መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ብ70 ሚእታዊት ነክዩ - ሶማልያ

ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሶማልያ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብ70 ሚእታዊት ኣብ ንምንካይ ከም ዝተዓወተት፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እዚ ዓወት ክርከብ ዝኸኣለ ኣንጻር ጉጅለ ግብረሽበራዊ ኣል-ሸባብ ብዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከም ዝዀነ’ውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ፡ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ጻዕርታት’ውን ዕዉት ኰይኑ’ሎ።

ከም ውጽኢቱ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ንቅዱስ ወርሒ ሮሞዳን ብሰላም ከኽብሩ ከም ዝኸኣሉ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ገሊጹ።

እቲ ካቢነ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓምሳ ዓብዲ ባረ ዝምራሕ ሰሙናዊ ኣኼባኡ’ዩ።

ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ሶማልያ ብዘካየዶ ወፍሪ ብውሕዱ 80 ቁሻታትን ከተማታትን ከም ዘምለሰ’ውን እቲ ካቢነ ኣመልኪቱ።

ብምልሻታት ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ካብ ነሓሰ 2022 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ቅድሚ እቲ ስርሒት፡ እቶም ዕጡቓት ብፍላይ ኣብ ሞቃድሾን መደበራት ሰራዊትን መጥቃዕቲ ኣሐይሎም ነይሮም።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ሲቪላት ከምኡ’ውን ኣባላት ዕጡቕ ሓይልታት ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት መንግስቲ ሶማልያ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ዘጠቓለለ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ሶማልያ ዝተሳተፉሉ ሓባራዊ ስርሒት ኣካይዱ እዩ።

ኣብዚ ስርሒት ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 130 ዕጡቓት እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ 'ዘን ኣዋርሕ፡ እቲ ኣብታ ሃገር፡ ብዙሕ ህላወ ዘይነበሮ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብዝወስድዎ ስጉምትታት፡ ስፍሕ ዝበለ ግዝኣታት ተመንዚዑ እዩ።