'ኣሜሪካ ዘይብላ ናጻ ዓለም ዝናፍቕ' ሰብኣይ፡ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጸረ-ምዕራባውያንን ደጋፊ- ሩስያን ዝዀኑ ሓሳባት ዘስፋሕፍሕ ዓቢይ ማሕበራዊ መርበብ፡ ሩስያ ኣብ ገለ ካብተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ከተስፍሕ ይሕግዛ ኣሎ።
ኣብ Russosphère (Russian Sphere) ዝወጽኡ ጽሑፋት ንፈረንሳ ብዘመናዊ፡ "መግዛእቲ" ይኸሱ፤ ንቭላድሚር ፑቲን ይንእዱ፡ ንሰራዊት ዩክረይን ድማ፡ "ናዚ"ን "ሰይጣናውያንን" ብምባል ነቲ ወግዓዊ ወፍሪ ሩስያ ዘቃልሑ እዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሩስያውያዊ ዕሱባት ዋግነር፡ ናእዳ የጋውሑ፣ ዋላ'ውን ሰዓብቲ ክጽንበሩ እንተደልዮም ናይ ምልመላ ሓበሬታ የካፍሉ።
ከምዚ ዓይነት ግጉይ ሓበሬታ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራባውያንን ዘይምትእምማን ዝድርኽ ኰይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ንዩክረይን ደገፍ ንኸይህሉ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ።
ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታታት ዘቃልዕ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ቢቢሲ፡ ምስቲ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ዝከታተል ዝነበረ ትካል ቴክኖሎጂ 'ሎጂካል' ብምስራሕ፡ ብድሕሪ እዚ ዘሎ፡ ንነብሱ ‘ስታሊኒስት’ ኢሉ ዝጽውዕ ዘገርም ሰብ፡ ወዲ 65 ዓመት ቤልጅማዊ ፖለቲከኛ የዛምዶ።
ንሩስያ ምክልኻልን ንዋግነር ምምስጋንን
‘ሩሶስፊየር’፡ "ንሩስያ ዝከላኸል መርበብ" ኢሉ ይገልጽ። ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብዝርከቡ ሓያሎ ጕጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቘመ ኰይኑ፡ ኣብ 2021 እዩ ተመስሪቱ፤ ምሉእ ብምሉእ ግን ኣብ ለካቲት 2022 ስራሕ ጀሚሩ- ሒደት መዓልታት ቅድሚ ወራር ሩስያ ንዩክረይን።
እቲ መርበብ ብቕልጡፍ ልዕሊ 80 ሽሕ ተኸታተልቲ ረኺቡ።
ድሕሪ እቲ ወራር፡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ካብ ኵሉ ቀንዲ ማሕበራዊ መድረኻት ተደሪተን ወይ ተኣጊደን ነይረን። ሩሶስፊየር ግን ኣብ ፈይስቡክ፡ ዩትዩብን ትዊተርን ከምኡ’ውን ቴሌግራምን ቪኬን - ኣብ ሩስያ ንፈይስቡክ ዝትክእ- ቀልጢፉ ንጡፍ ኰነ።
እዚ ርኽበት፡ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ዝምድና ብቕልጡፍ እናተበላሸወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ተንተንቲ ብኸፊል ምስ ጽልዋ ክረምሊንን 'ብፕሮፖጋንዳ ዝነደደ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ደጋፊ ሩስያዊ ስምዒትን' ዝምልከት እዩ ይብሉ።
ካይል ዋልተር፡ ኣብ ሎጂካል ሓላፊ መርመራታት ኣሜሪካ እዩ። ካብቲ ብውሽጣዊ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝሰርሕ መድረኾም ዝተረኽበ ዳታ፡ ምስ ክፉት ምንጪ ሓበሬታ ብምጥቃም፡ ሎጂካል ነቲ መርበብ ናብ ሓደ ሉክ ሚሸል ዝበሃል ሰብኣይ ወሲድዎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሚስተር ሚሸል ኣብቲ ብሩስያ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ዩክረይን፡ ሕጋዊ ንምግባር ሰሪሑ'ዩ፤ ምስ "መርሲ [የቐንየልና] ዋግነር" ዝበሃል ንስራሕ ዕሱባት ሩስያ ዝድግፍ ጕጅለ ድማ ምትእስሳር ነይርዎ።
ምስ ሚስተር ሚሸል ርክብ ጌርና ንሱ ድማ ሩሶስፊየር ክዛተየሉ ተሰማሚዑ። ነቲ ማሕበራዊ መርበብ፡ ንሱ ከም ዝፈጠሮ ኣሚኑ፤ እንተዀነ፡ ካብ ሩስያ ዝዀነ ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዘይረኸበ ብምግላጽ፡ "ብውልቃዊ ገንዘብ" ከምዝምወል ሓቢሩ።

ምስ ዋግነርን ሓላፊ’ቲ ትካል፡ የቭገኒ ፕሪጎዚንን ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቡ። "እቲ ናይ ሳይበር ኲናት፡ ነቲ ናይ ሚድያ ኲናት... ኣነ እየ ዘመሓድሮ፡ ፕሪጐዚን ድማ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የካይድ" ኢሉ።
ብመሰረት ሓባራዊ ጸሓፊ ጸብጻብ ሎጂካል ሚስተር ዋልተር፡ እዚ ወፍሪ ጻዕርታት ሚስተር ሚሸል ኣብ ሓቀኛ ዓለም ጽልዋ ከሕድር ንፈለማ እዋን እዩ።
"ሩሶስፈር ሉክ ሚሸልን ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጽልዋ ስርሒታትን ንመጀመርታ ግዜ ርኡይ ዓወት ክረኽቡ ክኢሎም" ይብል።
"እቶም ጕጅለታት ኣብ መጀመርታ ብስኑዕ ኣካውንታት ዝተሓገዙ'ኳ እንተነበሩ፡ ሕጂ ግን ሓቀኛ ጽልዋ ዘለዎም ኰይኖም፡ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጹ ናይ ብሓቂ ሰዓብቲ ኣለዉዎም።"
ኣድናቒ ቓዛፊን ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, LUC MICHEL'S WEBSITE
ሚስተር ሚሸል፡ ናይ መጀመርታ ታሪኹ ንሓደ ንነብሱ ዓርኪ ኣፍሪቃ ዝብል ዘይልሙድ ቅጽል ዝሃበ ሰብ እዩ።
ኣብ 1958 ዝተወልደ ሚሸል፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝነጥፍ ዝነበረ ኰይኑ፡ ፈለማ ኣብ ኒዮ-ፋሽሽታዊ ጕጅለታት ናይታ ትውልዲ ዓዱ ቤልጅየም፡ ድሒሩ ድማ ከም ሰዓቢ ዣን ቲርያርት ዝተባህለ - ተሓባባሪ ናዚ ነበር - ኣንጻር ኣሜሪካ ተጠርኒፉ።
ሞያኡ ነቲ ኣብቲ እዋን መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ሙዓመር ቓዛፊ ንምድጋፍ ናብ ሊብያ ወሰዶ። ብተወሳኺ ኣማኻሪ ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ፒየር ንኩሩንዚዛ ኰይኑ ናብ ብሩንዲ ከይዱ።
ኣብ ምሉእ እዋኑ፡ "ናሺ" ምስ ዝበሃል ምንቅስቓስ መንእሰያት ክረምሊን ብምስራሕ፡ ባዕላዊ "መረጻ ዝከታተል ጕጅለ" ብምፍጣር፡ ነቲ ኣብ 2014 ሞስኮ ኣብ ክሪሚያ፡ ዶነስክን ሉሃንስክን ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ረፈረንደም "ናጻን ፍትሓውን" ክብል ኣዊጁ።
"ኣነ ስታሊናዊ እየ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ካብ 1980ታት ጀሚረ ንሩስያ እየ ዝከላኸለላ። ሩስያ እታ እንኮ ጸረ ኣሜሪካ ዝዀነት ኣብ ኣውሮጳ ዝተረፈት ሓይሊ እያ ትመስለኒ። ንሕብረት ሶቭየት ናፍቘት ኣለኒ፤ ኣሜሪካ ዘይብሉ ነጻ ዓለም እየ ዝደሊ።"
ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክሳብ ጐደናታት
ጽልዋ ፍሉያት- ናይ ስኑዕ ሓበሬታ ጐስጓሳት ንምግምጋም ኣጸጋሚ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ንሩስያ ዝድግፍ መልእኽቲ ይስማዕ ኣሎ - ይብሉ ተንተንቲ።
"ዓወት ከም በዓል ሉክ ሚሸል ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ንፈረንሳ ብዝገበሮ ተቓውሞ'ዩ። ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቀኛ ቅሬታታት ይምዝምዞ ኣሎ" ይብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ-8 ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ስርሓት ሓበሬታ ሞስኮ ዘጽንዕ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኬቪን ሊሞኒየር።
ካብ ‘ኮንራድ ኣደናወር ፋውንደሽን’ ዝተበሃለ ማእከላይ-የማናዊ-ጀርመናዊ ትካል ዝዀነ ኡልፍ ላሲንግ ብወገኑ፡ "ናይ ሩስያ ስኑዕ ሓበሬታ ንሓይልታት ፈረንሳ ካብ ሃገራት ሳሕል ብፍላይ ድማ ካብ ቡርኪናፋሶ ንምውጻእ ዝሓገዘ ረቛሒ እዩ ነይሩ" ይብል።
ካብ 2013 ጀሚሩ ኣስታት 5 ሽሕ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ከምኡ’ውን ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ቻድ፡ ኒጀርን ሞሪታንያን ንዝርከቡ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ጕጅለታት ንምምካት ተዋፊሮም ነይሮም።
ዝሓለፈ ዓመት ግን ካብ ማሊ ወጺኦም፡ ሎም ዘበን ድማ ካብ ቡርኪናፋሶ ክወጹ ይሸባሸቡ ኣለዉ።
ካብ ወተሃደራዊ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ጸቕጢ ይግበረሎም'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ቢቢሲ ሞኒተሪን ዝዀነት ቤቨርሊ ኦቺየንግ ግን፡ ህዝባዊ ስምዒት ምስኡ ገለ ርክብ ነይርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ትስማማዕ።
"ኣብ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኒጀርን ቻድን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ባንዴራታት ሩስያ ይንብልበል ነይሩ፡ እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ደገፍቲ ሩስያ ዝነዝሕዎ ስኑዕ ሓበሬታ ዝተበገሰ'ዩ" ትብል።
ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ኤምባሲ ፈረንሳ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኣብ መንጐ ዋጋዱጕን ሞስኮን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክህሉ ክጠልቡ ተሰሚዖም።
እዚ ብቐጥታ ምስ ዕላማታት ሚስተር ሚሸል ይሰማማዕ፣ "ሩስያ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንፈረንሳውያን ክትትክእ ዕላማ ኣሎዋ 'መስለኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ጽልዋ ስርሒታት ሓበሬታ ምግማት ዳርጋ ዘይከኣል'ዩ" ይብል ክኢላ ወፍሪ ጽልዋታት ክረምሊን ሚስተር ሊሞኒየር።
ሓደ ነገር ግን ንጹር እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ንምዕራባውያን የሻቕሎም ኣሎ።
ብመሰረት ሚስተር ሊሞኒየር፡ ኣብ ፓሪስ፡ "እቶም ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራትን፡ ኣንቢቦም፡ ርእዮም፡ 'ኣንታ እንታይ እዩ እዚኸ' ይብሉ ኣለዉ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







