ክሕከሙ ኢሎም መጺኦም ኣብቲ ሆስፒታል ዝተደበዩ ሕሙማት

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ፡ ሰባት ሓሚሞም ክሕከሙ ዝመጽእሉ ዝነበሩ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኢስከንድሮም ደቭለተር ሃስታንሲ ዝተባህለ ዓቢ ሆስፒታል’ዩ።
እንተዀነ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ብዘጋጠመ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዝፈረሰ፡ እቶም ምሕረት ደልዮም ኣብቲ ሆስፒታል ዝጸንሑ ሕሙማት መብዛሕትኦም ኣብኡ ተደብዮም።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሕሙማት፣ ንሕሙማት ዝበጽሑን ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታልን ዝርከብዎም 300 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ከም ዝነበሩ ይሕብሩ።
ካብኦም ክንደይ ብህይወት ከም ዝወጽኡ ግን ኣይገለጹን።
ኣዝማድ ኣብቲ ሆስፒታል ዝተደበይዎም ሓያለ ሰባት ምስ ምፍራስ እቲ ሆስፒታል ብዝተሓሓዝ ቁጥዕኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ብዘይ ምኽንያት ከኣ ኣይኰነን።
ሚኒስትሪ ህንጻን ሚኒስትሪ ጥዕናን እታ ሃገር ኣብ 2012 ብዝገበርዎ ምጽራይ እቲ ህንጻ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ኣብ መደምደምታ ከም ዝበጽሑ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ ብንጹር ብቀይሕ ሕብሪ ተጻሒፉ ኣሎ።
እቲ ህንጻ ብድሕሪኡ ዝዀነ ጽገና ተገይርሉ እንተዀይኑ ዝተገለጸ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የብሉን ዝተባህለ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ህንጻ ንምንታይ ኣገልግሎት ክህብ ተፈቒድሉ ዝብል’ዩ ቁጠዐ ኣላዓዒሉ ዘሎ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም እንከሎ ንኣሊካን ካናር ዓባያን ሓዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል’ዮም ነይሮም።
ሬሳ ናይ ዓበያ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ትማሊ ሰሉስ’ዩ ተረኺቡ።
“እዚ ጽሕፍቶ’ዩ ኢልና ዕሽሽ ንብሎ ኣይኰነን፤ ጌጋ ናይ ሰባት፡ ጌጋ ናይ ሓለፍቲ ብዓቢኡ ኸኣ ጌጋ መንግስቲ’ዩ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወር ኣይክእልን’ዩ ተባሂሉ ብክኢላታት ዝተመስከረሉ ህንጻ ክዕጾ ጥራይ’ዩ ነይርዎ” ብምባል ብምረት ትዛረብ።
ካልኦት መቕርቦም ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ዝተደበይዎም ሰባት፡ ኣብ ጥቃ እቶም ብማሽነሪ ነቲ ፍርስራስ ዝዅዕቱን ዝኣልዩን ዝነበሩ ሰባት ኮይኖም፡ ኣካላቶም ብዶሮና ተሸፊኖም ከብዶም ሓቊፎም ንዝፍጠር ነገር ክጽበዩ ይርኣዩ።
እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሓያለ ስድራቤታት፡ ካብ ጅቡኦም ንኽራይ ማሽነርን ነዳድን ሰልዲ ኣውጺኦም ሬሳ መቕርቦም ይደልዩ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ገለ ካብኦም ኣብቲ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ወለናታውያን ውልቀሰባትን ማሕበራትን ድኣ’ምበር ብመንግስቲ ቱርኪ ዝምወላ ትካላት ህይወት ኣድሕን ከም ዘይርኣዩ ብምምልካት መንግስቲ ዝሕታለ ከም ዘርኣየ ይነቅፉ።
ኣሊካን ካናር’ውን ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ ኣብ መጀመርታ ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ሓደጋ ውሑዳት ሰብ መዚ መንግስቲ ከም ዝርኣየት፤ ንሶም’ውን ነዚ ዝስራሕ ዝነበረ ንምርኣይ’ምበር ዝዀነ ማሽነሪ ከም ዘይቐረቡ ትገልጽ።
“እዚ ሆስፒታል ምስ ፈረሰ ንኽልተ ሰለስተ መዓልታት ዝዀነ ተፍትሽ ኣይተኻየደሉን። ክረድእ ዝመጽአ’ውን ስለ ዘይነበረ ብኣእዳውና ኢና ክንኩዕት ጀሚርና። እዚ ዝዀነ ምውህሃድ ከም ዘይነበረ’ዩ ዘርእየካ፤ ቅድመ ምድላዋት ተገይሩ ጸኒሑ እንተዝኸውን ህይወት ብዙሓት ሰባት ምድሓነ ነይሩ። ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ትምህርቲ ክውሰድ ኣለዎ” ትብል።
ኣብቲ ዝፈረሰ ህንጻ እንከለና፡ ‘ኣፋድ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ብመንግስቲ ቱርኪ ዝምእከሉ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን መጺኦም።
እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ግን ብቑጠዐ’ዩ ተቐቢልዎም።
ሓንቲ ሰበይቲ ብዓውታ “ኣብዚ ንትሽዓተ መዓልታት ኢና ተጸቢና” ኢላ ክትዛረብ ምስ ጀመረት ወኪል እቲ ኣፋድ ኣብ መጀመርታ መጺኡ’ኳ እንተነበረ፡ ቁጠዐ ህዝቢ ምስ በዝሐ ካብቲ ቦታ ምስ ተኣለየ ተመሊሱ ኣይመጽአን።
ንሕና ኸኣ ንሓያለ ሰዓታት ድሕሪ ምጽባይ ካብቲ ቢታ ተኣሊና።
እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሬሳ ኣብ ዝረኸብሉ፡ ኣብ ጁባ ሞዋቱ ንመንነቱ ዝሕብር ታሴራ እንተረኸቡን መልዓሊ ሬሳ ዝኸውን ላስቲክ ንምቅርራብን ደው ይብሉ’ዮም።
ብድሕሪ እዚ ዝስዕብ ኣውያት ናይቶም ተጸበይቲ’ዩ።
ሕጂ ሬሳ ረኺቦም ኣለዉ፡ መንነቲ መዋቲ፡ በቲ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ ኣብ ምናቱ ዝተኣሰረሉ ስሙ ዘለዎ ጎማ’ዮም ፈሊጠሞ።
ጓሉ ክትውን ትክእል፤ ዝያዳ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ሞባይላ ዝነበረ ስእሊ ኣቡኣ ነቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣርእያቶም።
እወ ኣቡኣ’ዩ፤ እወ ጓሉ’ያ።
እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ሬሳ ናብ ጸሊም ጎማ ከእትውዎ እንከለዉ ጓሉ ድሮ ‘ፓፓ ፓፓ’ እናበለት ነቲ ኸባቢ ብኣውያት ነቕነቐቶ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







