መራሒ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ሶማልያ ብፍሉይ ኣሃዱ ኣመሪካ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ንመራሒ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ሶማልያ ከምዝቐተሉዎ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።
ቢላል ኣል-ሱዳኒ ኣብ ርሑቕ ጎቦታት ኣብ ዝርከብ ባዓቲ'ዩ ብኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኣመሪካ ተቐቲሉ።
"ኣል-ሱዳኒ፡ ንጉጅለ ኣይሲስ [ዳዕሽ] ኣብ ኣፍሪቃ ብምስፋሕ ተሓታቱ'ዩ" ክብል ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣውስቲን ገሊጹ።
ብዓለም ደረጃ ነቲ ሕሉፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ምምዋል ተዋፊሩ ምንባሩ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዘለዉ'ውን እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ተዛሪቡ።
ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ክንዲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ምስዳዱ፡ እቲ እስላማዊ መራሒ ኣገዳሲ ምንባሩ ዘርኢ'ዩ።
ዋላ'ኳ ብዛዕባ'ቲ ስርሒት ዝርዝር ሓበሬታ እንዘይወጸ፡ እቶም ፍሉያት ወተሃደራት ብሄሊኮፕተር ናብቲ ቦታ ብምዃድ ክሕዝዎ ከምዝፈተኑን፡ ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝተቐትለን ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ናብ ሶማልያ ከምዝሰደደ ይዝከር። ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ወተሃደራት ከምዝወጹ ገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ ግና፡ እቶም ዝተላእኩ ወተሃደራት ንሓይልታት መንግስቲ ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ዝተዋህቦም 'ምበር ብቐጥታ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝሳተፉ ኣይነበሩን።
ጉጅለ ዳዕሽ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ህላዌኡ ኣብ ከም ሞዛምቢክን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ከስፋሕፍሕ ምጽንሑ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሶማልያ ዘለዎ ህላወ ድሩት እዩ። ብኣንጻሩ ኣብታ ሃገር ዝሰፍሐ ቦታን ህላወን ዘለዎን ምስ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ኣለዎ ዝብሃልን ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቅድሚ ናብ ዳዕሽ ምጽንባሩ፡ ኣል-ሱዳኒ፡ ኣብ ስርሒታትን ስልጠናን ኣል-ሸባብ ይሳተፍ ምንባሩ ይግለጽ። ኣብ ገለ እዋን ድሕሪ 2010 ግን ካብ ኣል-ሸባብ ብምፍንጫል ምስ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎ ናቱ ጉጅለ መስሪቱ ይብል ዲኖ ማህታኒ ዝተባህለ ተመራማሪ ጉዳያት ጸጥታ።
ፍሉይ ክእለትን ፋይናንሳዊ ተራን ስለዝጻወት ኣብ ዓይኒ ሰብመዚ ጸጥታ ከምዝኣተወ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ብዓልስልጣን ኣመሪካ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።
ኣል-ሱዳኒ "መርበባት ዳዕሽ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ንታሕቲ ናብ ሞዛምቢክ ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ሰብ" ከምዝኾነ'ዩ ማህታኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ "ናብ ሰሜናዊ ሶማልያ ኣጽዋራት ኣብ ምስግጋር ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ኮይኑ፡ ምስ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ'ውን ምትእስሳር ዘለዎ'ዩ"።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ ንክትሓዝ ወይ ክቕተል "ልዑል ተገዳስነት" ተገይሩሉ ጸኒሑ።
ነቲ ስርሒት ንምክያድ ኣዋርሕ ከምዝወሰደ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ምቕታል ኣል-ሱዳኒ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
"እወታውን ብሓጎስ ንቕበሎን'ዩ" ክብል ኣማኻሪ ጸጥታ ሑሴን ሸኽ ዓሊ ተዛሪቡ።
ዳዕሽ ኣብ ሶማልያ ክንድቲ ናይ ኣልሸባብ ዝኸውን ዓቢ ስግኣት ከምዘይኮነ ዘስመረሉ እቲ ብዓልስልጣን፡ ኣል-ሱዳኒ ግና "ሓደገኛ" ወልቀሰብ ምዃኑ ገሊጹ።
"እዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ መራሕቲ ኩሎም ጉጅለታት ሽበራ ኣብ ሶማልያ ውሕስነት ከምዘይብሎም'ዩ" ድማ ኢሉ።
ዳዕሽ ሶማልያ፡ እቲ ዝንኣሰ ክፋል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከብ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣብ 2022 32 መጥቃዕትታት፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሞቓድሾ፡ ፈጺሙ።
ብመሰረት ገምጋም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሶማልያ ካብ 200 ክሳብ 280 ኣባላት ኣለውዎ። ነቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘሎ ምንቅስቓስ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ምምዋል ተራ ከምዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ጉጅለ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዞባ ባሪ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ዘካየዶ ውግእ የርኢ።
ኣመሪካ ቅድሚ ሓደ ሰሙን'ውን 30 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ ነይራ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ቀጻሊ ስርሒታት ብምክያድ ሰፋሕቲ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ከምዝኻኣሉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







