ን34 ኣዛብእ ‘ተቓሊሱ’ ዝቐተለ መንእሰይ

ዮናስ ዝብኢ ንምቕታል ዝጥቀመሉ ጭማራን መፃወድያን

ምንጪ ስእሊ, YONAS BELIHU

መግለጺ ስእሊ, ዮናስ ዝብኢ ንምቕታል ዝጥቀመሉ ጭማራን መፃወድያን

ኣብ ዙርያ ከተማ ድሬዳዋ፡ ኣዛብእ ብብዝሒ ይርከቡ። ንዓመታት ‘ሰላማዊ’ ናብራ እዮም ክነብሩ ፀኒሖም። ንሰባት ኣይተናኾሉን፡ ሰባት እውን ዋላ ሓደ ኣይብልዎምን።

ኣዛብእ፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ እውን ይነብሩ እዮም። ንፍርቂ እታ ከተማ ከም ዝሽፍን ካብ ዝነገረሉ ቀፅሪ ባቡር፡ ብርሕቐት ኣብ ዝርከብ ሻብዓይ ካምቦ ኣብ ዘሎ ዱር ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ብብዝሒ ይርከቡ።

ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ምድሪ ባቡር ዘካሪ ኣብ ዝሰኣኑ ሰረገላታት ባቡር፣ ብረታ ብረትን መወገዲ ፈሳስን ኣዛብእ ኣለዉ። ኣብኡ ድማ ይራብሑ።

ንህንፀት ፋብሪካ ብዝብል ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝነበረ ዱራት ምስ ተቖረፀ፡ እቶም ኣዛብእ ሃዲሞም ናብ ቀፅሪ ምድሪ ባቡር ከም ዝኣተዉ ይእመን።

ኣብዚ ቀፅሪ ሰባት እውን ይነብሩ እዮም። ቅድም ሕዚ ኣብ ውሽጢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ይመላለሳ ኣብ ዝነበራ ባቡራት ናብራ መስሪቶም፡ ቆልዑ ወሊዶም ዝነብሩ ሰባት ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ ዝብእን ሰብን ናይ ምርኻብ ዕድሎም ከም ስፍሓት እቲ ቀፅሪ ሰፊሕ እዩ። እዚ ብምዃኑ ድማ እቶም ኣዛብእ እውን ንሰባት ንምጥቃዕ ኣይሰንፉን።

ወዲ 33 ዓመት ዮናስ በልሁ፡ ኣብ ድሬዳዋ ዲፖ ኣብ ዝበሃል ከባቢ’ዩ ዝነብር። ሓፂነ መፂን ብምልሓምን ህንፃ ብምህናፅን እዩ ዝመሓደር።

ኣብ ድሬዳዋ ስሙይ ዝኾነ ግና፡ ንዝብኢ ብምፅማድ እዩ። ዮናስ ምስ 34 ኣዛብእ ፊት ንፊት ገጢሙ፡ ተዓዊቱ’ዩ።

ብዝብኢ ‘ዝተበልዐ’ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህፃን

ኣብ ድሬዳዋ፡ ዝብኢ ኣብ ሰባት ጉድኣት ኣብፂሑ ዝብል ዜና ልሙድ ኣይነበረን። ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ግና፡ እዚ ይቕየር ኣሎ።

ዋላ’ኳ ብዝብኢ ዝፍፀም መጥቃዕቲ እናዛየደ እንተመፅአ፡ ትኹረት ኣይተወሃቦን ይብል ዮናስ።

ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ ግና፡ ንድሬዳዋ ዘሰምበደ ኰነ፤ ነበርታ ድማ ሓዘኑ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ቀፅሪ ምድሪ ባቡር ኣቦን ወዲ ሰለስተ ዓመትን ህፃንን ይፃወቱ ነይሮም። ብግምት ሰዓት 10፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣቦ “ክሸይን” ኢሎም ዘወር ይብል። እቲ ህፃን ወዱ’ውን፡ እግሪ እግሪ ኣቡኡ ስዒቡ ይወፅእ።

ዮናስ ነቲ ኩነታት እንትዝክር፡ “እቲ ህፃን ተኣኪቦም ናብ ዝነበሩ ቆልዑ ክፃወት ይኸይድ። ሃንደበት ዝብኡ መፅዩ ናብቶም ቆልዑ ይፅጋዕ እሞ፡ ካልኦቶም ሃዲሞም፡ ንሱ ግና ከምልጥ ኣይከኣለን። ኰፍ ኢሉ። ኣብ ጠላዕ ፀሓይ (እቲ ዝብኢ) ክሳዱ ሒዝዎ. . . ኣቡኡ እንተተመለሰ፡ እቲ ዝብኡ ንወዱ ሒዝዎ እንትኸድ ርእዩ” ይብል።

ነዚ ህፃን ንምድሓን'ኳ እንተተፈተነ “ዝተወሰነ ክፋል ኣካሉ” ካብ ምርካብ ወፃኢ ዋላ ሓደ ምግባር ኣይተኽኣለን። ንምሸቱ ዮናስን መሓዙቱን ሓዘን ንምብፃሕ ናብቲ ገዛ ከይዶም።

ሰባት ንሓዘን ተኣኪበምሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብቲ ምሸት’ውን፡ ኣዛብእ ይንቁዉ ከም ዝነበሩ ዝዝክር ዮናስ፡ ኣብ ክንዲ ምሕዛንን ምስምባድን፡ ብኣዛብእ ንዝጠፍእ ሂወት ከድሕን ተበገሰ።

ነዚ ንምግባር ድማ ኣስተንተነ። ሓፂነ መፂን ናይ ምብያድ ሞይኡ ተጠቒሙ ነዞም ኣዛብእ ዘፅምደሉ መገዲ ሓሰበ።

“መፃወድያ ዝብኢ”

ዮናስ ዝብኢ ዝሕዘሉ መፃወድያ

ምንጪ ስእሊ, YONAS BELIHU

መግለጺ ስእሊ, ዮናስ ዝብኢ ዝሕዘሉ መፃወድያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዮናስ፡ ነቶም ኣዛብእ ክሕዝ ዝኽእል ሓደ ሜትር ብሓደ ሜትር ዝኸውን ካብ ዕንፀይትን ሽልክን ዝተሰርሐ መፃወድያ ኣዳለወ። እዚ መፃወድያ ኣገልግሎቱ ካብ ዝወድአ፡ ናይ ባጃጅ ስልኪ ‘መሸንቅቖ’ ዝተዳለወሉ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ስራሕ ድማ ብጭማራ እዩ ዝፍፀም። ከባቢ ሰዓት 11፡00 ወጋሕታ፡ ነዚ መፃወድያ ኣዳልዩ፡ ኣብ ውሽጡ ስጋ ገይሩ ኣቐመጦ።

እዚ መፃወድያ ንሓደ ዝብኢ ክሕዝ ክኢሉ፡ ግና እቲ ዝብኢ ኣምሊጡ። ፈላማይ ፈተንኡ ኣይተሳኽዐን። ይኹን’ምበር ድሕሪ ሒደት እዋን ኣብ ካልኣይ ፈተንኡ፡ ብፍላይ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣርዓድቲ ካብ መንጐ ዝኾኑ ነቲ ሓደ ክሕዞ ክኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ልምዲ ዘይነበሮ ዮናስ፡ ምስቲ ዝብኢ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ክሳብ ሰዓት 1፡00 ንጉሆ ክቃለስ ፀኒሑ።

ዮናስ፡ በዚ ተግባሩ ምስጋና ኣይረኸበን። ብኣንፃሩ’ምበር። ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ “ኣወዲእኻና” ዝብል ወቐሳ ኣጋጠሞ።

“ናትና ማሕበረሰብ፡ ዝብኢ ሕነ-ፈዳይ እዩ ዝብል ፍርሒ ኣለዎ። ‘ንዓይ እንተዘይተሓነየ፡ ኣብ ውላደይ ወይ መቕርበይ ሕነ ይፈድይ’ዩ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ። ስለዚ፡ ዝብኢ ዝኾነ ነገር እንተፈፂሙ፡ ተወሳኺ ሓደጋ ከይፈጥር ብምስጋእ፡ ስጉምቲ ኣይውሰድን” ይብል ዮናስ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ናይ ዝብኢ መጥቃዕቲ ንምንካይ ዝወስድዎ ዝለዓለ ስጉምቲ፡ ዘለውዎ ዱር ምቑራፅ እዩ። ዮናስ ግና፡ ‘ዝብኢ እንተተፀጊዕኻዮ የፍዝዝ’ዩ ዝብል ወረ ሓዊሱ ብዛዕባ ዝብኢ ዝወሃቢ ግጉያት ሓበሬታት ኣይቕበልን። “ዝብኢ ከም ዝኾነ ዓይነት እንስሳ’ዩ” ይብል።

“ሂወት እቲ ህፃን፡ መዓልቱ ስለዝኾነ’ዩ ሓሊፉ፤ ኣምላኽ ኣይበሎን ብምባል እቲ ዝብኢ ዝገብሮ ነገር ክሳብ ምቕባል በፂሖም ነይሮም” ክብል ተዛሪቡ።

ብምኽንያት እዚ ድማ፡ እዚ ተግባር ኣብ ባዕልናን ስድራናን ፀገም ክፈጥር እዩ ዝብሉ ወቐሳታት በዚሐሞ። ቁፅሪ “ዝቐትሎም” ኣዛብእ እንትውስኽ ግና፡ ሰባት ተቓውሞኦም ካብ ምንካይ ሓሊፎም ክተሓባርዎ ጀሚሮም።

“ዝቐተልክዎም ኣዛብእ ሽድሽተ ምስ በፅሑ፡ ስለ ዝቐብሮም፡ ምሳይ ጉድጓድ ኵዒቶም ክቐብሩ ጀሚሮም። ሸውዓተ እናበለ እቲ ቁፅሪ ምስ ወሰኸ፡ እናለምድዎ ከይዶም፡ ዋላ ሓደ ዝተፈለየ ነገር ከም ዘየለ ፈሊጦም” ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልእ ንመላእ ድሬዳዋ ዘሰምበደ ካልእ ናይ ዝብኢ መጥቃዕቲ ተሰሚዑ።

እቲ ወዲ ሰለስተ ዓመት ብዝብኢ ምስ ተበልዐ ድሕሪ 37 መዓልታት፡ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ናይ ምሸት ቁጣባ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ “ምስ ወላዲታ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቐት ዘይነበራ” ጓል ሰለስተ ዓመት ህፃን፡ ወላዲታ ናብ እንዳ ኣቑሑ ገዛ ፈንተት ኣብ ዝበለትሉ፡ ዝብኢ ኣትዩ ሒዝዋ ከይዱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ነባርቲ እቲ ከባቢ ተኣኪቦም ብዙሕ ፃዕሪ እንተገበሩ’ውን፡ ሂወት እዛ ህፃን ግና ምትራፍ ኣይተኽኣለን።

ኣብቲ ከበቢ ሓደ ዝብኢ እዩ ዘሎ። እዚ ዝብኢ ኣብ ህፃናት መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ድማ ህፃን ንዘለዎ ኩሉ ዘደቅስ ኣይኰነን።

ኣብዚ እዋን ነይሩ፡ ምስ ኣዛብእ ብምቅላስ ሽሙ ናብ ዝገነነ ዮናስ ዝደወሉ።

ዮናስ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝሰርሑ መራሕቲ ባጃጃትን ሓለዋን፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ እቲ ዝብኢ ሓበሬታ ሓቲቱ።

እቲ ሓበሬታ እኹል ኰይኑ ስለ ዘይረኸቦ ግና ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ምስ ዋርድያታት ብምሕዳር፡ ኣብ ሰለስተ ከባብታት መውፅእን መእተውን እቲ ዝብኢ ኣፅኒዑ።

እቲ ዝብኢ ናብ ካልእ ከባቢ ዘይኸይድ፣ ናብ መሰታቱ ዘይሕወስ፣ ገዚፍን ዓብይን ከም ዝኾነ ተረድአ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዮናስ ኣብ ሓደ ነገር ርግፀኛ ኰነ፤ ሙሉእ ምንቅስቓስ እቲ ዝብኢ እታ ህፃን ናብ “ዝተበለዐትሉ” ከባቢ ምዃኑ።

እቲ መፃወድያ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣጠናኸሮ። ርግፀኛ ኣብ ዝኾነሉ መውፅኢ እቲ ዝብኢ ድማ ኣቐመጦ።

“ሓደ ሓደ እዋን፡ ጥቕዓት ንዝፍፅም ዝብኢ ምሓዘይ ሓቂ ስለ ዘይመስሎም (እቲ ዝሞተ) ዝብኢ ንነበርትን ህፃናትን እቲ ከባቢ የርእዮም” ዝብል ዮናስ፡ “ነቲ ዝብኢ ስለ ዝፈልጥዎ” ምስ ረኣይዎ ርግፀኛ ከም ዝኾኑ ይሕብር።

ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንደሓር ኣብቲ ከባቢ ብዝብኢ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ደው ከም ዝበለን ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ሩፍታ ከም ዝረኸቡ ይገልፅ።

ብኸምዚ ዝበለ መገዲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ድሬዳዋ መጥቃዕቲ ዘብፅሑን ስግኣት ዝኾኑን 34 ኣዛብእ ‘ተቓሊሱ’ ከም ዝቐተለ ይሕብር።

ዮናስ ኣብዚ ስርሑ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘጥሓሉ ተጓንፎታት ኣጋጢመሞ እዮም።

ሓደ እዋን ናብ እግሪ ዝብኢ ወዲቑ፡ ካልእ እዋን ድማ ምስ ዝብኢ እናተቓለሰ ካልእ ዝብኢ ብድሕሪት መፅይዎ፡ ህይወቱ ‘ብተኣምር’ እያ ተሪፋ።

መንእሰይ ዮናስ

ምንጪ ስእሊ, YONAS BELIHU

ንነበርቲ ካብ መጥቃዕቲ ዝብኢ ናይ ምክልኻል ክፍሊት

ዮናስ ህይወቱ ንሓደጋ ኣቃሊዑ ንዝፍፅሞ ተግባር፡ ካብ ነበርቲ ካብ ሞሳ ብዝዘለለ ክፍሊት ረኺቡ ኣይፈልጥን።

ስርሑ ዝፈልጡ፡ ካብ ልቦም ይምርቕዎ፤ ህፃናት ድማ ከም ጅግና ይቖፅርዎ።

“ህፃናት ክርእዩኒ እንከለዉ፡ ፀዋትኦም ኣቋሪፆም ይስዕስዑ። ሓጐሶም ዝኾነ ዝስሕብ ነገር ኣለዎ” ክብል ይገልፅ ዮናስ።

“ኣደታት ኩሉ ግዘ እየን ዝምርቓኒ፤ ህፃናት ክርእዩኒ እንከለዉ ሕጉሳት እዮም። ብፍላይ ስግኣት ዝኾኖም ዝብኢ እንክሕዝ፡ ብዝተፈለየ ኩነታት እዮም ዝርእዩኒ። ናቶም ሓጐስ፡ ንዓይ ኩሉ ግዘ እዩ ሓጐስ ዝህበኒ” ይብል።

ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝኾነ ዮናስ፡ ብዝሰርሖ ስራሕ ዋላ’ኳ ሕጉስ እንተኾነ፡ “ሰብ እየ እሞ ሓደ ሓደ ግዘ ፍርሒ እንትመፅእ፡ ንኹሉ ነገር ዘጥፍአለይ ኣብ ከባቢ ቁጠባ ብዝብኢ ናይ ዝተበልዐት ህፃን ስእሊ ክርእይ እንከለኹ’ዩ። ኩሉ ነገር ካብ ምግባር ድማ ንድሕሪት ኣይብልን” ብምባል ይዛረብ።

ዮናስ፡ እዚ ዝፍፅሞ ተግባር ክንደየናይ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ብቪድዮ እንከይተረፈ ኣርእዩ፡ ኣብ ሓደ እዋን “ዝተወሰነ ድጋፍ ገንዘብ” ተገይርሉ ከም ዝነበረ ገሊፁ።

እዚ ድጋፍ እንተዝቕፅል፡ ሕዚ ካብ ዘለዎ መፃወድያ ዝሓሸን ብቐሊሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ዝኽእሉ መፃወድያታት ክሰርሕ ይደልይ።

ኣዛብእ፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንህፃናት ዝደኸሙ ሰባትን ስግኣት ከም ዘይኰኑ ምስ ኣረጋጋፀ ድማ ኣብ ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን መጥቃዕቲ ንዘብፅሑ ኣዛብእ “ምዕጋስ” ባህጉ እዩ።

ዮናስ፡ “ ህፃን ኰነ ዓብይ ሰብ (ብዝብኢ) ተበሊዑ ዝብል ነገር ብጣዕሚ’ዩ ዝርብሸኒ። ብፍላይ ህፃናት ነቲ ዝብኢ ዝቃለስሉ ዓቕሚ የብሎምን። እዚ ነገር ብጣዕሚ ስለ ዝርብሸኒ ኣዛብእ ኣብ ዘፀግምሉ ቦታ እንተዝበፅሕ ደስ እብለኒ” ኢሉ።