ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ሓደ ጀርዲን ኣዝዩ ገዚፍ ዓጽሚ ዳይኖሰር ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, FACULTY OF SCIENCE OF THE UNIVERSITY OF LISBION
ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ሓደ ጀርዲን ኣብ ኣውሮጳ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኸቡ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር ተረኺቡ።
እዚ ኣብ ማእከል ፖምባል እትብሃል ከተማ ኣብ ሓደ ጀርዲን ናይ ውልቀ ሰብ ዝተረኸበ ኣዝዩ ገዚፍ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር፡ ዋና እቲ ጀርዲን ኣብ 2017 ኣብቲ ጀርዲኑ ገዛ ንምስራሕ ኣብ ዝኹዕተሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ተረኺቡ።
እቲ ዓጽሚ ናይቶም ሳውሮፓድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓይነታት ዳይኖሰር እዩ።
ዳይኖሰር ኣብ ዓለምና ካብ ዝነበሩ እንስሳታት እቲ ዝገዘፈ እንስሳ’ዩ።
እዞም ነዊሕ ክሳድን ነዊሕ ጭራን ዘለዎ እንስ፡ ኣግራብ ዝበልዑ ኮይኖም ብኣርባዕተ መሓውሮም’ዮም ዝጉዓዙ።

ምንጪ ስእሊ, FACULTY OF C=SCIENCES OF THE UNIVERSITY OF LISBON
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ካብ ፖርቱጋልን ስፔይንን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ስነ ኳዕቲ፡ ነቲ ኣብ 2017 ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝተረኸበ ዓጽሚ ናይ ዳይኖሰር ቀስ እናበሉ ብምኹዓት ዓንዲ ሕቆን መሰንገለን ናይቲ ዳይኖሰር ክረኽብዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ ስነ ኩዕታ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ዳይኖሰር 12 ሜትረ ቁመትን 25 ሜትሮ ጎድንን ዝነበሮ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ ነይሩ።
ኣዕጽምቲ ናይቲ ዳይኖሰር ኣብ ትሕቲ ደለልታ ናይ ኣኻውሕ ዝተረኸበ ኮይኑ ቅድሚ 150 ሚልዮን ዓመታት ብህይወት ዝነበረ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ክኢላታት ኣፈናዊ ግምቶም ሂቦም ኣለዉ።
እቶም ክኢላታት ስነ ኩዕታ ብዛዕባ እቲ ዳይኖሰርን እቲ ኣዕጽምቱ ዝተረኸበሉ ቦታ ዝያዳ መጽናዕቲ ንምክያድ ተወሰኽቲ ዓለም ለኻውያን ክኢላታት ክጽንበርዎም ዕድመ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቶም ክኢላታት ምሉእ ኣካላት ናይቲ ዳይኖሰር ንምርካብ ኩዕቶኦም’ኳ ይቅጽሉ እንተሃለዉ ግዜ ከወስድ ከምዝኽእል ግን ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊዝበን ፖርቱጋልን ተመራማሪት ዝኾነት ዶክተር ኤሊዛቤት ማላፋያ “ኩሉ መሰናግላት ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ናይ ዝሞተ እንስሳ ብኸምዚ ዝረኸብናዮ ክትረክብ ብዙሕ ዘይረአ ነገር እዩ” ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







