ኣባል ኮንግረስ ጆርጅ ሳንቶስ፡ ‘ኣነ ዕሉል ሓሳዊ እየ ነይረ'

ኣባል ኮንግረስ ጆርጅ ሳንቶስ

ምንጪ ስእሊ, TALKTV

ኣባል ኮንግረስ ጆርጅ ሳንቶስ ምስ ‘ቶክ ቲቪ’ ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ቃለ መሐትት፡ ‘ኣዝዩ ዕሉል ሓሳዊ’ ምንባሩ ተኣሚኑ።

እቲ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ዘሎ ሪፓብሊካን ንኣቕራቢ እቲ መደብ፡ ፒየርስ ሞርጋን ኣብ ቶክቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዀይኑ ጌጋታት ከምዝፈጸመ እኳ እንተኣመነ፡ ሓሶቱ ግን "ንህዝቢ ምትብላል" ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኣብ ክንድኡስ፡ "ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ’ቲ ውድብ [ሪፐብሊካን] ተቐባልነት ንምርካብ ሃቂነ እየ" ኢሉ።

ሚስተር ሳንቶስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝምረጽ ጀሚሩ ብርቱዕ ተቓውሞ የተኣናግድ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መንበር ዝዓተረ ናይ መጀመርታ ብግልጺ ‘ሕደ ጾታ’ ምዃኑ ዝኣመነ ሪፓብሊካን ተባሂሉ ተንኢዱ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ግን፡ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ንትምህርቱን ተመኩሮ ስራሕን ሓዊሱ ሰፊሕ ክፋል መረዳእታ ስርሑ [ሲቪኡ] ኣብ ሕቶ ዘእተወ ዛንታ ብምዝርጋሕ፡ ተወሳኺ ጸብጻባት ውሒዙ።

ኣብ ብራዚል ናይ ምትላል ክሲ ገጢሙዎ ንብዙሕ ወጻኢታት ጎስጓስ ከም ዝመርሐ፡ ኣብ ጎልድማን ሳክስ ምስራሑን ብዛዕባ ምውናን ንብረትን ከም ዝሓሰየ - ዋላ'ውን ነቲ ንስፓይደር-ማን ሙዚቃዊ ፊልም ኣብ ብሮድዌይ ከም ዘፍረየ ዝተዛረቦ ኩሉ ሕሶት እዩ።

ሚስተር ሳንቶስ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ንፒየርስ ሞርጋን ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ካብቲ "ኣብ ህይወቱ ዝዓበየ ጣዕሳ" ናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ከም ዘለዎ ምሕሳው ምዃኑ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚስተር ሳንቶስ ንምንታይ ከምኡ ክገብር ከም ዝመረጸ ምስ ተሓተተ፡ "ትጽቢት ካብ ሕብረተሰብ ዝመጽአ ጸቕጢ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።

"ዋላ'ኳ ኣዝዩ ተኣማንነት ዘለዎ ናይ ንግዲ ሞያ እንተሃነጽኩ ንቤት ጽሕፈት ክወዳደር ከም ዝደሊ ወሲነ ግን ንዕኡ ዝበቅዕ ህይወት ታሪኽ የብለይን። በቃ ብኡ ከይደ፡ ሓሶት ክትፈጥር እንተኾይንካ፡ ብፍጹም ትሓስብ ዲኻ?" ብምባል ወሲኹ ገሊጹ።

ሚስተር ሳንቶስ ኣብ 2020 ንተመሳሳሊ መንበር ኮንግረስ ከም ዝተወዳደረን ከም ዝተዓወተን ኣመልኪቱ።

‘ኣይሁዳዊ እየ' ኢሉ ከምዘይፈልጥ ነገር ግን፡ ንነብሱ "ኣይሁዳዊ" ብምባል ድማ "እቲ ውድብ ዝፈትዎ ዋዛ" ደጋጊሙ ከም ዝቐለደ እዩ ዝገልጽ።

ኣዲኡ፡ በቲ ብ9/11 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ንግዲ ዓለም ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ከም ዝነበረት ምዝራቡ ሕቶ ዝቐረበሉ ሚስተር ሳንቶስ፡ "እዚ ሓቂ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ [2016] ስለ ዝሓለፈት ብዛዕባ ህይወት ኣደይ ኣይካታዕን እየ፡ ንሕድሪ ኣደይ ዳግማይ ክትሽርሽር ምፍታን ድማ ኣዝዩ ፋሉልነት 'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ንዓይ ዘደናገረትኒ ኣደይ ኣይነበረትን. . . እቲ ሓቂ ከምኡ ምዃኑ ኣሚነ እየ ጸኒሐ" ኢሉ።

ካብ ውሽጢ ውድቡ ስልጣኑ ክለቅቕ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ እዚ ወዲ 34 ዓመት መንእሰይ፡ ብዛዕባ ተመኩሮ ናይቲ ኣብ ርእሲኡ ዝካየድ ዘሎ ‘ምጽራያት’ ተሓቲቱ።

"ምቹእ ኣይኮነን" ኢሉ። "ኣነ ክጻወሮ ኣይክእልን እየ፤ ብዙሓት ሰባት ድማ ዝፈትዎ እዩ ይመስሎም፡ በቃ ክጻወሮ ኣይክእልን እየ. . . ከመይ ጌርካ ከም እትገጥሞ ክትመሃር ኣለካ፡ ኣነ ድማ ከምኡ እየ ዝገብር ዘለኹ።"

ሚስተር ሳንቶስ ብዛዕባ ይቕሬታ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብ ግንባር ካሜራ ኰይነ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። . . . ይቕሬታ ክትሓትት እንተኽኢልካ፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ንሱ'ዩ ዝመስለኒ" ኢሉ።

ሚስተር ሳንቶስ ነቲ ዝስዕብ ጸቕጢ ፈሊጡ፡ ክትወዳደር ትደሊ ዲኻ ንዝብል ሕቶ፡ "ፍጹም ኣይከውንን" ኢሉ።

ጽዑቕ መርመራታት ኮንግረስ ዝካየዶ ዘሎ ሚስተር ሳንቶስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓጋዚኡ ነበር ‘ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ’ ዝብል ክሲ'ውን የጋጥሞ ኣሎ።