ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ዝነድፍ ዘሎ መንእሰይ ኣርክተክት መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, HAILE TADESSE
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ መዘናግዒ ሃላላ ኬላ ንብዙሓት ዘደነቐ እዩ። ንምዃኑ ነዚ ፕሮጀክትታት'ዚ ዝነደፈ መን እዩ ?
እዚ መዘናግዒ ቦታ ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞቦታት እቲ ክልል ዝርከብ ኮይሻ ኢንተርናሽናል ቱሪስት፡ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት እዩ።
እቲ ከባቢ ብሄራዊ ፓርክ የጨበራ ጩርጩራ ዝርከበሉ ኰይኑ፡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝነብሩሉን እዩ።
እዚ ኣብ ትሕቲ ገበታ ንሃገር ዝተባህለ ፕሮጀክት ዝርከብን ኣብቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ክልል ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ ኣብ ሚያዝያ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተመሪቝ።
እዚ መዘናግዒ ቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ወከልቲ ህወሓትን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ዝተራኸቡሉ ቦታ እዩ።
"እዚ ፕሮጀክት ታሪኽን ባህልን እቲ ከባቢ ምስ ተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖን ሃብቲ ዘወሃህድ'ዩ" ይብል ነቲ ፕሮጀክት ዝነደፈ ኣርኪተክት ሃይለ።
እቲ ኣርኪተክተር ወሲኹ፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝካየዱ ዘለዉ ፕሮጀክትታት እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ፓርክ ምዃኑ ይዛረብ።
ካብዚ ወጻኢ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ሰብ ዝሰርሖን ሃላላ ኬላ ዝበሃል ልምዓት ኣብዚ እዩ ዝርከብ።
"እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ብህዝቢ ዳውሮ ዝተሃንጸ እምኒ ኳና፡ ኣስታት 1200 ኪሎ ሜተር ንውሓት ኣለዎ። ስሙ ድማ ካብቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ዝተወስደ እዩ። 'ካቲ ሃላላ ኬላ' ይብሉዎ።"
ብተወሳኺ ሰለስተ ዲጋታት ግልገል ግቤ፣ ከምኡ እውን ግድብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቆይሻ ኣካል ናይዚ ዝዓበየ ፕሮጀክት እዮም።
ሓምሻይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ሃላላ ኬላ፡ ጮራ ንዝተባህለ ማሕበረሰብ ማእከል ዝገበረ እዩ።
"ህዝቢ ጮራ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ካብ ሓመድ፡ ሓጺን ናይ ምውጻእ ክእለት ነይርዎ። ክሳብ ሎሚ'ውን ይሰርሑሉ ኣለዉ። እዚ ማሕበረሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ክእለትን ዘለዎ ህዝቢ እዩ።"
ኣርኪቴክት ሃይለ፡ እዞም ልምዓታት ኣብ ሓሙሽተ ክላስተራት ዝተኸፋፈሉ ምዃኖም ይዛረብ።
ካብዚ ብተወሳኺ እዞም ውጥናት ክሳብ 25 ዓመት ደረጃ ብደረጃ ክዛዘሙ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ።
"ኣብ ሓጺር ግዜ ናይቲ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ፕሮጀክት፡ ሃላላ ኬላን ጨበራን ሪዞርትስ ክቐርባ እየን።"
ኣርኪቴክት ሃይለ መን እዩ?
ኣርኪቴክት ሃይለ ታደሰ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ግንደ በረት ካቺሲ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።
መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓዱ ዛዚሙ።
ድሒሩ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልጋ ተመዲቡ ንሓሙሽተ ዓመት ኣርኪቴክቸር ተማሂሩ ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቝ።
ድሕሪ ምምራቝ ኣብ ዩኒቨርስቲታት ሃዋሳን ደብረብርሃንን ንክልተ ዓመት መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣርኪቴክቸራል ኢንጅነሪን ማስተርስ ዲግሪ ዛዚሙ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ 'ሉላ ኢንጅነሪን' ዝበሃል ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ብሕቲ ትካል ብምምስራት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ገጠር ተወሊዱ ዝዓበየ ሃይለ፡ ብተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ከባቢ ኮንታ ከም ዝምሰጥ ይዛረብ።
እቲ ከባቢ ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት፡ ሃብታም ምዃኑ ይዛረብ።
ብኻልእ ወገን ባህሊ፡ ልምድን ሕግን ህዝቢ ዳውሮ ኣብቲ ከባቢ ፍቱው ምዃኑ ይጠቅስ።
ንኣጋይሽ ዝገብርዎ ኣቀባብላ ፍሉይ ምዃኑ'ውን ይዛረብ።
ብመሰረት'ዚ ኣርኪተክት፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እዞም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ንኽዛዘሙ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ተራ እቲ ኣርኪተክት እንታይ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ኣርኪቴክት ሃይለ ታደሰ ቅድሚ ዓመታት ብዝመስረቶ ትካል ኣቢሉ ኣብዚ ፕሮጀክትን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ካብ ዝሳተፉ ወገናት ሓደ እዩ።
'ሉላ ኢንጅነሪን' ምስ ካልእ 'ስታድያ ኢንጅነሪን' ዝተባህለ ትካል፡ ብሓባር ነዞም ፕሮጀክትታት ዲዛይን ገይሮምን ተቘጻጺሮሞን እዮም።
ሃይለ፡ ብውልቁ ኣብዞም ፕሮጀክትታት ከም መራሒ ጋንታ ስነ ህንጻ ኰይኑ ከምዝተሳተፈ ይዛረብ።
"ወዲ 31 ዓመት እየ፡ ሎሚ ዝረኸብክዎም ዝመስለኒ ነገራት፡ ኒሕን ጻዕረይን ኣወሃሂድካ ኣብ ምስራሕ ቅሩብ ዝደንጐኹ እዩ ዝመስለኒ" ይብል ብዛዕባ ተሳትፎኡ ኣብቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ።
"እቲ ዝዓበየ ነገር ጻዕሪ'ዩ" ይብል እዚ መንእሰይ።
ሃይለ፡ ኣብ ትምህርቲ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ ኣብዚ ዓውዲ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ደገ ተመኵሮ ክረክብ ከምዝጸዓረ ይዛረብ።
“ነዚ ፕሮጀክት ቅድሚ ምርካበይ፡ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ከይደ ነይረ። ሃገራዊ ፓርክታትና ብኸመይ ክምዕብሉ ከም ዘለዎም ንምፍላጥ ናብ ማሳይ ማራን ሰሬንጌትን ከይደ ኣለኹ።”
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣርክቴክት ኣብ ክልል ኣምሓራ ልምዓት ቱሪዝም ጎርጎራ ከምዝነደፈ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ናይ ጽባሕ ዲዛይናት
ኣርኪቴክተር ሃይለ ብዛዕባ መጻኢ ሕልምታቱን ህሉው ስርሑን ክሕተት ከሎ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ቀጻሊ ፕሮጀክትታት ይዛረብ።
“ኣቦታትና ዝዀነ ክሰርሑ ከለዉ ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዖም እዮም ዝሰርሕዎ። ንተፈጥሮ ዝጐድእ ነገር ኣየተባብዑን" ዝብል ኣርኪተክት ሃይለ፡ ዓለም ምስ ብከላ ኣየር ተኣሳሲሩ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት የዘኻኽር።
ወሲኹ፡ "እቲ ናይ ቀጻልነት ሓሳብ፡ እቲ ዝሓለፈ ዝተበላሸወ ንድሕሪት ክምለስ፡ ሎሚ ዝህነጽ ዘሎ ድማ ክመሓየሽን ዳግማይ ክህነጽን ኣለዎ" ኢሉ።
እዚ ትርጕም ስነ-ህንጻ እንተዀይኑ ግን፡ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝህነጹ ዘለዉ ህንጻታት ኣብ ዙርያ እዚ ዘማእከሉ ኣይኰኑን።
“ፕሮጀክትታት ብዘይ መጽናዕቲ ይውጠኑ፤ ይህነጹ። መበገሲኦምን መወዳእታኦምን ኣይፍለጥን። ንመጻኢ ዓለም'ውን ኣይኰናን ንሰርሕ ዘለና። ኣቦታትና ዘውረሱና ኣይኰናን ንገብር ዘለና። ከም ሃገር፡ ኣብ ማእከል ዝተረፈና ነገር ኣሎና።”
ኣርኪተክት ሃይለ ታደሰ፡ ብመሰረት ባህሊ ኣቦታት ኦሮሞ፡ "ከምቲ እተን ሓሙሽተ ኦዳታት ዘውረሱና፡ ንመጻኢ ወለዶታት ክጸንሕ ዝኽእል ህንጻታት ክንሰርሕ ድሌትን ተስፋን ኣለኒ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







