ስነ-ጥንቲ: ኣብ ግብጺ ቅድሚ 5000 ዓመት ዝነበረ ዓቢ ጥንታዊ ፋብሪካ ቢራ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ተመራመርቲ ስነ-ኩዕታ ጥንታዊት ግብጺ፡ ኣብ ዓለም እቲ ናይ ፈለማ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ዝተነግረሉ ቅድሚ 5000 ዓመት ዝነበረ ፋብሪካ ቢራ ረኺቦም።
ሓደ ብግብጻውያንን ኣመሪካውያንን ዝቖመ ጉጅለ ተመራመርቲ ኣብ ምድረበዳ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ኣቢዪዶስ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝካየዶ ኩዕታ'ዩ እቲ ጥንታዊ ቅርሲታት ተረኺቡ።
እቲ ፋብሪካ ኣብ ሓደ ጥንታዊ መቓብር ዝነበረ ቦታ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ'ሎ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ማይን እኽሊን ዝሓወሰ እሉኽ ዝውዕየሉ ዝነበረ ኣስታት 40 ኣጋንእ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።
እቲ ፋብሪካ ኣብ ዘመነ ስልጣን ንጉስ ናርመር ዝነበረ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ስነጥንቲ ግብጺ ኣሚቱ'ሎ።
ዛጊት፡ እቲ ዝተረኽበ ፋብሪካ "ብዕብየቱን ጥንታውነቱን ናይ መጀመርታ ቤተጹምቋ" እዩ ኢሉ ከምዝኣምን'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ገሊጹ።
ንጉስ ናርመር ቅድሚ 5000 ዓመታት ዝነገሰ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ፈለማ ንግስነት ዝመስረተን ንጥንታዊት ግብጺ ናብ ሓድነት ዘምጽኣን'ዩ ተባሂሉ ይንገረሉ።
እቲ ፋብሪካ ቢራ፡ 8 ዝተፈላለየ 20 ሜትሮ ዝቑመቱ ክፍልታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነፍሲወከፍ ክፍሊ 40 ኣጋንእ ዝሓዘ'ዩ።
እቶም ካብ መሬታዊ ነገራት ዝተሰርሑ ዕትሮታት ኣብ ክልተ መስመር ዝተሰርዑ ምዃኖም'ውን ዋና ጸሓፊ፡ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ስነጥንቲ ግብጺ ሙስጠፋ ዋዚሪ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ዝጽሞቕ ዝነበረ ቢራ፡ ካብ እኽልን ማይን ዝተሰርሐ ምዃኑን፡ ኣብቶም ኣጋንእ ይውዒ ምንባሩ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።
"ኣብዚ ቦታ'ዚ ብፍሉይ ምድኳኑ፡ ንስርዓተ ቀብሪ ነገስታት ግብጺ ንኸገልግል ተባሂሉ ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ቱሪዝም እታ ሃገር ዝጠቐሶ ተመራማሪ ስነ-ኩዕታን ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ፕሮጀክትን ዝኾነ ማቲው ኣዳምስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ።
እቲ ፋብሪካ ኣስታት 22,400 ሊትሮ (400 ጋሎን) ዝመጠኑ ቢራ የፍሪ ነይሩ ተባሂሉ ይግመት።
"[ቅድሚ ሕጂ] ኣብዚ ቦታ'ዚ ኣብ ዝተገብረ ኩዕታ ንስርዓተ ቀብሪ ዘገልግል ቢራ ይፈሪ ምንባሩ ዝሕብር ጭብጢ ተረኺቡ ነይሩ'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
ኣይዶስ ጥንታዊት ከተማ ግብጻዊት ኮይና፡ ሰፋሕቲ ጥንታዊ መካነ መቓብራትን ቤተመቕደሳት ዝተረኽቡላ'ያ።
እቲ ከባቢ ኣብ ላዕለዋይ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ሶሓግ ዝርከብ ኮይኑ፡ እታ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾነት ከተማ ሉከዞር ትርከበሉ'ውን እዩ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ጥቓ ጥንታዊት ከተማ ኣለክዛንድርያ ኣብ ዝተኻየደ ኩዕታ፡ ናይ 2000 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን ወርቃዊ መልሓስ ኣብ ኣፎም ዝተሰዂዓሎምን ኣስከሬናት ተረኺቦም ምንባሮም ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







