ኣብ ሶማሊላንድ ብዝተወልዐ ጐንጺ ኣሽሓት ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም

ነቲ ጐንጺ ዝጻብኡ ተቓውሞታት ክካየዱ ጸኒሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብታ ርእሰ-ምሕደራኣ ዝኣወጀት ሪፐብሊክ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት መንግስትን ሚሊሻታትን ብዝተወልዐ ጐንጺ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ናብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከም ዝተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዞባ ላስ ኣኖድ ሶማሊላንድ ወጺኦም ናብ ኢትዮጵያ ዶሌ ዝተባህለ ከባቢ ዝኣተዉ ሰባት ኣስታት 80 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ፣ ነፍሰጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ከምኡ'ውን ህጻናት - ገለ ካብ ስድርኦም ዝተፈልዩ ሓዊሱ - ምዃኖም እቲ ትካል ይሕብር።

ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 1000 ሰባት ካብቲ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣብተን ብሰንኪ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ፍሹል ወቕትታት ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ካብ ዝተሃስያ ከባቢታት ዝስደዱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝገበረ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 180 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሶማሊላንድ ተመዛቢሎም ኣብ 66 መዓስከራት ከም ዝሰፈሩ ይእመን።

ሶማሊላንድ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ካብ ሶማልያ ናጽነታ እኳ እንተኣወጀት፡ ብዓለም ደረጃ ግን ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ሶማሊ ላንድ፡ ኣብቲ ዘይርጉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ርጉእ ዞባ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

መረጻ ድሕሪ ምድንጓዩ ግን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝለዓል ወጥሪ እናሰፍሐ መጺኡ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ላስ ኣኖድ ውግእ ምስ ተላዕለ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም።