንታ ሆኪን ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪን ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ሻሂዳ፡ ዋላ'ኳ ናብ ሲንጋፖር፡ ታይላንድ፡ ሆንግ ኮንግን ኢራንን ሓዊሱ ናብ ኣህጉራዊ ደረጃታት ክትጻወት እንተ ተጓዓዘት፡ ብዙሕ ጽቡቕ ደሞዝ ከምዘይነበራ ስድራቤታ ይዛረቡ።

ስድራኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተሓሰበ መገሻ ወይ ሻሂዳ ኣብ ኢጣልያ ንምስፋር ብሕጋዊ መገዲ ክትገይሽ ቪዛ ክትረክብ ፈቲና ዶ ኣይፈተነትን ከምዘይፈለጡ ይዛረቡ።

ኣብታ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋን ድኻታት ዝነብሩላን ክልል ባሎቺስታን - ፓኪስታን እትነብር ዝነበረት ኰይና፡ ኣካል ናይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣኽረርቲ ጕጅለታት ዒላማ ዝዀኑ ውሑዳት ተኸተልቲ ሺዓ፡ ኣባል ማሕበረሰብ ሃዛራ እያ ነይራ።

እዚ ግን ካብ ፓኪስታን ክትወጽእ ዝደለየትሉ ረቛሒ ከምዘይነበረ ስድራኣ ገሊጾም።

እዛ መርከብ ቅድሚ ምብጋሳ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ ካልኦት ፓኪስታናውያን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ሓደጋ ዝወረዳ መርከብ’ውን ናብ ኢጣልያ ክትበጽሕ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ሞይቶም እዮም።

"ሰባት ካብ ተስፋ ምቝራጽ ተበጊሶም ይወጹ፡ ኣማራጺ የብሎምን" ትብል ሳድያ። "መንግስትና ንህዝቡ ኣይሕግዝን'ዩ ዘሎ፡ ዋጋታት ንብረትን ዋጋ መነባብሮን ኣብዚ ከመይ ከምዘሎ ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።"

ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ፡ ስድራቤት ሻሂዳ ብዛዕባ ሓደጋ እታ መርከብ ብኢንተርነት ፈሊጦም። እዚ ዜና ካብ ዝስፋሕፋሕ ንደሓር ካብ መንግስቲ ዝዀነ ሰብ ከምዘይረኸቦም ይዛረቡ።

"ንስድራቤትና ከም መዓልቲ ጥፍኣት እዩ" ትብል ሳድያ።

ዕላል አቋሪጻ ክትበኪ ጀሚራ፤ ዓይና ንብዓት ቋጺሩ።

ኣዕሩኽ ስድራቤት ንዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ንሓዘን ክበጽሑ ጸኒሖም እዮም። ሚድያታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ደገ ገዛ ስድራቤት ይእከባ ኣለዋ። "ድሕሪ ሕጂ ከም ዘየላ ዝሰማዕናላ መዓልቲ፡ ንሕናን ኣምላኽናን ጥራይ ኢና እንታይ ከም ዝተስምዓና ንፈልጥ።"

"መንግስቲ፡ ሬሳኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከረክብ ንደሊ። ሕጂ ካብ ካልእ ሰብ ዝዀነ ነገር ኣየድልየናን'ዩ።"