ጥሮተኛታት ትግራይ፡ ስለምንታይ ንጥሜትን ሕማምን ተቓሊዖም?

ጥሮተኛ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Tv

ወዲ 70 ኣይተ ዓፈራ ወልደኣረጋይ እተን 263 ብር ጡረታ ካብ ዘይወስዱ ክልተ ዓመት ይገብሩ።

ካብ ብቐደሙ ኣይኮነን ንቐለብ ንመግዝኢ መድሃኒት እውን ከምዘይኣኽለኦም ይዛረቡ።

ብሰንኪ ፀቕጢ ደምን ሕማም ነርቭን ይሳቐዩ ኣለዉ። በዓልቲ ቤቶም ስራሕ የብለንን። ሰለስተ መናእሰይ ደቆም እውን ስራሕ ክረኽቡ ስለዘይከኣሉ ኣብ ዕፅው ገዛ ኣመና ከምዝተፀገሙ ይገልፁ።

ወይዘሮ መረሳ ካሕሳይ ጥሮታ ዝወስዱ ዝነበሩ በዓል ቤተን ብሕማም ቅድሚ ክልተ ዓመት ዓሪፎም። ወርሓዊ 1300 ብር ይወስዱ ብምንባሮም ናብራ ከምዓቕምና ንነብር ነይርና ይብላ።

"ሎሚ 1300 ዋጋ ሓንቲ ፌስታል እውን ዝመልእ ኣስቤዛ ኣየግዝእን። ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ዝተቋረፀ ክፍሊት ጥሮታ ክሳብ ሎሚ ኣይረኸብኩን። ብዛዕባ ናብራ ፀይኻ ትገብሮ ነገር የብልኻይ። ስንኻ ለኺትካ ጥርቅም እዩ። ትምጉቶ ትጥይቖ ሰብ የለይ። ንውዕል ንሓድር ኣለና" ብምባል እቲ ኣብ ርእሰን ወሪዱ ዘሎ ፀገም ከቢድ ከምዝኾነ ይዛረባ።

ኣቦይ ኣረጋዊ ኣፅብሃ ክፍሊት ጥሩታ ካብ ዘይወስዱ ክልተ ዓመት ከምዝገበሩ ይዛረቡ።

"ኣብ ወረዳ መረብለኸ እየ ዝነብር ነይረ። ኣብ ልዕሊ መሃያይ ዘይምርካበይ ንብረተይን ጥሪተይን ብ[ሰራዊት] ሻዕብያ ተዘሚተ" ይብሉ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዀይኑ ዝተዋገአ ዀይኑ፡ ካብ ነበርትን ዓለም-ለኸ ትካላትን ክስታት ሰብኣዊ ግህሰት መሰላት ይቐርበሉ፤ ምንግስቲ ኤርትረ ግን ነዞም ክስታት ክነጽጎም ይስማዕ።

ኣቦይ ኣረጋዊ ኽልተ ዓመት ክፍሊት ጥሩታ ብዘይምርካቦም ሽድሽተ ቆልዑ ንምንባይ ዝህልዎ ብድሆ ኣዝዩ ረዚን ከምዝኾነ ይገልፁ።

"ክፍሊት ጥሮታ መንግስቲ ይቀየር ብዘየገድስ ብግድን ዝኽፈል እዩ። ኣብ ትግራይ ንዘለና ጥሮተኛታት ግን ክፍሊት ይጀመር ክበሃል እንከሎ ዛጊድ ናይ ሰለስተ ወርሒ ተዋሂቡና ኣሎ። ግን ከምኡ ድዩ ክኸውንዝግባር?" ብምባል ቅርታኦም ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጡረተኛታት መንግስቲ 75 ሽሕ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅmመር ኣትሒዙ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ክፍሊት ኣይወሰዱን።

እቲ ኣብ ገለ ዝተኽፈለ ድማ ዘይምዕሩይ እዩ። ኣብ ከተማታት ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረን ኣላማጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናብተን ከተማታት ምስኣተወ ክፍሊት ከምዝረኸቡ ይዝረብ።

ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ትግራይ ዝነብር ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ጥሮተኛታት ክሳብ ሎሚ ኣይተኸፈሎምን።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበሩ ጥሮተኛታት ዝበዝሑ ገሊኡ ናብ ሱዳን ገሊኦም ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ስለዝተፈናቐሉ ብዛዕባኦም ሃለዋቶም ንፁር ሓበሬታ ምርካብ'ውን ኣይተኻእለን።

ኣብቲ ዞባ፡ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ድሕሪ ሸውዓተ ውርሒ'ውን እንተዀነ፡ 'ምፅፃይ ዓሌት' ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻብ ሁይማን ራይተስዎች የመልክት።

ኣይተ ዓፈራ ወልደኣረጋይን ወይዘሮ መረሳ ካሕሳይን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ ሕዳር ድሕሪ ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብቲ ክልል ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክመለስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ውዕል ተኹሲ ኣይሃሉ'ምበር ሕዚ'ውን ብዙሓት ፀገማት ዘይተተንከፉ ኰይኖም ካብ መንጎኦም ክፍሊት ጡረተኛታት ሓደ ይጥቀስ።

ዶ/ር ገብረሚካኤል ንጉሰ ኣቦ መንበር ማሕበር ጥሮተኛታ መቐለ እዮም።

ሚያዝያ 30 ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባል ጥሮተኛ ኣብ መቐለ ሰልፊ ብምውፃእ ድምፁ ከምዘስመዐ ኣዘኪሮም።

"ድምፅና ስለዘስማዕና ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድፍኢት ክገብር ሓጊዙና" ይብሉ።

ካብ ፌደራል መንግስታዊ ሰብ መዚ ካብ ትካል ማሕበራዊ ውሕነት ፌደራል ናብ መቐለ መፂኦም እውን ምሳና ተዘራሪቦም።

ክፍሊት ካብ ሚያዝያ ወርሓዊ ተጀሚሩ እዩ፡ ዘይተኸፈሎም ግን ስለዘለዉ ክነፃሪ ኢና ኢሎም።

'እቲ ዝተረፈ ውዙፍ ናይ ልዕሊ 21 ኣዋርሕ መንግስታዊ ውሳነ ክንፅበ' ኢሎም።

ብድሕርኡ ክሳብ ሕዚ ለውጢ የለን።

"ካብቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ተቖሪፁ ዝወሃቦ ኣሎ። ካብ ወርሒ መስከረም መንግስቲ ንጡረተኛታት ዝገበሮ ወሰኽ እውን ኣይሃቡን። ኮታስ እቲ ኣከፋፍላ ጠገለ ዘይብሉን ዘይምዕሩይን እዩ። "

ብደረጃ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ማሕበር ጥሮተኛታት የለን። ኣብ መቐለ፣ ዓዲግራትን ዓዲግራትን ጥራሕ እዩ ተጣይሹ ዘሎ።

ኣይተ ክፍለማርያም ይርጋው ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ማሕበር ጥሮተኛታት መቐለ እዮም።

ናይ ጥሮታ ክፍሊት ዘይምውሳዶም ምሒር ከምዝተፀገሙ ይገልፁ። ኣብቲ ዘለዎም ሓላነት ኮይኖም ግን ንርእሶምን ኣባላቶምን መሰል ክብሉ ኣብ ቃልሲ ይርከቡ።

"ኣነ ንባዕለይ 19 ደቀይን ደቂደቀይ ሓዊሱ ን45 ኣባላት ስድራይ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ንእሽተይ ሓወይ እናለኣኸልና ኢና ንሓልፎ ዘለና" ኢሎም።

ጡረተኛ ዋላ መንግስታዊ ለውጢ ይከሰት ዝወሃቦ ክፍሊት ብሕጊ ኣይቋረፅን።

ማሕበር ጥሮተኛታት መቐለ ጕጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ኣጣይሹ ኣሎ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካሕሳን ንምሕታት ምንቅስቓስ ከምዝጅሩ ዶ/ር ገብረሚካኤል ተዛሪቦም።