ናይ ጥዕና መልዕሎ ዝጎደሎም ቻይናውያን ሽማግለታት ንመንግስቶም ተቓዊሞም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/ SOCIAL MEDIA GRAB
ንጥዕና ዝወሃቦም መልዐeሎ ዝጐደሎም ጡረተኛታት ቻይና ንተቓውሞ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም።
እቶም ሽማግለታት ትማሊ ሮቡዕ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ውሃን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ምብራቕ እትርከብ ከተማ ዳሊያን ተኣኪቦም ተራእዮም።
እዚ ናይ ኣደባባይ ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ እዩ።
እቲ ተቓውሞ፡ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ዓመታዊ ጉባኤ ንምክያድን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምምራጽን መደብ ኣብ ዝሓዘሎም ሰሙናት ይካየድ ምህላው ድማ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ናይ መጀመርታ ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሃን ክካየድ እንከሎ ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ንጡረተኛታት መንግስቲ ዝወሃብ ወጻኢታት ሕክምና ክንንኪ ኢና ምባሎም ስዒቡ ዝተላዕለ እዩ።
መዛሕትኦም ኣብ ኣደባባይ ተቓውምኦም ዘስምዑ ኣረጋውያን ጡረተኛታት ምዃኖም ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወጽኡ ቪድዮታት የርእዩ።
ብዙሓት ወጻኢታት ሕክምና ኣብ ዝዓረገሉ እዋን መንግስቲ ከምዚ ዓይነት መደብ ምሓዙ ከም ዘቘጥዖም ተዛሪቦም።
ዋላ’ኳ ጉዳያት መድሕን ጥዕና ዝርእያ ክልላት ወይ ግዝኣታት እንተዀና እቲ ተቓውሞ ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት እታ ሃገር ልሒሙ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብታ ወዝቢ ናይ ኣደባባይ ተቓውሞ ዘይግበረላ ቻይና ከም ሓድሽ ክስተት ኰይኑ ይርኣይ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ እታ ሃገር ፖሊሲ ዜሮ ኮቪድ ቻይና ንምቅዋም ናብ ኣደባባይ ምውጽኦም ይዝከር።
እቲ ፖሊሲ ሃንደበታዊ ጃምላዊ መርመራ ከምኡ’ውን ገደብ ምንቅስቓስ ዘካትት ስለ ዝዀነ ብምኽንያት እቲ ተቓውሞ ክቕየር ክኢሉ እዩ።
እንተዀነ ኣብ ፖሊሲ ዝተገብረ ሃንደበታዊ ለውጢ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ክስፋሕፋሕ ምኽንያት ስለ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ሓያሎ ጸቕጢ ኣስዒቡ ኣሎ።
ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተገልጸ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን ካብዚኦም መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ከም ዝዀኑን ጸብጻባት የመልክቱ።
ሰብ መዚ ምምሕያሽ እዩ ብዝብል ዝገለጹዎ ለውጢ ጥቕማ ጥቕሚ ጥዕና ኣረጋውያን ድማ፡ እታ ሃገር ካብቲ ዝኸፍአ ማዕበል ኮቪድ ምውጽኣ ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







