ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ሓደጋ ዝኣተዉ ኣስታት 400 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድሒኖም

ምንጪ ስእሊ, IOM
ናብ የመን ክሰግሩ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 380 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሰብመዚ ጂቡቲ ከም ዘድሓኑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት (IOM) ሓቢሩ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን መጠን ዘይሕጋዊ ስደት ሰባት ኣብ ምሉእ ዓለም ይውስኽ ኣሎ።
እቲ ክስተት ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ግጭታትን ምምዝባል መነባብሮን ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ትካል የረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ-ኦ-ኤም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመጥ ጥራይ 150,000 ስደተኛታት "በቲ ምብራቓዊ መስመር"- ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ኣትዮም።
ብዙሓት ካብኦም ግን ኣብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ይሞቱ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ የመን ሓዲግ ይተርፉ ወይ ድማ ናብ ገማግም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክምለሱ ይፍትኑ።
ብዙሓት ካብቶም እቲ ጉዕዞ ዝቐንዖም ናብ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝበላ ሃገራት ዝኣተዉ'ውን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ከም ዝኾኑ ይግለጽ።
"[ንጹር] ቁጽሪ ክህበካ ኣይክእልን'የ፡ ምኽንያቱ ንሕና ዘይመዝገብናዮ ጥራይ ብዙሕ ሂወት'ዩ ጠፊኡ ዘሎ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት መስመራት ስደት ዓለም ምዃኑ ግን ርጉጽ'ዩ" ክብል ዳይረክተር እቲ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣንቶንዮ ቪቶሪኖ ከምዝበሎ፡ ዝበዝሑ ብዘይ ክውንነታዊ ትጽቢት ዝሓሸ ህይወት ተታሊሎም ከም ዝብገሱ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞኦም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ኣድህቦ ኣይገብርሉን'ዮም።
"ብዙሓት ካብኦም ኣብ የመን ኲናት ከምዘሎ'ውን ዝፈልጡ ኣይኮኑን" ይብል እቲ ዳይረክተር።

ምንጪ ስእሊ, IOM
ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞታት ከይወስዱ ንምግታእ ውሑስን ሕጋዊን መስመራት ክኽፈት'ዩ ቪቶሪኖ ዝምሕጸን።
"ነቶም ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይቶም ስደተኛታት ዝግህሱ፡ ኣብ ብምስግጋርን ንግዲ ሰባትን ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ንምልላይን ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ኣድማዕነት የድሊ።"
እዚ ንክኸውን ድማ፡ ኣድማዒ ምቁጽጻር ዶባትን ምትሕግጋዝ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣካላትን፡ ከምኡ'ውን ምፍታሕ ቀንዲ ጠንቅታት ስደት ከም ዘድሊ እቲ ብዓልመዚ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







